ፕረዚደንት ኢሳይያስን መራሕቲ ሱዳንን እንታይ ተዘራሪቦም?

ምንጪ ስእሊ, SUNA
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብቐዳም 29 ሕዳር ኣብ ሰዓታት ድሕሪ-ቐትሪ ናብ ፖርትሱዳን ድሕሪ ምእታዉ፡ ምስ ኣቦ መንበር ልዑላዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ቀዳማይ ምኒስተር ሱዳን ካሚል እድሪስን ካልኦት ሰበስልጣንን ከም ዝተዘራረበ ማዕከናት ዜና ሱዳንን ኤርትራን ገሊጸን።
ክልተኦም መራሕቲ፡ ኣብ ምሕያል ክልተኣዊ ዝምድናታት ኤርትራን ሱዳንን፡ ምዕባለታት ኲናት ሓድሕድ ሱዳን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ዞባውን ዓለማውን ጉዳያት ኣተኲሮም ከም ዝተመያየጡ ተገሊጹ።
ማዕከን ዜና ሱና ከም ዝሓበረቶ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ጀነራል ኣልቡርሃንን ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ዳዕመ-ሰሪዕን ንልዕሊ ክልተ ዓመትን መንፈቕን ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ብምግምጋም፡ ሰላምን ጸጥታን ናይዚ ዞባ ብዛዕባ ዝወሓሰሉ ኣገባብ ምዝታዮም ገሊጻ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣስመራ ኣብ ሓድነትን ልዑላውነትን ሱዳን ዘለዋ ጽኑዕ መትከል ብምግላጽ፡ ንኻርቱም እትገብሮ ደገፍ ከም ዝቕጽል ደጊሙ ኣረጋጊጹ። ሱዳን ናብ 'በሪ ኣማን' ክሳዕ እትበጽሕ ኣብ ጐድኒ ሱዳን ደው ከም እትብል ኣስሚርሉ።
"ርግኣት ሱዳን ከም ቅድመ-ዅነት ርግኣት ናይዚ ዞባ እዩ፡" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, MOI
ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ብወገኑ፡ ኤርትራ ኣብ ታሪኻዊ ዝምድና ክልተኦም ህዝብታት ብምምርኳስ፡ ኣብ ግዜ ጸበባ ህዝቢ ሱዳን ንዝወሰደቶ ሕርያ ብምምጓስ፡ ነዚ ታሪኻዊ ዝምድና`ዚ ንምሕያል ኣበርቲዑ ከም ዝዓዪ ቃል ኣትዩ።
ኣብ ምያዝያ 2023 ኲናት ድሕሪ ምውልዑ ብዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ካብ ካርቱም ተደፊኡ ምዕራብ ሱዳን ኣብ እትርከብ ወደባዊት ከተማ ፖርትሱዳን ዝዓስከረ ጀነራል ኣልቡርሃን፡ ኣብ መወዳእታ መጋቢት ዳግማይ ነታ ርእሰ-ኸተማ ተቘጻጺሩዋ።
ድሕሪ መዓልታት ብ10 ምያዝያ ናብ ኣስመራ ዑደት ብምግባር ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝተራኸበሉ፡ መንግስትን ህዝብን ኤርትራ ንህዝቢ ሱዳን፡ "ብዝገበሮ ዓቢይን ዝቕጽልን ዘሎ ኣበርክቶ፡" ምስጋናኡ ገሊጹ ምንባሩ ኣይርሳዕን።
ኣልቡርሃን፡ ኤርትራ እንታይ ዓይነት ደገፍ ከም ዝገበረትሎም ብንጹር'ኳ እንተ ዘይገለጸ፡ ዝተፈላለዩ ኣዘዝቲ ሰራዊት ሱዳን ግን ኤርትራ ንዝገበረትሎም ደገፍ ከመስግኑ ተሰሚዖም ነይሮም።
ብተወሳኺ፡ ብመኪና ናብ ፖርት ሱዳን ዝኣተወ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ካሚል እድሪስ ተራኺቡ፡ ኣብ ሓድሽ ምዕባለታት ሱዳንን ሕድሕዳዊ ዝምድና ክልተአን ሃገራትን ከም ዝተዘራረበ ተገሊጹ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ሱዳን ካብዚ ገጢሙዋ ዘሎ ከቢድ ብድሆ ንምውጻእ ኣብ እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ፡ ኤርትራ ደገፋ ከም እትቕጽል ደጊሙ ኣረጋጊጹ።
ኣብ ግንቦት 2025 ቀዳማይ ምኒስተር ሱዳን ኰይኑ ዝተመዘዘ ካሚል እድሪስ፡ ኤርትራ ኣብ ጐድኒ ህዝቢ ሱዳን ብምዃን ንዘርኣየቶ ታሪኻውን መትከላውን መርገጺ ዘለዎ ዓሚቝ ኣድናቖት ብምግላጽ ሞጒሱ።
ኣብ ጥቅምቲ 2025 ንፈለማ ግዜኡ ናብ ኣስመራ ዑደት ዘካየደ ቀዳማይ ምኒስተር ካሚል እድሪስ፡ "ኣብ ጸጥታዊ መዳይ" ብዛዕባ ክገብሩዎ ዝደልዩ "ምትሕግጋዝ" ከም ዝተዛተዩ ምግላጹ ይዝከር።
እዚ ቀዳማይ ምኒስተር ናብ ካርቱም ድሕሪ ምምላሱ ኣብ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ፡ ንኽልተኣዊ ምትሕግጋዝ ዘወሃህዱ ሓባራዊ ሽማግለታት ከም ዝቘማ ጠቒሱ ነይሩ።
ብዘይካ`ዚ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ ኣመሓዳሪ ዞባ ዳርፉር ሚኒ ኣርኮ ሚናዊ ከምኡ'ውን ኣቦ መንበር ብዓልመዚ ዳርፉርን ሓላፊ ምንቅስቓስ ሓርነትን ፍትሕን ሱዳን ዶክተር ኣል-ቲጃኒ ኣልሲሲ ተራኺቡ ኣብ ህልው ኵነታትን መፍትሒታቱን ዘትዩ።
ዶ/ር ኣል-ቲጃኒ ኣልሲሲ ኣብ መስርሕ ሰላም ዳርፉርን 'ስምምዕ ሰላም ዶሓ' ኣብ ምትግባርን ወሳኒ ተራ ዝተጻወተ ፍሉጥ ፖለቲከኛ ኰይኑ፡ ኣብ መወዳእታ 2024 ንቐዳማይ ምኒስተር ተሓጽዩ ዝነበረ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, MOI
እቲ ኣብ ምያዝያ 2023 ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕን ዝጀመረ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን፡ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው፡ ሞትን ምፍንቓልን ሰለማውያን ሰባት ዘስዓበ ኰይኑ፡ ምትእትታው ዝተፈላለያ ሃገራት ንፍታሕ እቲ ኵነታት ከም ዝሓላለኾ ተንተንቲ ይገልጹ።
ሰራዊት ሱዳን ካብ ሃገራት ግብጺ፡ ሩስያ፡ ኢራን፡ ቱርኪን ኤርትራን ሓገዝ ከም ዝረክብ ይእመን። ዳዕመ-ሰሪዕ ድማ ብቐንዱ ካብ ኢማራት ዓረብ፡ ጫድን፡ ኬንያን ሓገዝ ከም ዝረክብ ሓበሬታታት የመልክቱ።
ወራሲ ዓራት ስዑዲ ዓረብ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዋይትሃውስ ተረኺቡ ንዅነታት ሱዳን ኣመልኪቱ ንፕረዚደንት ትራምፕ መብርሂ ከም ዝሃቦን ነቲ ግጭት ንምፍታሕ ኢዱ ከእቱ ከም ዝዓደሞን ይፍለጥ።
ነዚ ስዒቡ ትራምፕ፡ "ኣብ ኵነታት ሱዳን ክንሰርሕ ክንጅምር ኢና፡" ኢሉ።
"ኣብ ሱዳን ሰፋሕቲ ግፍዒታት ይፍጸሙ ኣለዉ።ኣብ ምድሪ እቲ ዝዓበየ ዓመጽ ዝፍጸመሉ ቦታ ኰይኑ ኣሎ፡" ክብል ብምጽሓፍ፡ ምስ ግብጺ፡ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ብምትሕብባር ነቲ ዓመጽ መወዳእታ ከም ዝገብረሉ ቃል ኣትዩ።
ኣዛዚ ዳዕመ-ሰሪዕ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሕሜቲ) ነታ ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ዳርፉር እትርከብ ናይ መወዳእታ ዕርዲ ሰራዊት ሱዳን ዝነበረት ከተማ ኣል-ፋሽር ን18 ኣዋርሕ ከርዲኑዋ ብምጽናሕ ድሕሪ ምቍጽጻሩ ነቲ እማመ ሰላም ተቐቢሉዎ ኣሎ።
መራሒ ናይቲ ብሕቡራት ሃገራት ወግዓዊ ኣፍልጦ ዘለዎ መንግስቲ ዝዀነ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ንእማመ ተዅሲ ደው ምባል ነጺጕዎ፣ ቃልሱ ክቕጽል ምዃኑ'ውን ቃል ኣትዩ።
ዑደት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ፖርትሱዳን ኣብዚ ግዜ'ዚ ምምጽኡ፡ ምስ እዚ ሓድሽ ምዕባለታት ዝተኣሳሰር ክኸውን ከም ዝኽእል ገለ ተንተንቲ ይገልጹ።
ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕን ካብ 2023 ኣትሒዙ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ፡ ልዕሊ 150,000 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ኣስታት 12 ሚልዮን ሰባት ካብ መረበቶም ከም ዝተፈናቐሉ ጸብጻት ይሕብሩ።
ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ታሪኽ ዓለም ሓደ ካብ ዝኸፍኡ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ክብል ገሊጹዎ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







