ሓይልታት ፋኖ 'ሰለይቲ' ዝበሉወን ሰለስተ ደቀንስትዮ ከም ዝቐተሉ ኣረጋጊጾም

ምንጪ ስእሊ, Mengistu Amare/facebook
ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምብራቕ ጎጃም ወረዳ ደብረ ኤልያስ፡ ሰለስተ ደቀንስትዮ ኣብቲ ከባቢ ብዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ፋኖ ተቐቲለን ተረኺበን።
ኣባል ማእከላይ እዚ ሓይሊ ብሄራዊ ሓይሊ ኣምሓራ ፋኖ ኣቶ ኣስረስ ማሬ ዳምጤ እቲ ቅትለት ከም ዝተፈጸመ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ፤ እቲ ስጕምቲ ግን እተን ሰለስተ ደቀንስትዮ "ንጸላኢ ክስልላ ተረኺበን፡" ብምባል ከምዝተፈጸመ ገሊጹ።
ኣመሓደርቲ ወረዳ ደብረ ኤልያስ ብወገኖም እቶም ዕጡቓት ኣብ "መዓልታዊ ዕዮ" ዝተዋፈራ ደቀንስትዮ ከም ዝቐተሉን ሓንቲ ካብአን "ጸገም ምስማዕ ዝነበራ" ምዃና ብምጥቃስ ነቶም ዕጡቓት ከሲሶም።
ኣብዚ ጉዳይ ተወሳኺ ሓበሬታ ዝሃበ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ሰላምን ጸጥታን'ቲ ወረዳ ኣቶ ደሚስ ኣለኽነ፡ ብሰሉስ 21 ታሕሳስ 2018 [ኣ.ግ] ካብ ከተማ ደብረ ኤልያስ ወጻኢ ኣብ ዝርከብ "ጥጃ ጎተር መገንጠያ" ኣብ ዝተባህለ ከባቢ፡ ካብ 17 ክሳብ 19 ዓመት ዝዕድመአን ሰለስተ ደቀንስትዮ ተቐቲለን ከም ዝተረኽባ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ሓይልታት ጸጥታ እቲ ወረዳ ካብ ነበርቲ ሓበሬታ ምስ ተሰምዐ ሬሳታት እተን ሰለስተ ደቀንስትዮ ከም ዝረኸቡ ሓላፊ ርክብ መንግስቲ'ቲ ወረዳ ኣቶ ሙላት ሙንየ ገሊጹ።
ኣቶ ሙላት ዝሃቦ ብዝሃቦ ሓበሬታ መሰረት፡ እቲ ሬሳታት ዝተረኽበሉ ከባቢ "ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር እቶም ዕጡቓት" ዝርከብ እዩ ነይሩ።
"[እቲ ከባቢ] ካብ ቍጽጽር መንግስቲ ወጻኢ'ዩ፣ ዕጡቓት ዝቘጻጸርዎ ከባቢ'ዩ። በቲ ከባቢ ካብ ዝሓልፍ ሰብ 'ሰለስተ ቈልዑ ብጥይት ተሃሪመን ተቐቲለን፤ ኣብ ርእሰን እየን ተሃሪመን' ዝብል ሓበሬታ ምስ በጽሐ፡ ሓይልታት ጸጥታ ከይዶም ነቲ ሬሳታት ኣምጺኦም፡ ንስድራቤተን ኣረኪቦምዎ፡" ይብል።
ነዚ ዘረጋግጸ ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ሰላምን ጸጥታን ደምስ ብወገኑ፡ እተን ደቀንስትዮ "ብጥይት ተሃሪመን ተቐጥቂጠን ከም ዝሞታ" ገሊጹ፤ "ዝተፈላለየ ተግባራት ጾታዊ ዓመጽ'ውን በጺሑወን'ዩ፡" ክብል ከሲሱ።
ንሱ፡ እቲ ጾታዊ መጥቃዕቲ ብኸመይ ከም ዝተረጋገጸ ምስ ተሓተተ፡ "ምስ ሓካይም ኢና ከይድና። ምስኦም ምስ ከድና ድማ ቅምሶ ወሲዶም፡ ድሒሩ ኣብ ልዕሊአን ከምዚ ዓይነት ነገር ከም ዝተፈጸመ ዘመልክት መረዳእታ ተረኺቡ፡" ኢሉ።
መንነት እተን ግዳያት "ብመለለዪ መንነተን" ክፍለጣ ከም ዝተኻእለ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ኣቶ ሙላት ገሊጹ።
ሓንቲ ካብተን ግዳያት ሙያነሽ ተሾመ "ጓል 17 ዓመት" ከም ዝነበረት ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ሰላምን ጸጥታን ደሚስ ገሊጹ። ትህትና (ቃልኪዳን) ኣለኸነን ከምኡ'ውን መልካም ታዴ ዝተባህላ ድማ "ዕድሚአን 18ን 19ን" እዩ ኢሉ።
ቅትለት እተን ሰለስተ ደቀንስትዮ ፈለማ ኣብቲ ከባቢ ምስ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ፋኖ ዝተኣሳሰሩ ገጻት ፌስቡክ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ እዩ ወጺኡ።
ሃገራዊ ሓይሊ ኣምሓራ ፋኖ "ቴዎድሮስ እዝ 206 ኮር ርክባት ህዝቢ" ኣብ ፌስቡክ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "ልኡኽ ጸላኢ ድሕሪ ምቕባል ንትሽዓተ ኣዋርሕ ንጸላኢ ሓበሬታ ከቐብላ ኣብ ዝጸንሓ ባንዳታት ስጕምቲ ወሲድና ኣለና" ክብል ገሊጹ።
ቢቢሲ ብዛዕባ እቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ሓበሬታ ብዝምልከት ንኣባል ማእኸላይ እዚ ብሄራዊ ሓይሊ ኣምሓራ ፋኖ ኣስረስ ማሬ ዳምጤ ክውከስ እንከሎ፡ ነዘን ሰለስተ ደቀንስትዮ "ካብ ዝሓለፈ ክረምቲ ንነዊሕ እዋን ኣብ ስለያ ተጸሚደን ነይረን" ብምባል ከሲሱ። እዚ ድማ "ብሽፋን መዓልታዊ ዕዮ፡" ዝገበርኦ እዩ ክብል ተዛሪቡ።
"እዚ ናይ ስለያ ስርሐን ድማ ናብቶም ናይቲ ከባቢ ሚልሻ፡ ምክልኻል፡ መራሕቲ ፍሉይ ሓይሊ ከም ዘብጽሕኦ ዝተረጋገጸ'ዩ፡" ኢሉ።
ብመሰረት ሓበሬታ መሪሕነት ፋኖ፡ እተን ደቀንስትዮ "ወተሃደራዊ ስልጠና ምስ ዝወስዱ ዝተመልመሉ ሰባት ብምምስሳል ኣብ ታዕሊም ቦታ ክምዝገባ ከለዋ እየን፡" ተታሒዘን።
"ተኣሲረን መርመራታት ተገይሩለን፤ ዝጥቀማሉ ዝነበራ ተሌፎናት፡ ዝነበረን ምንቅስቓስ፡ እቲ ተልእኾ መን ከም ዝሃበን ሓዊሱ ኣሚነን እየን።
እንተዀነ ቢቢሲ ዘዘራረቦም መራሕቲ ወረዳ ደብረ ሊባኖስ እተን መንእሰያት ኣብ ስራሕ ስለያ ተዋፊረን ነይረን ዝብል ክሲ ኣይቅበሉዎን።
ሓንቲ ካብተን ግዳያት ናይ ዝዀነት ትህትና ቀረባ ዘመድ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት መጓዓዝያ እቲ ወረዳ ኣቶ ዘውዱ ደምስ፡ እቶም ዕጡቓት ኣብ ፌስቡክ ኣብ ዝዘርግሕዎ ቪድዮ፡ ሽሙ ብምጥቃስ "ኣተሓባባሪ ሓይሊ ጸጥታ'ዩ" ከም ዝበለት ተዛሪቡ።
"ስርሐይ ምስ ፖለቲካ ዝተኣሳሰረ ኣይኰነን፡ ግን ሓላፊ መጓዓዝያ እየ፡" ይብል ኣቶ ዘውዱ።
ኣብቲ ቪድዮ ድማ ብሰንኪ እቲ "ኣብ ልዕሊኣ ዝበጽሐ ማህረምቲ፡" እያ ከምኡ ክትብል ተገዲዳ ኢሉ ከም ዝኣምን ኣረዲኡ።

ምንጪ ስእሊ, Debre Elias Woreda Communication
ማእከላይ መራሒ ሃገራዊ ሓይሊ ኣምሓራ ፋኖ ኣቶ ኣስረስ ማሬ ዳምጤ ብወገኑ፡ ኣብ ልዕሊ እተን ደቀንስትዮ "ማህረምቲ ጾታዊ ዓመጽን ተፈጺሙ'ዩ፡" ዝብል ክሲ ነጺጉዎ።
"ሓሶት'ዩ፡ ግን ሽም ፋኖ ንምጽላም ዝዓለመ'ዩ፡" ብምባል "ጾታዊ መጥቃዕቲ ኣይበጽሐንን። እቲ ቃለ መሕትት'ውን ብናጽነት ዝሃብኦ እዩ፤ እቲ ሰራዊት ብፍሉይ መገዲ ጾታዊ ዓመጽ ዝፍጽመሉ፡ ወይ ድማ ብፍሉይ መገዲ ኣብ ልዕሊአን ስጕምቲ ዝወስደሉ ካልእ ምኽንያት የለን፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ኣስረስ፡ ነተን "ኣብ ስለያ ተዋፊረን" ዝበለን ደቀንስትዮ ከም "ተዋጋእቲ" ከም ዝቘጽረን ገሊጹ።
"ብመሰረት ሕገ-ደንቢ-ፋኖ- ንጸላኢ ክስልል ዝተረኽበ ሰብ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ከም እንወስድ፡ ኣብ ካልእ መዳያት'ውን ተመሳሳሊ ስጕምቲ ከም እንወስድ ይፍለጥ'ዩ፡" ኢሉ።
ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ሰባት ምቕታል ከም ገበን ኲናት ክውሰድ ይኽእል እዩ ዝብል ሕቶ ዝቐረበሉ መራሒ ፋኖ ኣስረስ፡ "ምሩኽ ኣብ እዋን ውግእ ብፍቓዱ ኢዱ ዝህብ ሰብ እዩ። ይዅን'ምበር እዘን ደቀንስትዮ ኣብ ትሕቲ ፍሉይ ኵነታት ኣብ ስለያ ስለ ዝተዋፈራ እየን ተታሒዘን፤ ብመሰረት ሕገ-ደንብና ከም ምሩኽ ኲናት ኣይተታሕዛን፡" ክብል መልሲ ሂቡ።
"እዚ ንኣህጉራዊ ሕጊ ገበንን ኣህጉራዊ ውዕል ኣተሓሕዛ ምሩኻት ኲናትን ዝጥሕስ እዩ ኢልና ኣይንኣምንን" ኢሉ።

![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







