ኣዕናዊ ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ ሚድያ መንእሰያት ብዘሰክፍ መጠን ከምዝዓበየ ይግለጽ ኣሎ

ሞባይል ዝሓዘት መንእሰይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ድሕሪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ "ጸገም ዘስዕብ" ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ መመንእሰያት ብዝለዓለ መጠን ወሰኽ ከምዘርኣየ ብደረጃ ዓለም ዝተገበረ ሓደ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ።

ተመራመርቲ ኣብዚ መደምደምታ ዝበጽሑ፡ ኣብ 44 ሃገራት ኣብ ዝርከቡ 11፡ 13ን 15ን ዓመት ዝዕድመኦም ኣስታት 280 ሽሕ ቈልዑ ዳህሳስ ድሕሪ ምግባሮም እዩ።

ዕድመኦም ንትምህርቲ ኣብ ዝበጽሑ ቈልዑ ዘሎ ጥዕናዊ ባህሪያት ዝዳህሰሰ መጽናዕቲ፡ ኣብ 2022 ብማእከላይ ገምጋም 11 ሚእታዊት ካብቶም መልሲ ዝሃቡ ሰባት ጸገም ዘለዎ ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከምዘለዎም ኣረጋጊጹ። ኣብ 2018 ግን 7 ሚእታዊት ነይሩ።

እንግሊዝ፡ ስኮትላንድን ዌልስን ልዕሊ እቲ ማእከላይ ገምጋም ኣመዝጊበን።

ጸሓፍቲ እቲ ጸብጻብ፡ እዚ ርኽበታት "ዲጂታላዊ ቴክኖሎጂ ኣብ ጥዕና ኣእምሮን ጽቡቕ ሂወትን መንእሰያት ኣውሮጳ ዘለዎ ጽልዋ ከቢድ ስክፍታታት ከምዘበግስ" ሓቢሮም።

"ጥዑይ ባህርያት ኣጠቓቕማ ኢንተርነት ንምምዕባል" ዝያዳ ስጕምቲ ከምዘድሊ ድማ ኣተሓሳሲቦም።

"እቲ ጸገም ዘለዎ ኣጠቓቕማ ኣብ ደቂ 13 ዓመት ዝያዳ ዝረአ ኰይኑ ኣዋልድ ድማ ካብ ኣወዳት ብዝዛየደ እዚ ጸገም ከምዘለወን ይገልጻ" ትብል ዓለምለኻዊት ኣተሓባባሪት ናይቲ መጽናዕቲ ዶክተር ጆ ኢንችሊ ካብ ዩኒቨርሲቲ ግላስኮ።

እቲ መጽናዕቲ መንእሰያት ኣብ ኢንተርነት ክንደይ ግዜ ከም ዘሕልፉ እውን ከምዘቃልል ትገልጽ።

"ኣብ ምሉእ እቲ መጽናዕቲ ብሓፈሻ ልዕሊ ሲሶ መንእሰያት ምስ ኣዕሩኽቶምን ካልኦትን ብኢንተርነት ቀጻሊ ርክብ ከምዘለዎም ክነረጋግጽ ክኢልና" ኢላ።

"እዚ ማለት ከኣ ዳርጋ ኵሉ ግዜ ምሉእ መዓልቲ ምስ መሓዙቶምን ካልኦት ሰባትን ብኢንተርነት ይራኸቡ ማለት'ዩ" ትብል ወሲኻ።

እቲ ጸብጻብ ኵሉ ኣብ ኢንተርነት ዝሓልፍ ግዜ ጐዳኢ እዩ ክብል ኣይድምድምን።

ብጽዑቕ ግን ከኣ ጸገም ብዘይብሉ ኣገባብ ንማሕበራዊ መራኸቢታት ዝጥቀሙ መንእሰያት፡ ዝያዳ ደገፍ መዛኑን ማሕበራዊ ምትእስሳርን ከምዘለዎም ይሕብሩ።

እቲ መጽናዕቲ፡ ኣብቶም "ጸገም ብዘለዎ" ኣገባብ ዝግለጹ ሰባት ዝረአ ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምስ ወልፊ ዝመስሉ ምልክታት ዝተኣሳሰር ኰይኑ ረኺብዎ’ሎ። ንኣብነት፡

  • ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ግዜ ክተሕልፍ ብምምራጽ ንኻልእ ንጥፈታት ሸለል ምባል
  • ብዛዕባ ኣጠቓቕማኻ ብተደጋጋሚ ምምጓት
  • ክንደይ ግዜ ኣብ ኢንተርነት ከምዘሕለፉ ምሕሳው
  • ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክትቆጻጸር ዘይምኽኣል

ብተወሳኺ’ውን ብዛዕባ ብዝሒ ናይቶም ምስ "ጸገም ዘለዎ ጌም" ብዝተኣሳሰር ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ መንእሰያት ዘሎ ስክፍታታት ይጠቅስ። እዚ ድማ ካብ ኣዋልድ ንላዕሊ ንኣወዳት ዝምልከት እዩ።

ማእከላይ ብዝሒ ናይቶም መዓልታዊ ዝጻወቱ ኣወዳት 46 ሚእታዊት ኰይኑ፡ እዚ ኣሃዝ ግን ኣብ ዓዲ እንግሊዝ 52 ሚእታዊት ኣብ ስኮትላንድ ድማ 57 ሚእታዊት ይበጽሕ።

ከምኡ’ውን ኣብ ዓዲ እንግሊዝ 13 ዓመት ዝዕድመኦም ኣወዳት ኣብ ጌማት ነዊሕ ግዜ ከም ዘሕልፉ ይገልጹ።

45 ሚእታዊት ካብቶም ኣብቲ ዕድመ ዝርከቡ ኣወዳት ኣብ መዓልቲ እንተወሓደ ንኣርባዕተ ሰዓታት ኣብ ጌማት ከምዘሕልፉ ኣመልኪቶም።

ኣወንታዊን ኣሉታውን ሳዕቤናት

እቲ መጽናዕቲ ብኣውሮጳዊ ጨንፈር ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO) እዩ ተሓቲሙ ዘሎ።

ኣብ ኣውሮጳ ዞባዊ ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ሃንስ ሄንሪ ፒ ክሉገ፡ እቲ ርኽበታት መጽናዕቲ፡ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ መንእሰያት ኣወንታዊን ኣሉታውን ሳዕቤን ክህልዎም ከምዝኽእል ብንጹር ከምዘርኣየ ገሊጹ።

መንእሰያት ኣብ ኣጠቓቕማ ኢንተርነት ዝሓሸ ተመኵሮ ንኸማዕብሉ ዝሕግዝ ዝያዳ "ዲጂታላዊ ትምህርቲ" ክወሃብ ከምዘለዎ ዝሓበረ ዶክተር ሃንስ ሄንሪ፡ መንግስታት፡ ሰብመዚ ጥዕና፡ መምህራንን ወለድን ኵሎም እጃሞም ክፍጽሙ ኣተሓሳሲቡ።

"መንእሰያት ኣብቲ ጭንቀት፡ ምድሃል (ምህዳድ)፡ ቅዛነትን ድኹም ብቕዓት ትምህርትን ከም ዘስዕብ ተረጋጊጹ ዘሎን ጉድኣት ከስዕብ ዝኽእልን ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘለዎም ተመኵሮ ክቕየር ንምሕጋዝ ቅልጡፍን ቀጻልን ስጕምቲ ከምዘድልየና ንጹር'ዩ" ኢሉ።