ሱዳን፡ ኡጋንዳ ንኣዛዚ ዳዕመ-ሰሪዕ ምእንጋዳ ኰኒና፡ ሕሜቲኸ እንታይ ኢሉ?

ኣዛዚ ዳዕመ-ሰሪዕ መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ቆምሽ ዓረብ ተኸዲኑን ኣብ ርእሱ ኩፍየት ገይሩን

ምንጪ ስእሊ, Anadolu via Getty Images

ንባብ: 3 ደቓይቕ

መንግስቲ ሱዳን፡ ኡጋንዳ ንመራሒ ዳዕመ-ሰሪዕ ኣብ ሃገራ ምእንጋዳ ብምዅናን፡ ነቲ ርክብ "ጸርፊ ንሰብኣውነት" ክብል ገሊጹዎ።

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን፡ ነቶም ሓይልታቱ መጠነ ሰፊሕ ግፍዒ ከም ዝፈጸሙ ዝኽሰሱ ኣዛዚ ዳዕመ-ሰሪዕ መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ኣብ ሃገራ ምቕባላ ኣህጉራዊ ሕጊ ከም ዝጠሓሰት ገሊጹ።

ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩወሪ ሙሰቨኒ ብዓርቢ ንመሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሕሜቲ) ኣብ ኢንተበ ኣብ ዝርከብ ቤተመንግስቱ ረኺቡ ከም ዘዘራረቦ ሓቢሩ።

ዑደት ሕሜቲ፡ ኣቦ መንበር ልዑላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ማሊክ ኣጋር ብ13 ለካታቲ ናብ ኡጋንዳ ተጓዒዙ ምስ ፕረዚደንት ሙሰቨኒ ንዝገበሮ ርክብ ስዒቡ ዝመጽአ እዩ።

ንሰራዊት ሱዳንን ዳዕመ-ሰሪዕን ክሽምግል ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተመዘዘ ሙሰቨኒ፡ "ኣብ ሰለማዊ ፖለቲካዊ ፍታሕ፡" ከም ዘተኵር ገሊጹ።

ባይቶ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ብ28 ጥቅምቲ 2025 ኣብ ዘሕለፎ ውሳነ እዩ ፕረዚደንት ሙሰቨኒ ንኽልተኦም ሓይልታት ክዛተይሉ ዘኽእል ባይታ ከጣጥሕ ተመዚዙ።

ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ብሰንበት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "መንግስቲ ሱዳን፡ ነቲ [ኡጋንዳ] ንኣዛዚ ግብረሽበራዊ ምልሻ ዝዀነ መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ዝገበረትሉ ኣቀባብላ ብጽኑዕ ይዅንኖ፡" ኢሉ።

እቲ መግለጺ ቀጺሉ፡ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ኡጋንዳን ኣዛዚ ዳዕመ-ሰሪዕን ንዝተኻየደ ርክብ ብምዅናን፡ "ንህዝቢ ሱዳን ምጽራፍ ምዃኑ፡ ብሓፈሻኡ፡ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ንሰብኣውነት ዝጸርፍ ስጕምቲ እዩ፡" ኢሉ።

ጕጅለ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ኣህጉራዊ ትካላትን፡ ዳዕመ-ሰሪዕ ንሰለማውያን ሰባት ዒላማ ብምግባር ገበናት ኲናት ከም ዝፈጸመ ይኸሱ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣመሪካ ነታ ኣብ ምዕራብ ሱዳን እትርከብ ከተማ ኣልፋሽር ንዓመትን መንፈቕን ኣብ ከበባን ምርኮን ክትጸንሕ ኣገዲዶማ ብምባል ንሰለስተ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ዳዕመ-ሰሪዕ እገዳ ኣንቢራ።

ተልእኾ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን'ውን ስርሒት ዳዕመ-ሰሪዕ ኣብ ኣልፋሽር፡ "ምጽናት ዓሌት ዘመልክት ብውጥንን ዝተወደበ መንገድን፡" ዝተኻየደ ምዃኑ ገሊጹ።

ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን፡ "ነቲ፡ ዞባውያንን ኣህጉራውያን ትካላት ኣንጻር ናይቲ ኣህጉራዊ ኣፍልጦ ዘለዎ መንግስቲ ንዝኸዱ ዓለወኛታት ደገፍ ክህባ ዝኽልክል ንኣባል ሃገራት ዝጠምር ሕጊ ፍጹም ዕሽሽ ተባሂሉ፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኡጋንዳ ንዑደት መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ምስ ፕረዚደንት ሙሰቨኒ ዝገበሮ ርክብ፡ "ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ግጭት መኸተምታ ኣብ ምርካብን ዞባዊ ምርግጋእ ናብ ንቡር ንምምላስን፡" ኣተኲሮም ከም ዝተዘራረቡ ገሊጹ።

ሙሰቨኒ ንሕሜቲ፡ ሰላም ሱዳን ብዘተ ጥራይ ክረጋገጽ ከም ዝኽእል ደጊሙ ብምግላጽ፡ "መንነታዊ ፖለቲካ፡" ከየዘውትሩ ኣጠንቂቑ።

"ናይ መንነት ፖለቲካ መርዛም እዩ፣ ጽቡቕ ውጽኢት ኣይህብን። ንህዝቢ ዘጣምር ሓባራዊ ረብሓታት እዩ፡" ድሕሪ ምባል ክልተኦም ወገናት ኣብ ክንዲ ግጭት ሰላም ከቐድሙ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ሕሜቲ ቀጺሉ ኣብ ካምፓላ ምስ ዝነብሩ ደገፍቱ ሱዳናውያን ተራኺቡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ብስዑዲ ዓረብን ኣመሪካን ዝምራሕ ዘተ ሰላም ጅዳ ብምንቃፍ፡ ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ካብቲ ተኸቢቡዎ ዝነበረ ንምድሓን ዝተፈጥረ "ሜላ" ምንባሩ ገሊጹ።

ዳዕመ-ሰሪዕ ንስዑዲ ዓረብ ካብ ዘለዎ ኣኽብሮት ስቕ ምባሉ ከም ዝጐድኦን ሰራዊት ሱዳን ድማ ነቲ ግዜ ዕሱባት ወተሃደራት ክኸትብ ከም ዝተጠቀመሉን ወቒሱ።

ኣብ መንጎኦም ዝግበር ዘተ ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣፍሪቃ ብሕልፊ ድማ ብመንገዲ ኢጋድን ሕብረት ኣፍሪቃን ክካየድ ከም ዝነበሮ ኣብሪሁ።

ብዘይካ'ዚ ሕሜቲ፡ ኣብቲ ግጭት ኣብ ጐድኖም ዝተሰለፉ ኮሎምብያውያን ዕሱባት "ብውሑድ ቍጽሪ፡" ከም ዘለዉ ንፈለማ እዋን ተኣሚኑ።

ዕማሞም ድማ ብድሮናት ዝካየድ ስርሒታት ኣብ ምክትታል ዝተሓጽረ ምዃኑ ገሊጹ።

እንተዀነ፡ ሰራዊት ሱዳን'ውን ኢራናውያንን ዩክረይናውያን ዕሱባት ወተሃደራት ከም ዝተጠቕመ ሓቢሩ።

ሕሜቲ ኣብቲ ዝሃቦ መግለጺ፡ ዳዕመ-ሰሪዕ ሓይሉ ኣዝዩ ከም ዝዓበየ ብምሕባር፡ ኲናት ክጅመር እንከሎ 143,000 ዝነበረ ቍጽሪ ኣባላቱ ኣብዚ እዋን'ዚ ናብ ልዕሊ 500,000 ክብ ከም ዝበለ ገሊጹ።

ሱዳን ካብ ምያዝያ 2023 ኣትሒዛ ኣብ መንጎ ብዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ሱዳንን ብመሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ዝእዘዝ ዳዕመ-ሰሪዕን ብዝተፈጥረ ዘይምስምማዕ ናብ ኲናት ሕድሕድ ወዲቓ።

ብመሰረት ጸብጻብ ቤትጽሕፈት ላዕለዋይ ኮምሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ብሰንኪ ግጭት ብውሕዱ 11.7 ሚልዮን ሰባት ካብ መነባብሮኦም ተመዛቢሎምን ብገምጋም 150,000 ሰባት መይቶምን።