ኢትዮጵያ፡ ካብ ዩቱብ ብኸመይ እዩ 'ብቐሊሉ' ገንዘብ ዝርከብ ዘሎ?

ምንጪ ስእሊ, EYUE
እዩኤል፣ ፍራኦልን ሽመልስን ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣዕሩኽ እዮም። ካብ ቁልዕነቶም ዝጀመረ ዕርክነት እዩ።
ብምኽንያት ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ምንቅስቓስ ኣብ ዝተገደበሉ እዋን፡ እቶም መሓዙት ገለ ሓሳብ ብልጭ ኢሉዎም፤ ዝተፈላለዩ ቪድዮታት ምቕራጽን ኣብ ዩቱብ ምዝርጋሕን።
ሓሳባቶም ድማ ናብ ተግባር ቀየሩ።
ነዊሕ ከይጸንሑ ድማ ገንዘብ ክረኽቡ ጀሚሮም። ናብ ዩቱብ ካብ ዝጽምበሩ ድሕሪ ክልተ ወርሒ'ዮም ናይ ፈለማ ክፍሊት ረኺቦም። እቲ ክፍሊት 5 ዶላር ወይ [በቲ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ሸርፊ] ካብ 300 ብር ዘይበዝሕ እዩ ነይሩ።
ሕጂ ልዕሊ 84 ሽሕ ተኸታተልቲ ዘለዉዎም ኰይኑ፡ ዛጊት 638 ቪድዮታትና ጠቂዖም፡ ብድምር ድማ ልዕሊ 41 ሚልዮን [ቪው] ከምዝተራእየሎም ይዛረቡ።
ዋላ እኳ መጠኑ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝቀያየር እንተዀነ፡ ኣብዚ እዋን፡ ኣብ ወርሒ ኣሽሓት ዶላር ወይ ኣማኢት ኣሽሓት ብር ክኽፈሉ በቒዖም ኣለዉ።
ስርሖም ክጅምሩ ከለዉ፡ ብዘይካ ነቲ ቪድዮ ዝስእልሉ ቦታ ንምጽርራይ ወጻኢ ዝገበርዎ ንእሽቶ ገንዘብ፡ ካልእ ብዙሕ ወጻኢ ኣይሓተቶምን።
ኣብ ዩቱብ እንታይ ንግበር ኢሎም’ውን ብዙሕ ኣይተጨነቑን። ቀሊል መንገዲ እዮም መሪጾም ።
ሓጸርቲ ቪድዮታትና ብሓባር ብምርኣይ፣ ብምስሓቕ፡ ብኽትዕ ወይ ሓሳብ ምልውዋጥ የቕርቡ።
ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ቅድሚ ካሜራ ክሳብ ዘይመስል፡ ሓቀኛ ስምዒቶም የንጸባርቑ።
ብዛዕባ ኣብ ግዜ ንእስነቶም ወይ ቅድሚ ናብ ፊልም ምምጽኦም ዘጋጠሞም ተጓንፎታት ይዛረቡን ይስሕቑን።
እዚ እዩ ናብ ትሕዝቶ ተቐይሩ ገንዘብ ዘምጽእ ዘሎ።
እዚ ኣብ ትርፊ ግዜኦም ዝሰርሕዎ ኰይኑ፡ ሰለስቲኦም ስሩዕ ስራሕ ኣለዎም።
እቲ ስራሕ ብሓቂ ዝሕጎሱሉ፡ ሓቀኛ ዕርክነትን ስምዒታቶምን ዝንጸባረቐሉ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ከምቲ ባዕላቶም ዝብልዎ ፍሉይ ክእለት ዝሓትት’ውን ኣይኮነን።
እቲ ስራሕ ኣዝዩ ቀሊል እዩ፡ እቲ ዝረኽብዎ ገንዘብ ግን ርብሕ ዝበለ እዩ።
ካብ ዩቱብ "ህይወቶም ዝቕይር ገንዘብ" ይረኽቡ ከምዘለዉ ይዛረቡ።
ዩቱብ ንምጅማር እንታይ ይሓትት?
እዚ ሕቶ ምናልባት ኣብ ኣእምሮ ናይቶም ዩቱብ ክጅምሩ ዝደልዩ ሰባት ዝመላለስ እዩ።
ክባር ካሜራ፡ ዝተራረቐቐ ኮምፒተር ወይ ድማ ኣዝዩ ዘመናዊ ስቱድዮ ኣየድልን።
'ኣውራ' ዝተባህለ ናይቶም ሰለስተ መናእሰይ ዩቱብ ቻነል፡ ነዚ ሓቂ ርኡይ ምስክር እዩ።
እዩኤል ካሳ፡ ካብ ዩቱብ ክንድዚ ዝኣክል ገንዘብ ንምርካብ ዝወጽእ ወጻኢታት፡ ብዙሕ ኣይኰነን ይብል።
"ኣብዚ ግዜ'ዚ መሳርሒታት 'ፕሮዳክሽንን' ሰብ ሞያን ምርካብ ኣዝዮም ክቡር'ዮም" ዝብል እዩኤል፡ እቲ ሞያ ብሞባይል ብምስኣል ከምዝጀመረ ይገልጽ።
ፍራኦል በዳዳ ብተወሳኺ ኣብ ምጅማር ናይዚ ዩቱብ ቻነል እቲ ዝዓበየ ወጻኢታት ነቲ ቀረጻ ዝኸውን ቦታ ምትዕርራይ ምዃኑን፡ ዝሐሓተቶም ገንዘብ ድማ "ኣዝዩ ትሑት" ምዃኑን ይጠቅስ።
ገለ ትሕዝቶታት ዩቱብ፡ ካሜራ ወይ ካልእ ባእታተት ዘይከድልዮም ይኽእል እዩ።
ድምጺ ብምቕራጽ ወይ ድማ ኣብ ዩቱብ ዝርከብ ካብ መሰል ቅዳሕ ነጻ ዝኾነ ሙዚቃ ምስ ካልኦት ነገራት
ብምውዳድ፡ ክቐርብ ይኽእል እዩ።
እዩኤል፡ ናይ ዩቱብ ቪድዮታት ‘ኤዲት’ ምግባር "ኣዝዩ ቀሊል" ምዃኑን ዝኾነ ፍሉይ ክእለት ከምዘይሓትትን ይገልጽ።
ንሱ፡ እዚታት ካብ ካልኦት ኣብ ዩቱብ ዝርከቡ መምሃሪ ቪድዮታት እዩ ተማሂርዎ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ኮምፒተር ከየድለየካ ቪድዮታት ‘ኤዲት’ ክትገብር ዘኽእለካ ብርክት ዝበሉ ናይ ሞባይል መተግበርታት ከምዘለዉ እውን ይዛረብ።
እቶም መተግበሪታት፡ ወጻኢታት ካብ ምንካይ ብተወሳኺ ነቲ ስራሕ ኣዝዩ ቀሊል ብምግባር ብብዙሓት ይንኣዱ።
ስለዚ እዮም ድማ እቶም መንእሰያት "ኣብ ኢድና ዘላ ቴለፎን ህይወትና ናይ ምቕያር ዓቕሚ ኣለዋ" ዝብሉ።
ኣብዚ ግን እቲ ቀንዲ ጉዳይ ትሕዝቶ ናይቲ ቻነል ምዃኑ ይዛረብ።
"ሓደ ሓደ ግዜ ብልዑል ብርእሰ-ምትእምማን እትሰርሖ ንእሽቶ ቪድዮ፡ ካብተን ብቴክኒካዊ መዳይ ኣዝየን ዝማዕበላ ቻነላት ዝሓሸ ክኸውን ይኽእል'ዩ።"
ንሱ ከምዝብሎ፡ እንታይ ዓይነት ሓሳብ ነልዕል? ብኸመይ ነቕርቦን ? እንታይ ንግበርን ዝብሉ እዮም ወሰንቲ ነገራት።
ኣብ ዩቱብ እንታይ እዩ ዘዋጽእ?
ፍራኦል ነዚ ሕቶ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ "ቀሊልን ክንገብሮ እንኽእልን" እንተኾይኑ ውጽኢታዊ ክገብረና ይኽእል እዩ- ይብል።
"ሓደ ሓደ ግዜ ሓሳባትና ናብ መሬት ንምውራድ ከቢድ ክኸውን ይኽእል'ዩ ። [ስለዚ] ንምትግባሩ ቀሊል ዝኾነ ነገር ክንመርጽ ኣለና" ክብል ወሲኹ።
ምስዚ ሓሳብ ዝሰማማዕ ኤዩኤል፡ ቀሊል ሓሳብ ብቐሊሉ ኣቓልቦ ሰባት ክማርኽ ከም ዝኽእል ይገልጽ።
ንኣብነት ኣብ ገለ ዕዉታት ዝዀኑ ቪድዮታት፡ ኣብ ቅድሚ ካሜራ (Reaction Video) ኰይንካ፡ ስምዒታት ምግላጽ ኣኽሳብን ቀሊልን ምዃኑ ይጠቕሱ።
“ሪኣክሽን ቪድዮ ንምስራሕ ቀሊል ኮይኑ፡ ሓንቲ ካሜራ ጥራይ እያ እትሓትት። ዩቱብ ቀጻሊ ስራሕ ከም ዝሓትት ንፈልጥ ኢና፡ ስለዚ ኣብ ትሕዝቶ ካልኦት ሰባት ተደሪኽካ ምስራሕ ድማ ዝቐለለ እዩ።"
"ስራሕ ክመስል ኣይደለናን" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
“ክትጅምር ከለኻ ነገራት ንነብስኻ ኣዚኻ እንተኣኽቢድካዮ፡ ሎሚ ይኹን ጽባሕ ብቐጻሊ ክትሰርሕ ኣይትኽእልን ኢኻ” ኢሉ።
ንዕርክነቶም ዝህብዎ ቦታ ካልእ ዓወት ስርሖም ምዃኑ እውን ይጠቕሱ።
እቶም መንእሰያት፡ ዝዀነ ዓይነት ቪድዮ ቅድሚ ምስራሖም፡ ጽሑፋት ምንባብ ሓዊሱ ካልእ ትሕዝቶታት’ውን ከምዝረእዩ ይዛረቡ።
ይኹን እምበር፡ በብቝሩብ ናብ ዝቐለለን ተፈጥሮኣዊን ትሕዝቶ ከም ዝቐየሩ ይገልጹ።
ስለዚ ድማ እዩ እዩኤል "ዩቱብ ባዕሉ እዩ ዘምህረካ" ዝብል።

ምንጪ ስእሊ, EYUEL
ዩቱብ መዓስ እዩ ክኸፍል ዝጅምር?
ወነንቲ ኣውራ ቻነል ነዚ ስራሕ ክጅምሩ ከለዉ እምነት ጥራይ እዩ ነይርዎም።
ብኸምዚ እዩ፡ እዩኤል ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበሮ ስራሕ ገዲፉ ምስ ኣዕሩኽቱ ክሰርሕ ዝጀመረ።
እንተወሓደ ኣብ ውሽጢ ሸሞንተ ኣዋርሕ ብዩቱብ ገንዘብ ክረክብ መደብ ኣውጺኡ ነይሩ።
እንተኾነ ሽዱሽተ ወርሒ ኣቐዲሙ፡ ኣብ ካልኣይ ወርሑ ገንዘብ ክረክብ ጀሚሩ።
“ዩቱብ ቪድዮ እዩ ዝደሊ። ጽቡቕ ቪድዮታት [ብቐጻሊ] ምጽዓን እንተኣቋሪጽካ፡ ክወርድ ይኽእል እዩ።
ብዙሕ ገንዘብ ክትረክብ እንተደሊኻ ቀቀልጢፍላ ክተቕርበሉ ኣለካ። ሃንደበት እንተገዲፍካዮ፡ ናብ ዜሮ ይኣቱ።
እዚ ዅነታት እዚ ንብዙሓት ሰባት ተስፋ ኬቝርጾም ይኽእል እዩ። ብቐጻሊ እንተሰሪሕካ ግን ዩቱብ ዓቢ ምንጪ
[ገንዘብ] እዩ” ኢሉ።
ቅድም ክብል፡ ዩቱብ ክፍሊት ንምርካብ እንተወሓደ 1000 ሳብስክራይበርን 4 ሽሕ ናይ ምክትታል ሰዓታትን ይሓትት ነይሩ።
ሕጂ ነዚ መዓቀኒታት ብምንካይ፡ ክፍሊት ንምርካብ፡ ኣብ ሓንቲ ሓጻር ቪድዮ (YouTube Short) 500 ሰዓብትን 3 ሽሕ ሰዓታት ቪው ወይ 3 ሚልዮን ቪው ምርካብ እኹል እዩ።
ብተወሳኺ፡ እቶም ቪድዮታት ዝረኣዩላ ሃገር፡ ዝቐርቡ መወዓውዒታት፡ ከምኡ’ውን ንውሓት ናይቲ ቪድዮን ሰባት ኣብኡ ዘሕልፍዎ ግዜን ተመርኲሱ ይኸፍል።
እዚ ንኹሉ ክፉት ዝኾነ ስራሕ፡ ነቶም ከይተሓለሉ ዝሰርሑ ድማ፡ ፍረ ጻዕሮም ይኸፍል ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







