ኣብ ኢትዮጵያ ክልተ ቱርካውያን በጻሕቲ ዝርከቡዎም ሰለስተ ሰባት ተቐቲሎም

ብረት ዝሓዘ ሰብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከብ ወረዳ ሱሪ ክልተ ዜጋታት ቱርኪን ሓደ ዜጋ ኢትዮጵያን ብዕጡቓት ከም ዝተቐትሉ ምምሕዳር እቲ ወረዳ ኣፍሊጡ።

መንግስቲ እቲ ክልል ኣብ ልዕሊ እቶም በጻሕቲ ዓዲ ንዝፈጸም መጥቃዕቲ "ዘይተፈልጡ ሸፋቱ ኣርባሕቲ ከብቲ፡" ዝበሎም ኣካላት ተሓተትቲ ገይሩ።

ቅትለት እቶም ክልተ ቱርካውያን በጻሕትን መራሕ መኪናኦምን ብሰኑይ ንግሆ ከም ዝተፈጸመ ሓላፊ ወረዳ ሱሪ ኣቶ ባርዱላ ኦለሰኒ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

እቶም ክልተ ዜጋታት ቱርኪ ኣብ ዞባ ምዕራብ ኦሞ ኣብ ዝርከብ ወረዳ ሱሪ ንኽልተ መዓልታት ከም ዝጸንሑ ገሊጹ።

እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈጸመሉ እዋን ኣብቲ ከባቢ ዝነበሮም ዑደት ምስ ወድኡ ይብገሱ ምንባሮም ኣረዲኡ።

ኣብ ወረዳ ማጂ "ቱሚ" ዝተባህለ ጣብያ እናተጓዕዙ እንከለዉ ኣብ ባንኪ ዝተባህለ ከባቢ፡ እቲ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ድማ ወሲኹ ሓቢሩ።

"በጻሕቲ ዓዲ ዝሓድሩሉ ቦታታት ኣለና። ናብ ማጂ ኣብ ዝኸዱሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ መገዲ እንከለው እዩ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ። ኣብ መንጐናን ኣብ መንጐ ማጂን ኣብ ዘሎ ስፍራይ እዩ ከምዚ ዓይነት ነገር ዝተፈጥረ፡" ኢሉ።

መንግስቲ ክልል ደቡባዊ ምዕራብ ኢትዮጵያ ብሰኑይ ምሸት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ክልተ ዜግነት ቱርኪ ዘለዎም ወጻእተኛታት በጻሕትን ሓደ ኢትዮጵያዊ መራሒ መኪናን" ከም ዝተቐትሉ ኣረጋጊጹ።

እዚ ብ"ዘይተፈልጡ ኣርባሕቲ እንስሳት ሸፋቱ፡" ዝተፈጸመ እዩ ይብል።

"መንግስቲ ነዚ ኣረመናዊ ተግባር ዝፈጸሙ ሸፋቱ ንምድላይን ናብ ሕጊ ንምቕራብን ዝተዋደደ ሓይሊ ጸጥታ ብምውፋር ሰፊሕ ስርሒታት ምኽባር ሕጊ የካይድ ኣሎ፡" ብምባል ገበነኛታት ንምእሳር ጻዕሪ ይካየድ ከም ዘሎ ገሊጹ።

ሬሳ በቲ መጥቃዕቲ ዝሞቱ ዜጋታት ቱርኪ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝተላእከ ዋና ኣመሓዳሪ ወረዳ ሱሪ ኣቶ ባርዱላ ንቢቢሲ ሓቢሩ።