ካይሮ፡ ግብጺ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ዘለዋ 'ቀይሕ መስመራት' ኣነጺራ

ምንጪ ስእሊ, SUNA
ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ናብ ርእሰከተማ ሪያድ ብምብጻሕ ምስ መራሕቲ ንግስነት ስዑዲ ዓረብን ኣመሪካን ዝተዘራረበ ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን ናብ ካይሮ ብምምራሕ ምስ መራሕቲ ግብጺ ተዘራሪቡ'ሎ።
ኣብቲ ምስ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደል ፋታሕ ኣል-ሲሲ ዘካየዶ ርክብ፡ ቅልውላው ሱዳን ንምፍታሕ ሓሳባት ተለዋዊጦም።
ካይሮ ድሕሪ'ቲ ዝርርብ ኣብ ዘውጽኣቶ ሰፊሕ መግለጺ፡ ኣብ ሓድነትን ጸጥታን ሱዳን ዘለዋ ተሪር መርገጺ ኣነጺራ'ላ።
ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣል-ሲሲ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ግብጺ ነቲ ብፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝቐረበ እማመ ሰላም ዘለዋ ደገፍ ኣፍሊጣ።
"ራኢ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ሱዳን ምርግጋእ፡ ጸጥታን ሰላምን ንምውሓስ ዝዓለመ እዩ" ይብል እቲ ናይ ደገፍ መግለጺ።
ምስ ጉዳይ ጸጥታ ሱዳን ብዝተሓሓዝ "ክስገር ዘይብሉ ቀይሕ መስመር" ከምዘሎ'ውን ግብጺ ኣጠንቂቓ ኣላ።
"ዓረባዊት ሪፓብሊክ ግብጺ፡ ክስገር ዘይብሉ ወይ ብሻላ ዘይረአ ቀያሕቲ መስመራት ከምዘሎ" ብምጥንቃቕ "እዚ ነቲ ምስ ጸጥታ ሱዳን ጥቡቕ ምትእስሳር ዘለዎ ሃገራዊ ድሕነት ግብጺ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ" ትብል።
እዚ ካይሮ ሓንጺጻቶ ዘላ ቀያሕቲ መስመራት፡ ንሱዳን ንምምቃል ወይ ንምፍንጫል ዝገበር ሓቐነታት ምዃኑ'ውን መግለጺ ፕረዚደንት ግብጺ ኣነጺሩ'ሎ።
"ግብጺ፡ ሓድነትን ግዝኣታዊ ክብሪን ሱዳን ምዕቃብ፡ ከምኡ'ውን ጸጋታታን ዓቕምታታ ህዝቢ ሱዳንን ምውሓስ ካብቲ ቀያሕቲ መስመራት እዩ። እዚ፡ ዝኾነ ኣካል ሱዳን ክንጸል ዘይምፍቃድ'ውን ዘጠቓልል እዩ"
"ካልእ ማዕረ [መንግስታዊ] ኣካላት ክምስረትን ኣፍልጦ ክረክብን ንዝብል ሓሳብ ግብጺ ፈጺማ ትነጽግ፡ ምኽንያቱ ንሓድነትን ግዝኣታዊ ክብሪን ሱዳን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ስለዝኾነ" ይብል እቲ ብዓል 6 ነጥቢ መግለጺ።
ትካላት መንግስቲ ሱዳን ክዕቀቡ ከምዘለዎም ዝጸውዐ ኣል-ሲሲ፡ እዞም መስመራት እዚኦም እንተ ተጣሒሶም ካይሮ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክትወስድ ከምእትኽእል ኣጠንቂቑ።
"ግብጺ፡ ዓለምለኻዊ ሕጊ ዝህቦ ፍቓድን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ብዘሎ ሓባራዊ ስምምዕ ምክልኻልን መሰረት ብምግባር፡ እዞም ቀያሕቲ መስመራት ከይጠሓሱ ንምርግጋጽ ኣድላዪ ዝኾነ ኩሉ ስጉምቲ ክትወስድ ምሉእ መሰል ኣለዋ"።
ምስቶም ናብ ምቁራጽ ተጻብኦታት ዘምርሕ ሰብኣዊ ምቁራጽ ተዂሲ ንኽግበር ዝካየድ ጻዕርታት ናይተን 'ኳርተት' ብዝብል ዝጽውዓ ሃገራት ክትተሓባበር ድልውቲ ከምዘላ'ውን ካይሮ ገሊጻ'ላ።
እተን ኣርባዕተ ሃገራት፡ ግብጺ፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ኣመሪካን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ምዃነን ይፍለጥ። ተበግሶ ናይተን ሃገራት ሰብኣዊ ረዲኤት ናብ ህዝቢ ንምብጻሕ ውሑስ መስመራትን ኮሪደራትን ምፍጣር ዝዓለመ እዩ።
እንተኾነ፡ እታ ኣብ ውግእ ሓድሕድ ሱዳን ንሓይልታት ኣደዒም ኣል-ሰሪዕ ከምእትድግፍ ትኽሰስ ኢማራት ዓረብ ኣካል ናይቲ ጉጅለ ምዃና ካብ ሰራዊት ሱዳን ተቓውሞታት ክመጻ ጸኒሑ'ዩ።
ጀነራል ኣልቡርሃን፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ እተን ሃገራት ዘቕረብኦ እማመ፡ ኢማራት ኢዳ ዝሓወሰትሉ ብምዃኑ ናብ ሓይልታት ኣልሰሪዕ ዝዛዘወ'ዩ ብምባል ከምዝተቓወሞ ይዝከር።
ኣቡዳቢ ነቶም ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሕመድቲ) ዝምርሑ ሓይልታት ኣል-ሰሪዕ ከምዘይትድግፎም'ያ ትምጉት።
እንተኾነ፡ ንሰራዊት ሱዳን ብትሪ ብምንቃፍ፡ ከም እንኮ ወኪል ሃገረ ሱዳን ኣፍልጦ ከምዘይትህቦ ኣመልኪታ ነይራ'ያ።

ምንጪ ስእሊ, SUNA
ኣል-ቡርሃን፡ እቲ እማመ፡ እቶም ክጠፍኡ ኣለዎም ዝብሎም ሓይልታት ኣል-ሰሪዕ "ከም ዝቕጽሉ" ዝገብር ብምዃኑ "እቲ ዝኸፍአ" ውጥን ሰላም'ዩ ክብል ብምግላጽ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ጸቕጢ ይፈጥር ኣሎ ዝበሎ ኣማኻሪ ትራምፕ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃን ዓረብን ማሳድ ብሎስ ነቒፉ።
"ማሳድ ቡሎስ፡ ነቲ ኩሎም ሱዳናውያን ዝደልዩዎ ሰላም ዕንቅፋት ከይከውን ፍርሒ ኣለና ክብል" እቲ ጀነራል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ተዛሪቡ ነይሩ።
ሓላፊ ኣገልግሎት ስለያ ሱዳን ሌ/ጀነራል ኣሕመድ ኢብራሂም ሙፋዳል ምስኡ ናብ ካይሮ ተጓዒዙ ከምዘሎ'ውን ኣገልግሎት ዜና ሱና ዘውጽኦ ጸብጻብ ይጠቅስ።
ጀነራል ኣል-ቡርሃን ኣብ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝጸንሓለን መዓልታት ምስ ሰበስልጣን ምክልኻልን ጸጥታን እታ ንግስነት ተላዚቡ ነይሩ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብዛዕባ ጉዳይ ሱዳን ዝርከቦ ሓያለ ዞባዊ ጉዳያት ንምዝርራብ ናብ ሪያድ ድሕሪ ምብጽሑ'ዩ እቲ ሱዳናዊ መራሒ ናብ ስዑዲ ከይዱ።
ኣብ ሪያድ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን፡ ምስቲ ክነቕፎ ዝጸንሐ ኣማኻሪ ትራምፕ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃን ዓረብን ተራኺቡ ነይሩ።
ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር'ውን ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ፖርት-ሱዳን ብምርኻብ ብዛዕባ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ከምዝተዘራረቡ ይዝከር።
ጸግዒ ናይቲ ካብ ፖርት-ሱዳን ሃገር ዘመሓድር ዘሎ ሰራዊት ሱዳን ወሲዱ ዝርከብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ንፖሊሲታት ኢማራት ዓረብ ብትሪ ክነቅፍ ተሰሚዑ ነይሩ።
ኣስመራ፡ እቲ ጉዳይ ግብጽን ስዑዲን ዓቢ ግደ ብዝጻወታሉ ተበግሶ ጎረባብቲ ሃገራትን ሱዳናውያን ጥራይ ክፍታሕ ከምዘለዎ ብምምጓት፡ ብዙሕ ኣእዳው ምእታዉ ነቲ ጉዳይ ይሓማምሶ ከምዘሎ'ያ ትነቅፍ።
ኣብዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ሰሙን ኣብ ዙርያ ጉዳይ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ምንቅስቓሳት ኣቓልቦ ብዙሓት ወገናት ስሒቡ ኣሎ።
ነቲ ኣብ መፋርቕ ሚያዝያ 2023 ኣብ መንጎ ክልቲኦም ሓይልታት ዝተወልዐ ደማዊን ኣዕናዊን ኲናት ንምዕራፍ ክግበር ዝጸንሐ ዲፕሎማስያዊ ተበግሶታትን ጻዕርታትን ዛጊት ከምዘይሰመረ ይፍለጥ።
ምትእትታው ሓይልታት ወጻኢ ሓደ ካብቶም ነቲ ተበግሶታት ዝሓላለኹ ረቛሒታት ምዃኑ'ዩ ዝግለጽ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለም ንዘለዉ ግጭታት ንምፍታሕ ዝወሰዶ ውሳነ ነዚ ሓድሽ ፈተነታት ድሪኺት ወሲኹሉ ይርከብ፡ እንተኾነ ክሳብ ክንደይ ክዕወት ከምዝኽእል ኣብ ዝመጽእ ቀረባ እዋን ዝርአ'ዩ ዝኸውን።
ኣብቲ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ዓለም ዝፈጠረ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ተቐቲሎም፡ ሚልዮናት ካልኦት ድማ ተፈናቒሎምን ግዳያት ጥምየትን ዓጸቦን ክኾኑ ተገዲዶም ኣለዉ።
ክልቲኦም ወገናት ብቕትለት ዝርከቦ ግፍዕታት ዝኽሰሱ'ኳ እንተኾነ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብሓይልታት ኣል-ሰሪዕ ተፈጺሙ ዝብሃል ዘሎ ዘስካሕክሕ ጃምላዊ ቅለት ሲቪላውያን ኩነኔ ዓለም ኣስዒቡ ኣሎ።
እታ ከቢድ ዕንወት ወሪዱዋ ዘሎ ሱዳን፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየት መዕቆቢ ስደተኛታት ጎረባብቲ ሃገራት ብምዃን እትፈልጥ ዝነበረት ሃገር እያ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







