ንመላእ ዓለም ዝሽፍን ገመድ ኢንተርነት ኣብ ከርሲ ባሕሪ ክዝርጋሕ'ዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንመላእ ዓለም ዝቕነት ኣስታት 50,000 ኪሜ 'ዝንውሓቱ ገመድ ኢንተርነት ኣብ ከርሲ ባሕሪ ክዝርግሕ ምዃኑ ወናኒ ፌስቡክ ዝኾነ ትካል ሜታ ኣፍሊጡ።
እቲ 'ዎተርዎርዝ ፕሮጀክት' ዝብል መጸውዒ ዝተዋህቦ ተበግሶ፡ ንኣመሪካ፡ ህንዲ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ብራዚልን ካልኦት ዞባታት ዓለምን ዘራኽብ ኰይኑ፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝነውሐ ኣብ ትሕቲ ባሕሪ ዝተዘርግሐ ገመድ ክኸውን ትጽቢት ይግበረሉ።
እቲ ወናኒ ዋትስኣፕ፡ ኢንስታግራምን ፌስቡክን ዝዀነ ትካል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ኪነታዊ-ብልሒ (AI)፡ ከምኡ'ውን ንዕኡ ዝድግፍ ትሕተ ቅርጺ ንምስፋሕ'ዩ ዝህቅን ዘሎ።
እቲ ንሓሙሽተ ኣህጉራት ዘራኽብ መስመር "ኣብ ኢንዱስትሪ መራኸቢታት መሪሕ" ግደ ክጻወት ዝኽእል ምዃኑ'ዩ እቲ ትካል ዝንየት።
"እዚ ፕሮጀክት'ዚ ዝለዓለ ቁጠባዊ ምትሕግጋዝ ክህሉ ዝገብር፡ ዲጂታላዊ ተሳታፍነት ክሰፍሕ ዝሕግዝ፡ ከምኡ'ውን ኣብቲ ዞባታት ዕድላት ቴክኖሎጂካዊ ምዕባለ ዝኸፍትን እዩ" ይብል ሜታ ዘውጽኦ መግለጺ።
እዚ ገመድ ኣብ ዓለም ዝነውሐ 24 ጽምዲ-ፋይበር ዘለዎ ኰይኑ፡ ዝለዓለ ዓቕሚ ክህልዎ ምዃኑ'ዩ ተገሊጹ ዘሎ።
ኣብ ከርሲ ባሕሪ ዝዝርጋሕ ገመድ፡ ንዝተፈላለዩ ዲጂታላዊ ትሕተ ቅርጽታት ኣገልግሎት ዝህብ ኰይኑ፡ ብናህሪ ሓበሬታ (ዳታ) ኣብ መላእ ዓለም ንምውንጫፍ ዝሕግዝ ስለ ዝዀነ ኣገዳስነቱ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ'ዩ።
ሓደ ብዙሕ ዝጥቀስ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ፡ ልዕሊ 95 ሚእታዊት መስመር ኢንተርነት በቲ ኣብ ትሕቲ ባሕሪ ዝተዘርግሐ ገመድ ይመሓላለፍ።
ኣብ ጉዳያት ዕዳጋ መራኸቢታት (ቴለኮሚኒኬሽን) መጽናዕታዊ ጸብጻባት ዘውጽእ 'ተለጂኦገራፊ' ዝተባህለ ትካል ከም ዝብሎ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 600 ብወግዒ ዝፍለጡ ኣብ ትሕቲ ባሕሪ ዝተዘርግሐ ስርዓተ-ገመድ ኣሎ።
ሓደ ካብኡ 2ኣፍሪቃ (2Africa) ዝብሃል ብሜታን ብከም ብዓል ኦሬንጅ፡ ቮዳፎንን ቻይና ሞባይልን ዝበሉ ኩባንያታት ዝድገፍ ኰይኑ፡ ንሰለስተ ኣህጉራት ዘራኽብን 45,000 ኪሜ ዝበጽሕን እዩ።
ኣብ መላእ ዓለም ኢንተርነት ኣብ ምዝርጋሓ ዝነትፋ ትካላት፡ ገመድ ኢንተርነት ኣብ ምዝርጋሕ ዘይተኣደነ ሰልዲ'የን ዘውጽኣ።
ጎጉል፡ ኣብ 2024 ካብ ኣፍሪቃ ናብ ኣውስትራልያ ብትሕቲ ህንዳዊ ውቕያኖስ ገመድ ንምዝርጋሕን ነቲ ብትሕቲ ሰለማዊ ውቕያኖስ ዝሓልፍ ገመዳት ዝያዳ ንምድርዑን ሓደ ቢልዮን ዶላር ከምዝሰለዐ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ፕሮፌሰር ቪለ ለህዶንቪትራ ካብ ዩኒቨርስቲ ኦክስፎርድ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት "ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ብዙሓት ዓበይቲ ትካላት ቴክኖሎጂ ገመድ ናይ ኢንተርኔት ኣብ ምዝርጋሕ ዓቢ ውድድር'የን ከካይዳ ጸኒሐን" ኢሉ።
እቲ ፕሮፌሰር ብምስዓብ፡ ብውልቃውያን ትካላት ዝግበር ዘሎ ምዝርጋሕ ገመዳት ኢንተርነት፡ ሓገግቲ ኣካላት ሓዲሽ ፖሊሲ ንኽነድፉ ዘገድድ ምዃኑ ኣብሪሁ።

ምንጪ ስእሊ, META
ካብ ሓደጋ ንምክልኻል
እቲ ብትሕቲ ባሕሪ ዝዝርጋሕ ገመዳት ናይ ኢንተርኔት ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ሓደጋ ከጋጥሞ ዓለም ተዓዚባ'ያ።
ሓደ ሓደ ግዜ ብዓሳታት፡ ገለ እዋን ብመልሕቕ ናይ መራኽብ፡ ብዙሕ ግዜ ከኣ፡ ልክዕ ከምቲ ዕጡቓት ሑቲ ናይ የመን ኣብ ልዕሊ እቲ ብቀይሕ ባሕሪ ዝሓልፍ ገመድ ዘበጽሕዎ ሓደጋ።
ምስ ግዜ ከኣ እቲ ገመድ ጠንቂ ጅኦ-ፖሎቲካዊ ምስሕሓባትን ጠንቂ ግጭትን ከይኸውን ስግኣቶም ዝገልጹ ብዙሓት'ዮም።
ኣብ ባሕሪ ባልቲክ ኣብ ልዕሊ ገመድ ናይ ኢንትርኔት ዕንወት ምስ ኣጋጠመ፡ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ካብ ዝሓለፈ ጥሪ ጀሚሩ ኣብቲ ካባቢ ተሪር ሓለዋ ናይ መራኽብ ኣብ ምክያድ ይርከብ።
ኣብ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ጸገማት ናይ ኢንተርኔት ምዝሓል ምስ ኣጋጠመ፡ ባይቶ ዓባይ ብሪጣንያ ጠንቂ እቲ ጸገም እንታይ ምዃኑ ንምፍላጥ ኮሜተ ኣውጺኡ ኣብ ምጽራይ ይርከብ።
ምዕራባውያን ሃገራት "ቻይናን ሩስያን ብፍላይ ውግእን ግጭትን ኣብ ዝህልወሉ ነቲ ብትሕቲ ባሕሪ ዝሓልፍ ገመዳት ኢንተርኔት ናይ ምጥቃዕ መደብ ኣለወን" ዝብል ዘረባ ክደጋግምኦ ይስማዓ'የን።
ሜታ እቲ ገመድ ኢንተርነት ብመልሕቕ መራኽብ ሓደጋ ነኸየጋጥሞ ብፍሉይ ቴክኖሊጂ ተሓጊዙ 7000 ሜትሮ ትሕቲ ጽፍሒ ባሕሪ ክዝርግሖ ምዃኑ'ዩ ገሊጹ ዘሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







