ኵሊታ ለጊሳ ንወዳ ናብ ውድድራት ዓለም ዘብቀዐት ኣደ

ኣሌክስ ምስ ኣዲኡ ጁሊ

ምንጪ ስእሊ, JULIE BADDOCK

ኵሊት ኣሌክስ ባዶክ ምስ ሓመመት፡ ኣዲኡ ከምቲ መብዛሕትኦም ወለዲ ዝገብርዎ’ያ ገይራ፤ ሓንቲ ኵሊታ ለጊሳ ህይወቱ ከተትርፍ ሰጋእ ኣይበለት።

ክሳብ ቈልዓ ሰለስተ ዓመት ዝኸውን ግን፡ ኵሊት ከይተተክኣሉ ኣብ ሓያሎ ሕጽበት ኵሊትን ቀጻሊ ክንክንን ክሓልፍ ግድን ነይሩ።

ወዲ 12 ዓመት ኣሌክስ ኰነ ኣዲኡ፡ ከም ሰብ ንቡር ህይወት ክነብር ጥራይ’ዩ ነይሩ እቲ ዕላማ።

ሕጂ ድሕሪ ትሽዓተ ዓመት፡ ኣሌክስን ኣዲኡ ጁሊን፡ ብሓባር ናብቲ ኣዝዮም ዝፈትዉዎ ምንሽርታት በረድ- ስኪንግ - ብምኻድ ነቲ ኣብ ሞንጐኦም ዘሎ ፍሉይ ምትእስሳር ክጽንብሉ’ዮም።

ኣብቲ ጽባሕ ሰንበት ጀሚሩ ክሳብ 8 መጋቢር 2024 ዓ.ም ካብ መላእ ዓለም ዝመጽኡ ተወዳደርቲ ዝሳተፍሉ ኣብ ቦርሚዮ ጣልያን ኣብ ዝካየድ መበል 12 ዓለማዊ ውድድር ‘World Transplant Winter Games’ ክሳተፉ’ዮም።

እዚ ውድድር፡ ህያብ ህይወትን ለገስትን ከምኡ’ውን ስድራ ለገስቲ ብመንፈስ ውድድርን ምሕዝነትን ክብሪ ክረኽቡ ንምግባር ዝዓለመ እዩ።

ኣሌክስ፡ ካብ ኣዲኡ ዝተለገሰሉ ኵሊት ምስ ተለገሰሉ ድሕሪ ሓደ ዓመት ቈልዓ ኣርባዕተ ዓመት እንከሎ’ዩ ‘ስኪንግ’ ጀሚሩ።

እዚ፡ ድሕሪ ልደቱ ክሕሰብ ካብ ዝኽእል ንላዕሊ ነይሩ። ካብ ዝውለድ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ’ዩ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ከተማ ሊቨርፑል ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ኣልደር ሄይ ተሰጋጊሩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብኡ ናብ ፍሉይ ክፍሊ ሕክምና ኵሊት ኣትዩ።

“ኣሌክስ ድሓን ክኸውን ተስፋ እንገብረሉ ህሞታት ነይሩ፤ ኩሉ ሕክምናታት ድማ ጽቡቕ ክኸውን እዩ ንብል። ካልእ ግዜ ድማ ንጭነቕ ነይርና” ትብል ጓል 47 ዓመት ጁሊ።

እተን ቀዳሞት ሒደት ዓመታት ብ’ኢንፊዩዥን ቴራፒ’ ዝሓውስ ሕክምና ይወሃቦ ነይሩ፤ ኵሊቱ ምስ ፈሸለት ድማ ስሩዕ ሕጽበት ወይ ‘ድያሊሲስ’ ክገብር ግድን ኰይኑ።

ስሩዕ ህይወት ክነብር እንተዀይኑ ግን ኵሊት ክልገሰሉ ኣለዎ ተባሂሉ፤ ድሕሪ መርመራታት ድማ ካብ ወለዱ ክትክኣሉ ከም ዝኽእል ተረጋጊጹ።

እንተዀነ፡ ኵሊት ኣባጽሕ ክቕበበሉ ኣብ ዝኽእል ዕድመ ክሳብ ዝበጽሕ ክጽበ ነይሩዎ፤ እዛ ህሞት እዚኣ ንክትመጽእ ኣሌክስ ወዲ ሰለስተ ዓመት ክሳብ ዝኸውን ተጸብዩ።

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2015 (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) መጥባሕቲ ክገብሩ ምዃኖም ተነጊርዎም፤ ጁሊ ድማ ገለ ጸገም ከየጋጥም ኣብ ሓያል ጭንቀት እያ ነይራ።

ድሕሪ ክልተ ሰለስተ መዓልታት፡ ኣሌክስ ሓድሽ ሓይሊ ረኺቡ ሓደ ወዲ ሰለስተ ዓመት ቈልዓ ዘርእዮ ምንቅስቓስ ከርኢ ከም ዝጀመረ ትዛረብ።

“ነገራት ክሳብ ክንደይ ቀልጢፎም ከም ዝተመሓየሹ ዘገርም’ዩ፤ ምሉእ ለውጢ’ዩ ነይሩ” ትብል።

ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ፡ ኣደን ወድን ሙሉእ ንሙሉእ ሓውዮም ኣብ ኒውካስል ኣብ ዝተኻየደ ውድድራት ተሳቲፎም።

“ዓመታዊ ምስ ካልኦት ስድራቤታት ንላለን ንራኸብን። ብዛዕባ ኩላትና ዘለና ተሞክሮ ንለዋወጥ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዓቢ ናይ መዛኑ ደገፍ ክህልወካ ዓብዪ ነገር” ትብል ጁሊ።

ኣሌክስ፡ ኣብቲ ጸወታታት ምስ ካልኦት ኣብ መዛንኡ ዝዀኑ ቈልዑ ምውድዳሩ፡ ግዳይ እቲ ጸገም “ንሱ ጥራይ ከም ዘይኰነን” ካልኦት ብዙሓት’ውን ብተመሳሳሊ ኩነታት ይሓልፉ ከም ዘለውን ክርዳእ ከም ዝሓገዞ ይገልጽ።

ኣብቲ ጽባሕ ኣብ ጣልያን ዝጅምር ውድድር ድማ፡ ምስ ካብ 21 ሃገራት ዝመጽኡ ኣማኢት ሰባት ብምዃን ክሳተፍ እዩ።

እዚ ውድድር፡ ኣብ ክልተ ዓመት ሓደ ግዜ ዝካየድ ኰይኑ፡ ጸላም ከብዲ፡ ልቢ፡ ሳንቡእ፡ ኩሊት፡ ሽኮርያ ወይ ምሕዋስ ዓጽሚ ይኹን ብዝዀነ ምትካል ኣካላት ዝሓለፈ ሰብ ዝሳተፈሉ ውድድር’ዩ።

ብሪጣንያዊት ጋንታ 19 ክፍሊ ኣካላት ዝተለገሰሎም፤ ሸሞንተ ለገስቲ ከምኡ’ውን ሰለስተ ለገስቲ ኣባላት ስድራቤትን ዝሓቖፈት እያ።

ኣሰልጣኒት እታ ጋንታ ሊን ሆልት፡ “(ኣሌክስን ጁሊን) ብቑዓት’ዮም። ገለ ሜዳልያታት ሒዞም ክምለሱ ምዃኖም ርግጸኛ እየ” ክትብል ሰናይ ትምኒታ ገሊጻ።