ኢሎን ማስክ ኣብ ማርስ ክሰርሓ ዝሓሰበ ከተማ ንምንታይ ኣብ ወርሒ ክትከውን ወሲኑ?

ኢሎን መስክ ጸሊም ጃኬት ገይሩ ኣባ ስዊዘርላንድ ብ 22 ጥሪ 2026 ኣብ መበል 56 ቑጠባዊ ዋዕላ ዝተሰኣሎ ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኢሎን ማስክ ኣብ ኤክስ ክሃንጻ ዝሓሰበ ከተማ ንምንታይ ናብ ወርሒ ከም ዝቐየሮ ኣብሪሁ
ንባብ: 5 ደቓይቕ

ኢሎን ማስክ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ዓመታት ክውዳእ ከም ዝኽእል ዝሓበሮ፡ ኣብ ወርሒ ከተማ ናይ ምህናጽ መደብ ከም ዘለዎ ብወግዒ ኣፍሊጡ።

እዚ ዋና ኤክስ፡ ተስላን ስፔስ ኤክስን ዝዀነ ካብ ዓለምና ዝሃብተመ ውልቀሰብ፡ ነዚ መደቡ ኣብ ኤክስ ምስ ሓበረ ልዕሊ 40 ሚልዮን ሰባት ተዓዚበሞ።

ኢሎን ማስክ ነቲ ከተማ ናይ ምህናጽ መደቡ መጀመርታ ኣብ ማርስ ክገብሮ ከም ዝዀነ'ዩ ሓቢሩ ነይሩ፣ ሕጂ ግን እታ ከተማ ኣብ ወርሒ ክትህነጽ ምዃና ሓቢሩ ኣሎ።

ሓሳቡ ዘቐየሮ ምኽንያት እንታይ እዩ? ብዛዕባ እዛ 'ባዕላ እትዓቢ' ዝበላ ከተማን መደባቱንከ ክሳብ ሕጂ እንታይ ኢና እንፈልጥ።

ካብ ኣብ ማርስ ኣብ ወርሒ ዝመረጸሉ

ብዛዕባ እዛ ኣብ ወርሒ ክትህነጽ ትሕሰብ ዘላ ከተማ ክሳብ ሕጂ ዝርዝራዊ መደባት ኣይተሓበረን ዘሎ፡ ኢሎን ማስክ ግን እታ 'ባዕላ እትዓቢ ከተማ' እንታይ ክትመስል ከም ዝደልያ ኣብ ኤክስ ገሊጽዋ ኣሎ።

ንሱ እታ ከተማ ኣብ መጻኢ ሰብ ክነብራ ዝኽእል ብጸሓያዊ ጸዓት እትሰርሕ ከተማ ከም እትኸውን'ዩ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ጽሑፉ፡ "እታ ኣብ ወርሒ እትህነጽ ከተማ ኣብ ትሕቲ ዓሰርተ ዓመታት ክትዛዘም'ያ፡ ኣብ ማርስ ክትህነጽ እንተዀይና ግን ልዕሊ ዕስራ ዓመታት'ያ ክትወስድ፡" ኢሉ።

"ዕላማ ስፔስ ኤክስ ከም ዘለዎ'ዩ ክቅጽል፡" ብምባል፡ ነታ ከተማ ናይ ምህናጽ መደባት ምስ ዕላማ ስፔስ ኤክስ ዝሳነ'ምበር ዝጋጮ ከም ዘይኰነ ኣብሪሁ።

ቀጺሉ፡ ናብ ማርስ ምጓዓዝ፡ ዓለምናን ማርስን ሓንሳብ ኣብ 26 ኣዋርሕ ኣብ ሓደ ዝተቐራረበ መስመር ምስ ኣተዋ ጥራይ እቲ ጕዕዞ ክግበር ከም ዝከኣልን ካብ ምድሪ ናብ ማርስ ንምብጻሕ'ውን ሽዱሽተ ወርሒ ከም ዝወስድን ብምግላጽ፡ ነታ ከተማ ኣብ ማርስ ናይ ምህናጽ መደባቱ ከም ዘናውሖ ገሊጹ።

ናብ ወርሒ ግን፡ "ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓሰርተ መዓልቲ ሓንቲ ሮኬት ክንውንጭፍ ንኽእል ኢና፣ እቲ ጕዕዞ ከኣ ክልተ መዓልታት ጥራይ'ዩ ዝወስድ። በዚ ምኽንያት ነታ ከተማ ካብ ኣብ ማርስ ኣብ ወርሒ እንተ ሰሪሕናያ ቀልጢፍና ክንውድኣ ንኽእል ኢና፡" ኢሉ።

ኢሎን ማስክ፡ ኣብ ማርስ ካልእ ከተማ ናይ ምስራሕ መደብ ከም ዘለዎን እዚ ዕላማ ናይ ስፔስ ኤክስ ኰይኑ ከም ዝቕጽልን ብምሕባር፡ "ኣብ ወሽጢ ካብ ሓሙሽተ ክሳዕ ሸውዓት ዘሎ ዓመታት ክንጅምሮ ኢና፡" ኢሉ።

"እቲ ልዕሊ ኵሉ ቀዳምነት ዝወሃቦ ግን መጻኢ ስልጣነ ምውሓስ ኰይኑ፡ ወርሒ ድማ ነዚ ንምግባር ዝቐልጠፈት እያ፡" ብምባል ነቲ ናይ ወርሒ መደቡ ቀዳምነት ከም ዝህቦ ሓቢሩ።

ሰዓብቲ ኢሎን ማስክ በቲ ዝውንኖ ግሮክ ዝተሰመየ ኪነታዊ-ብልሒ (ኤኣይ) ተጠቒሞም እታ ከተማ እንታይ ክትመስል ከም ዝደልይዋ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት የካፍሉ ኣለዉ።

ኢሎን ማስክ ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ንዎል ስትሪት ጆርናል ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ስፔስ ኤክስ ንኣውፈርቲ መደብ ምህናጽ ከተማ ኣብ ቀዳምነት ዝወሃቦ ኰይኑ፡ ኣብ መጋቢት 2027 ናብ ማርስ ናይ ምኻድ መደብ ከም ዘሎ ኣፍሊጥዎም ነይሩ'ዩ።

ብሓፈሻ ኢሎን ማስክ ሓሳቡ ካብ ማርስ ናብ ወርሒ ምቕያሩ ምስቲ ናይ ስፔስ ኤክስ ናይ ነዊሕ ዕላም ዝጋጮ'ዩ ዝመስል።

ኣብ መጀመርታ ዝሓለፈ ዓመት'ኳ፡ ኣብ መወዳእታ 2026 ናብ ማርስ ሰብ ዘይብላ መንኮርኮር ናይ ምስዳድ ውዱእ መደብ ከም ዘሎ ገሊጹ ነይሩ።

ኣብ ጥሪ ናይ ዝሓለፈ ዓመት'ውን ኣብ ኤክስ፡ "ኣይፋል ብቐጥታ ናብ ማርስ ኣይክንከይድን ኢና፣ ወርሒ'ያ ትኵረትና ሰሪቓትና ዘላ፡ ኢሉ ነይሩ።

ኢሎን ማስክ ብዙሕ ግዜ ህንጥዩነት ዝበዝሖ ናይ ግዜ መቓን ኣቐሚጡ፡ እዚ ክንገብር ኢና ክብል ይስማዕ'ዩ።

ንኣብነት ብዛዕባ ብኤለትሪክ ዝሰርሓ ተሽከርከርትን ብዛዕባ ባዕለን ዝዝወራ መካይንን ኣመልኪቱ ዝሃቦ ውዱእ መቓን ግዜ ዘለዎ መደባት፡ ክፈሽሎ ብተደጋጋሚ ተዓዚብና ኢና።

ብኸመይ'ዩ ክትግበር ዝኽእል?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዩኒቨርስቲ ሱረይ ላዕለዋይ መምህር መተግበሪታት ህዋ (space applications) ዝዀነ ዶክተር ሱንጎዊ ሊም፡ ነቲ ናይ ስፔስ ኤክስ ኣብ ወርሒ ከተማ ናይ ምህናጽ መደብ "ህንጥዩነት'ዩ" ድሕሪ ምባል፡ "ናይ ሳይንስ ልበወለድ ግን ኣይኰነን፡" ብምባል ገሊጽዎ።

እቲ ምሁር ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕተት፡ "እቲ መሰረታዊ ሓሳብ፡ ሓመድ ናይ ወርሒ ተጠቒምካ ኦክስጂን፡ ማይን ንህንጻዊ ስርሓት ዝዀኑ ንጥረ ነገራትን ንምርካብ'ዩ። እዚ ኣብ ኢንዳስትራልያዊ መስርሓት ንቡር'ዩ፣ ኣብዛ ዓለምና'ውን ከምኡ ኢና ንገብር። ብኽልሰ ሓሳብ ክግበር ይከኣል'ዩ፡" ኢሉ።

ነቲ ዘሎ ብድሆ ክገልጽ እንከሎ ግን፡ እዚ ኣብታ ብርቱዕ ሙቐት፡ ደቂቕ ደሮና፡ ውሑድ ስሕበት ምድርን ብውሱን ዓቕምን ክርከብን ክትግበርን ከም ዝኽእል ድሕሪ ምግላጽ፡ "እዚ ኣቐዲምካ እኹል መጽናዕትን ፈተነን ክግብረሉ ዘለዎ'ዩ፡" ኢሉ።

ዶክተር ሊም፡ መንግስቲ'ውን ነዚ ከምዚ ዓይነት መደባት ይተግበር ወይ ኣይተግበር ኢሉ ክውስን እንተዀይኑ ናቱ ናይ ፈተነ መስርሕ ስለ ዝህልዎ፡ "እዚ ከኣ ካብ ህዝቢ ብዝዋጻእ ገንዘብ ስለ ዝትግበር ንነዊሕ እዋን ምስ ፖሎቲካ ምትሕሓዝ ዘለዎ ኰይኑ'ዩ ክቅጽል። ነቲ ናይ ፈተነ መስርሕ መንግስቲ መዓስ ይገብሮ'ውን ነብሱ ዝኸኣለ ናይ ግዜ መቓን ክህልዎ'ዩ። ስለዚ መንግስቲ'ውን ተጠንቒቑ ክሕዞ ዘለዎ ጉዳይ'ዩ፡" ኢሉ።

"እዚ ዝሰርሕዎ ዘለዉ ሓድሽ ስርዓተ ሮኬታት ተግባራዊ ኰይኑ፡ ካብ መሬት ናብ ወርሒ ብውሑድ ዋጋ ቀቀልጢፎም ንብረት ከበጻጽሑ ይኽእል'ዮም፡" ኢሉ።

ኣብ ህንዲ ዩኒቨርስቲ ጂዲ ጎንካ ዳይረክተር ማእከል ኤሮስፔስ ዶክተር ኡጉር ጉቨን ንኸምዚ ዓይነት መደባት፡ ሰባት ንኸተስፍረላ፡ ቀረብ ንኸተብጽሓላን ሓደጋ ኣብ ዘጋጥመሉ ብቕልጡፍ ክትከዳ እትኽእል ምስ ማራስ ብምንጽጻር ወርሒ ዝሓሸት ምዃና ይገልጽ።

ዶክተር ኡጉር ጉቨን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕተት፡ "ሓደ ሓደጋ ምስ ዘጋጥም፡ ኣብኡ ከኣ ነበርቲ እንድሕር ኣለዉኻ ኰይኖም፡ ብቕልጡፍ ረድኤት ክትሰድድ ትኽእል ኢኻ፡ ካብ መሬት ናብ ወርሒ ካብ ክልተ ክሳዕ ሰለስተ መዓልታት'ዩ ዝወስድ፡" ኢሉ።

ዶክተር ሊም ግን እቲ ነብሳ ዝኸኣለትን ባዕላ እትዓቢ ከተማን ዝብል ሓሳብ ኣብ ቀረባ ክትግበር ዘለዎ ተኽእሎ ጸቢብ ምዃኑ'ዩ ዘብርህ።

"ካብዛ ዓለምና እኹል ንጥረ ነገራት ከይወሰድካ መግቢ ከተፍርን ኵሉ ዳግማይ ተመስሪሑ ናብ ጥቕሚ ክውዕል ዝብል ሓሳብን ካብ ሓቂ ኣዝዩ ዝርሓቐ'ዩ። እዚ ዓሰርታታት ዓመታት ዝወስድ'ዩ፣ እቲ ሓሳብ ዘይከኣል ኣይኰነን፡ ብሓንሳብ ዘይኰነ ግን ቀስ ብቐስ ክትግበር ዝኽእል ነገር'ዩ፡" ኢሉ።

ኣብ ኣመሪካ ክፍለ ግዝኣት ኢንድያና ዩኒቨርስቲ ኖትረ ዳመ ፕሮፌሰር 'አርዝ ሳይንስ' ዝዀነ ክሊቭ ኔል ብወገኑ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕተት፡ "ኣብ ወርሒ ብቝጠባዊ መዳይ ክወጽእ ዝኽእል ጸጋታት ከም ዘሎ ክሳብ ዘይፈለጥና፡ እዛ ባዕላ እትዓቢ ከተማ ኣበይ ክትቕመጥ ከም እትኽእል ሓሳብ የብለይን፡" ኢሉ።

ዶክተር ሊም ብወገኑ ብጸሓያዊ ጸዓት ኦክስጅን ማይን ክርከብ እንተ ተኻኢሉ፡ "ቍሩብ እፎይታ ዝህብ'ዩ፡" ኢሉ።

ኣብ ናሳ ተመራማሪ ዝነበረ ጀፍሪ ሆፍማን ብወገኑ፡ ስፔስ ኤክን ብጀፍ ቤዞስ ዝውነን ብሉ ኦሪጅንን ብጥምረት ክሰርሑ እንተ ክኢሎም፡ "ናብ ወርሒ ሎጂስቲካዊ ቀረባት ምብጻሕ ይከኣል'ዩ፡" ይብል።

ንሱ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕተት፡ "እቲ ኣብ ማርስ ዝብል ሓሳብ ግን ኣብዚ እዋን ካብ ክውንነት ኣዝዩ ዝርሓቐ'ዩ፡" ኢሉ።

ዶክተር ጉቨን፡ "ኣብ ወርሒ ሓደ መደበር እንተ ተሃኒጹ ግን ንወርሒ ከም መርገጺ እግሪ ብምጥቃም ናብ ማርስ ምኻድ ኣዝዩ ቀሊል'ዩ ክኸውን፡" ይብል።

እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ውድድር

ምልእቲ ወርሒ ዘርኢ ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣመሪካ ኣብ ውሽጢ እዚ ዓሰርተ ዓመታት ደጊማ ናብ ወርሒ ሰብ ንምስዳድ ምስ ቻይና ኣብ ምውድዳር ትርከብ

ኢሎን ማስክ ኣመሪካን ቻይናን ናብ ወርሒ ሰብ ንምስዳድ ኣብ ዓቢ ውድድር ተጸሚደናሉ ኣብ ዘለዋ እወን'ዩ ኣብ ወርሒ ከተማ ናይ ምህናጽ መደቡ ኣቓሊሕዎ።

ኣመሪካ ኣብ 1972 ናብ ወርሒ ብመንኮርኮር ኣፖሎ 17 እግራ ካብ እተንበር ክሳብ ሕጂ ሰብ ናብ ወርሒ ከይዱ ኣይፈልጥን'ዩ።

ማስክ ኣብዚ ቀረባ እዋን ስፔስ ኤክስ ነቲ ንሱ'ውን ዝመርሖ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኩባንያ ስታርትኣፕ xAI ከም ዝዓደጎ ኣፍሊጡ ኣሎ።

እዚ ድማ ነቲ ናይ ሮኬትን ሳተላይትን ኩባንያ ብ1 ትሪልዮን ዶላር፡ ነቲ ናይ ኪነታዊ-ብልሒ ትካል ድማ ብ250 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ዋጋ ከም ዝውስኽ ገይርዎ ይርከብ።

ሓሳብ ኢሎን ማስክ ኣብ ጠፈር ማእከል መኸዘኒ መረዳእታ (ዳታ) ንምስራሕ ዘለዎ ድሌት'ውን ክድግፎ ከም ዝኽእል ጋዜጠኛ ቢቢሲ ሚቸል ፍሎሪ ትሕብር።

እቲ ኣብ ስፔስ ኤክስ ዝዓበየ ብርኪ ዘለዎ ኢሎን ማስክ ኣቐድም ኣቢሉ ነዚ ዘለዎ ብርክታት ናብ ዕዳጋ ብምዝርጋሕ ንግዳዊ ንጥፈታት ከቃልል ጸኒሑ'ዩ፣ ምኽንያቱ፡ ስፔስ ኤክስ ብብዙሕ ብርክታት ክውነን ከም ዝደሊ እዛ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ትሕብር።

እዚ ስጉምቲ ክሳብ 50 ቢልዮን ዶላር ክእክብ ከም ዝሕግዞን እዚ ድማ ኣብ ታሪኽ እቲ ዝዓበየ ናብ ህዝቢ ንመሸጣ ዝቐረበ ዝኸበረ ነገር ገይርዎ'ሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ማስክ ኣብ ጠፈር ሓደ ገዚፍ ማእከል መኽዘን ሓበሬታ ንምህናጽ መደብ ከም ዘለዎ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ብዙሓት ግን ማእከል መኽዘን ሓበሬታ ብርቱዕ ዛሕሊ ስለ ዘድልዮ፡ እቲ ኣብ ጠፈር ዝትከል ማእከል ብምንታይ'ዩ ክዝሕል ዝብል ስክፍታ ኣለዎም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኢሎን ማስክ ኣብ ኤክስ ከም ዝሓበሮ፡ ናሳ ኣብ ስፔስ ኤክስ ትሕቲ 5 ሚኢታዊት ጥራይ ብርኪ ከም ዘለዎ ብምግላጽ፡ ናሳ ዳግማይ ናብ ወርሒ ናይ ምኻድ መደቡ ነቲ ውዕል ወሲድዎ ዘሎ ስፔስ ኤክስ ምዃኑ ኣብሪሁ።