ድሕሪ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ሪያድ ዝኣተወ ኣልቡርሃን ምስ ልኡኽ ትራምፕ እንታይ ተዛሪቡ?

ምንጪ ስእሊ, SFM/X
ኣቦ መንበር ልዑላዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃን፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዕደቱ ዛዚሙ ናብ ሃገሩ ምስ ኣተወ ድሕሪ ክልተ መዓልታት ናብ ሪያድ ኣትዩ ምስ ወራሲ ዓራት መሓመድ ቢን ሳልማንን ልኡኽ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ማሱድ ብሉስ ኣብ ርያድ ተራኺቡ ተዘራሪቡ።
ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃንን ልኡኽ ትራምፕ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ማሱድ ብሉስን ብሰኑይ ኣብ ዘካየዱዎ ዕጽዉ ኣኼባ፡ ኣብታ ብዂናት እትሕመስ ዘላ ሱዳን ዘሎ ምዕባለታትን ምቍራጽ ተዅሲ ተኻይዱ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዛዕባ ዝኣትወሉ ኵነታትን ከም ዝተዛተዩ ዲፕሎማስያውያን ምንጪታት ሓቢሮም።
ፍሉይ ልኡኽ ዶናልድ ትራምፕ ማሱድ ብሉስ ብወግዓዊ መንገዲ ምስ ኣልቡርሃን ንሳልሳይ ግዜ ዝራኸብ ዘሎ ኰይኑ፡ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ኣብቂዑ ጸጥታን ምርግጋእን ንምንጋስ ኣብ ዝግበር ዘሎ ዲፕሎማውያዊ ጻዕርታት ንሃገራት ኳድ (Quad) ወኪሉ ምስ ስዑዲ ዓረብ፡ ግብጽን ኢማራት ዓረብን ብምዃን ዝሰርሕ ዘሎ እዩ።
ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ግጭት ሱዳን ንምፍታሕ ዝቐረበ እመመ፡ ኣዛዚ ዳዕመ-ሰሪሕ መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ነታ ን18 ኣዋርሕ ኣብ ከበባ ዘጽንሓ ኣል-ፋሽር ድሕሪ ምቍጽጻሩ ክቕበሎ ከሎ፡ ጀነራል ኣልቡርሃን ግን ብትሪ ነጺጉዎ ምንባሩ ይፍለጥ።
ኣልቡርሃን ኣብቲ ግዜ`ቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ዳሕረዋይ እማመ ተዅሲ ደው ምባል ቅቡል ከም ዘይኰነን ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብቲ ሽምግልና ክሳብ ዝሃለወት፡ እቲ እማመ ንሓደ ወገን ዘሻረወ ከም ዝኸውን ገሊጹ ነይሩ።
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንዳዕመ-ሰሪዕ ትሕግዝ ከም ዘላ ብምኽሓድ፡ ማሳድ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብቲ ሽምግልና ከምቲ ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን ዝተዛረቦ ዝዀነ ዓይነት ወገናውነት ከም ዘየሎ ክገልጽ ተሰሚዑ እዩ።
ማሳድ ቡሎስ ምስ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኢማራት ዓረብ ኣንዋር ጋርጋሽ ኰይኑ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ "ኣብ ባይታ ዘየሎ፡ ብኣና ቀሪቡ ዘይፈልጥ ነገር [ኣልቡርሃን] መወከሲ ይጥቀም ኣሎ። ስለዚ፡ ብዛዕባ እንታይ ይዛረብ ከም ዘሎ ዋላ ሓንቲ ንፈልጦ የብልናን፡" ምባሉ ኤኤፍፒ ጸብጺቡ ምንባሩ ይፍለጥ።
እንተዀነ፡ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዋይትሃውስ ምስ ፕረዚደንት ትራምፕ ተራኺቡ፡ ኲናት ሱዳን ኣብ ዝርዝር ትራምፕ ዝፈትሖም ዝርዝራት ከእቱዎ ብዝሓተቶ መሰራት ዝያዳ ኣቓልቦ ዝረኸበ ይመስል። ብድሕሪ'ዚ፡ ትራምፕ፡ "ኣብ ኵነታት ሱዳን ክንሰርሕ ክንጅምር ኢና፡" ኢሉ።
ንናይ ሓደ መዓልቲ ዑደት ናብ ስዑዲ ዓረብ ዝኣተወ መራሒ ልዑላዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃን ኣቐዲሙ ምስ ወራሲ ዓራት ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ተራኺቡ እኳ እንተ ተዘራረበ፡ ዝተመያየጥሉ ጉዳያት ብኽልተኦም ወገናት ናብ መራኸቢ ብዙሓን ኣይወጽአን።
እንተዀነ፡ ህልው ኵነታት ሱዳን ኣብ ተኣፋፊ መድረኽ ስለ ዝበጽሐ፡ ሰላም ብቕልጡፍ ንምስፋን ሓያል ጻዕርታት ይካይድ ምህላዉን ሪያድ ንጉዳይ ሱዳን ሓደ ካብ ቀዳምነታት ናይ ወጻኢ ፖሊሲኣ ከም ዝሰርዓቶን ተንተንቲ ይምጕቱ።
እቲ ፖርትሱዳን ማእከሉ ገይሩ ንርእሰ-ኸተማ ተቘጻጺሩ ዘሎ መንግስቲ ሱዳን፡ ኣብ ዳርፉር እግሩ ከም ዘይረገጸን ኣብ ዞባ ኮርዶፋን ድማ መሰናኽል ኣጓኒፉዎን ኣሎ።
እቲ ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ዳዕመ-ሰሪዕ ኣብ ንያላ ኰይኑ `ጐድናዊ መንግስቲ` ብምቛሙ፡ እታ ሃገር ኣብ ክልተ ከይትምቀል ስግኣት ኣሕዲሩ እዩ።
ኣብ መንጎ ጀነራል ኣልቡርሃንን ሞሱድ ብሉስ ኣብ ሪያድ ኣብ ዝተኻየደ ርክብ፡ ኣብተን ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣጓኒፉወን ዘሎ ዞባታት ዳርፉርን ኮርዶፋንን ሰብኣዊ ሓገዝ ብዛዕባ ክኣትወሉ ዝኽእል ከም ዝተዘራረቡ ሱዳን ትሪቡን ጠቒሳ።
ገለ ማዕከናት ዜና፡ ዋላ`ኳ ዳዕመ-ሰሪዕ ንዓበይቲ ከተማታትን ካልኦት ቦታታት ናይተን ዞባታት ተቘጻጺሩ ዕጽዋ እንተ ቀጸለ፡ ካብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኤውሮጳን ዝተላእከ ሓገዛት ክኣቱ ከም ዝኸኣለ ይሕብራ።
ልኡኽ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ሞሳድ ብሉስ ንኣልቡርሃን ስዒቡ ምስ ምኒስተር ምክልኻል ስዑድ ዓረብ ልኡል ኻልድ ቢን ዓብዱልዓዚዝ ተራኺቡ ተዘራሪቡ።
ማዕከን ዜና ስዑድ ዓረብ (SPA)፡ ኣብ ዞባዊ ኵነታት፡ ጻዕርታት ሰላምን ሓባራዊ ዝምድናታትን ከም ዝተዘራረቡ ዝገለጸት ኰይና፡ ኣብ መንጎ ዋሽግንተንን ርያድን ኣብ ጉዳይ ግጭት ሱዳን ዝተወሃሃደ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ይካየድ ምህላዉ ዘጕልሐ ምንባሩ ሓቢራ።
ካብ ምያዝያ 2023 ኣትሒዞም ሰራዊት ሱዳንን ዳዕመ-ሰሪዕን ኣብ ውግእ ሓድሕድ ድሕሪ ምጽማዶም ልዕሊ 150,000 ህይወት ሰብ ከም ዝሃለቐን ኣስታት 13 ሚልዮን ሰባት ካብ መረበቶም ከም ዝተመዛበሉን ጸብጻባት ይሕብሩ።
ቅድሚ ሕጂ ተበግሶታት ምቍራጽ ተዅሲ ብምውሳድ ናብ ሰላም ንምምራሕ ዝተኻየደ ፈተነታት ፍረ ክህብ ኣይተራኣየን።


![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







