ድያሊስስ እንታይ’ዩ - ብኸመይከ ይካየድ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዶክተር ዳናይት ፍስሃየ፡ ብ2019 ካብ ‘ኮሌጅ መዲስን ኤንድ ደንታል መዲስን’ ኣስመራ ብዓውዲ ሕክምና ተመሪቓ ንሰለስተ ዓመታት ኣብ ጋሽ ባርካ ከተማ ባረንቱ፡ ንሽዱሽተ ወርሒ ከኣ ኣብ ሓሊበት ከም ሓኪም ሰሪሓ።
ሕጂ ኣብ ከተማ ናይሮቢ ትነብር ዘላ ዶክተር ዳናይት፡ ምስ ክልተ ተመሳሳሊ ሞያ ዘለወን ብጾታ ‘ክለብ ሃውስ’ ዝተሰመየ መራኸቢ ሜድያ ብምፍጣር ንሕብረተሰብ የገድሱ እዮም ዝበሃሉ ጥዕናዊ ኣስተምህሮታት ትህብ ኣላ።
ቢቢሲ ምስ ዶክተር ዳናይት ብዛዕባ ሕማም ኵሊትን ጠንቅታቱን፡ ንመስርሕ ምጽራይ ደም ሰብነት (ድያሊስስ)ን ምስኡ ዝተሓሐዝ ጕዳያትን ቃለ መጠይቕ ኣካይዱ ኣሎ - ሰናይ ንባብ።
ቢበሲ፡ ሓደ ሰብ ብኸመይ እዩ ሕማም ኵሉት ዘማዕብል?
ዶክተር ዳናይት፡ ኵሊትና ብዙሕ ስራሕ’ዩ ዘለወን፣ ሓደ ካብቲ ኣገዳሲ ኸኣ ኣብ ኣካላትና ዝርከቡ መርዛማት ነገራት ብኵሊትና እዮም ዝጻረዩ፤ ብሽንቲ ከኣ ንግዳም ይወጽኡ።
ብዘይካ'ዚ ኣብ ደምና ንዘጋጥም ኣሲዶስ ‘acidosis’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣብ ሰብነትና ዝተመጣጠነ ኣሲድ ጥራይ ንኽህሉ ዘመዓራርያ ኵላሊትና እየን። ኣብ ደምና እዅልን ምጡንን ማይ፡ ጨውን ማዕድናትን ንኽህሉ ከኣ ይሰርሓ።
ንጸቕጢ ደምና ዝቈጻጸር ሆርሞናት ብኵሊት እዩ ዝከናወን። መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ድኽመት ናይ ኵሊትና ዋሕደ ደም ከም ምልክት ይረአ። እዚ ከኣ ብሰንኪ እቲ ኣብ ኵሊት ዝስራሕ ዋሕዲ ሆርሞናት ዝስዕብ እዩ።
ስለዚ ሓደ ሰብ ድኽመት ኵሊት ኣለዎን የብሉን ክንፈልጥ እንተዄንና በቲ ምልክታት ኢና ንብገስ።
ምጕዳል መጠን ሽንቲ ማይ፡ ሕበጥ ኣብ እግሪ፡ ዓካር ዓካሪትና ኣብ ገጽናን፡ ክቱር ድኻምን ሕጽረት ምስትንፋስን፡ ቀጻሊ ዕግርግርን ተምላስን፡ ሃለዋት ምጥፋእን ቃንዛ ኣብ ኣፍ ልቢ እንተርኢና ክንጥርጥር ንኽእል ኢና።
ብድሕሪ እዚ ኣብ ሕክምና ብመሳርሒታትን መርመራታትን ተመርኵስካ ኵነታት ኵሊት ክፍለጥ ይክኣል።

ምንጪ ስእሊ, Dr.Danait
ቢበሲ፡ ጠንቂ ሕማም ኵሊት እንታይ እዩ?
ዶክተር ዳናይት፡ ምድካም ኵሊት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ክልተ’ዩ ዝምቀል። እቲ ሓደ፡ ኵሊት ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ወይ መዓልታት ብሃንደበት ክትዳኸም እንከላን ቀስ ኢሉ ዝመጽእ ምድኻም ኵሊት ኢልና ክንከፋፍሎ ንኽእል።
ኣብዚ ተመርኲሱ ከኣ እቲ ጠንቂ ይፈላለ። ኵሊት ብቕልጡፍ ኣብ እትዳኸሙሉ እዚ ‘autoimmune disease’ ዝበሃልን ከም በዓል ኣይቢ-ብርፎን ዝኣመሰሉ ናይ ቃንዛ ከኒናታት ብብዝሒ ንወስድ እንተዄንናን ሻምብቈ ሽንቲ ብዝዀነ ምኽንያት እንተተዓጽዩ፡ ከም ሕማም ልቢ ንዝኣመሰለ ንቕልጡፍ ምድኻም ኵሊት ከቃልዓና ይኽእል እዩ።
እቲ ቀስ እናበለ ንኵሊት ዘዳኽም ሕዱር ሕማም ከኣ ብጽቡቕ ዘይተኸናኸንናዮ ሕማም ሽኮርን ልዑል ጸቕጢ ደምን እቶም ቀንዲ ጠንቅታት እዮም።
ብዘይካ'ዚ ከም polycystic kidney (ኣብ ውሽጢ ኵሊትና ማይ ዝመልአ ጥረ ዘስዕብ ሕማም) እቲ ማይ ክበዝሕ እንከሎን ብሰንኪ ረኽሲ ዘጋጥም glomerulonephritis ዝተበሃለ ሕማምን ንሕዱር ሕማም ኵሊት ከም ጠንቂ ክግለጽ ይክኣል።
ቢበሲ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ከምዚ ደረጃ እንከሎ ከፍወስ ይኽእል’ዶ?
ዶክተር ዳናይት፡ ሕማም ወይ ድኽመት ኵሊት እንተኣጋጢሙና ብፍላይ ንዅነታት ኵሊት እንፈልጠሉ Glomerular Filtration Rate (GFR) ዝበሃል ኣሎ፡ ኣብዚ እቲ ዓቐን ትሕቲ 15 እንተዀይኑ ኵሊት ናብ ንቡር ክትምለስ ከቢድ እዩ። ቅድሚ ናብዚ ደረጃ እዚ ምብጻሕካ ክትፈልጥ እንተዄንካ ኸኣ ክትምርመር ኣለካ።
ንኣብነት ሽኮርያን ጸቕጢ ደምን እንተሃልዩና ናብ ሕማም ኵሊት ከቓልዓና ስለዝኽእል ብግቡእ ክንከታተሎ ኣለና። ኣመጋግባን ምንቅስቓስን ከነዘውትርን ብግቡእ እቲ ብሕክምና ዝጥለብ ከነማልእ ኣለና።
መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሕብረተስብና ዝረአ ነገር፡ መድሃኒት ምስ ተወሃበና ቅሩብ እንተተመሓይሽና ነቲ መድሃኒት ኣይንቕጽሎን ኢና። ክትገብሮ ዘለካን ዘይብልካን ምስቲ ዝከታተለካ ሓኪም ብምምኻር ኵነታትካ ክትፈልጥ ኣለካ።
ሰብ እንተወሓደ ኣብ ዓመት ሓንሳብ ኵነታት ጥዕናኡ ክምርመር ኣለዎ። ከምኡ እንድሕር ገይርና መርመራ ኵሊት’ውን ስለዝግበረልና ዋላ ኵሊት እንተሓሚምና ኣብቲ ክትፍወሰሉ ትኽእል ደረጃ እንከላ ክንፈልጥ ንኽእል ኢና።
ከም ወልፊ ሽጋራን መስተን እንተሃልዩና’ውን ከነወግዶ ኣለና። ዓቐኑ ዝሓለፈ ሚዛን ሰብነት ክህልወና የብሉን፡ ኣመጋግባና’ውን ዝተመጣጠነ ክኸውን ይግባእ።
ቢበሲ፡ ሓደ ብሕማም ኵሊት ዝተጠቐዐ ሰብ ኣብ ምንታይ ደረጃ ምስ በጸሐ’ዩ ድያሊስስ ዘድልዮ?
ዶክተር ዳናይት፡ ዋላ ዓቐን Glomerular Filtration Rate ትሕቲ 15 ይዅን፡ ናብ ድያሊስስ ዘብጽሕ ምልክታት እንተዘይተራእዩ መድሃኒተ እናወሰድና ክንጸንሕ ንኽእል ኢና።
ቅልጡፍ መጕዳእቲ ኵሊት እንተኣጋጢሙና ግን ግድን ድያሊሲስ ክንጅምር ኣለና። ኣብዚ እቲ መጕዳእቲ ኵሊት ብሕዱር ሕማም ዝመጽአ እንተዘይኰይኑ ኵላሊት ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ናይ ምሕዋይ ተኽእሎ ኣለወን።
እቲ ካልእ ድያሊስስ ክንጅምር ዘገድደና ኸኣ ‘uremic encephalopathy’ ዝበሃል ኣብ ሰብነትና ዝርከብ መርዛም ከሚካል ብኵሊት ተጻርዩ ብሽንቲ ክወጽእ እንተዘይክኢሉ ኣብ ደምና ይእከብ’ሞ ከም ምድንጋር፡ ምንፍርፋር፡ ሃለዋት ምጥፋእን ካልእን ከኸትለልና ይኽእል።
ኵሊት ከም ሚነራላት፡ ኤሌትሮላይትስን ማዕድንን ዝኣመሰሉ ነገራት ኣብ ኣካላት ክንድቲ ዘድለየና መጠን ጥራይ ንኽህልዉ እያ ትሰርሕ። ሓደ ካብቶም ኤሌትሮላይትስ ፖታሽም ዝበሃል ማዕድን ኰይኑ፡ እንተትሒቱን እንተልዒሉን ኣብ ትርግታ ልቢ ጸቕጢ ይፈጥር እዩ። ኵሊት ነዚ ክትገብር እንዘይክኢላ ኸኣ ተቐላጢፍና ድያሊስስ ክንጅምር ንግደድ።
ከምኡ’ውን መጠን ኣሲድ ኣብ ደምና እንተልዒሉ [ብሳይንሳዊ ኣጸዋውዓ Acidosis ይበሃል] ድያሊሲስ ክንጅምር ይእዘዘና። ካልእ ኣብ ሰብነትና ዝርከብ ዓቐን ማይ [hypervolemia] ካብ መጠን ንላዕሊ እንተዀይኑ፡ ኣብ ሳንቡእና፡ ልብናን ካልእ ክፋል ኣካላትናን ጸገማት ስለዘስዕበልና ድያሊስስ ክንጅምር ንግደድ።
ብዘይተፈለጠ ምኽንያት ክብደት ሰብነትና እንተጐዲሉን ናብ ደረጃ ዓጸቦ እንተበጺሕናን ድያሊሲስ ምጅማር ከም ዘድለየን ዘርኢ ሓደ ምልክት እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቢበሲ፡ እቲ መስርሕ ድያሊሲስ ከመይ እዩ፤ ነቲ ሕሙም እንታይ እዩ ዝግበረሉ?
ዶክተር ዳናይት፡ ድያሊስስ ብደገ ኰይና ንኵላሊት ተኪኣ ስርሐን እትዓምም ማሺን እያ። ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ ድያሊስስ ንድኽመት ኵሊት ኣይፍውስን’ዩ። ሓደ ሰብ ክፍወስ እንተዀይኑ ኵሊት ክትቅየረሉ [Transplant] ኣለዋ።
ክልተ ዓይታት ድያሊስስ’ዩ ዘለና፡ ሄሞ-ድያሊሲስ [Haemodialysis] ከምኡ ከኣ ፐሪቶንያል-ደያሊስስ [peritoneal dialysis] ተባሂሎም ይጽውዑ። እዚ ሄሞ-ድያሊስስ ኣብ ኵርናዕ ኢድና ካብ ዝርከብ ሰራውር ደም ምስታ ድያሊስስ ማሽን ብምርኻብ ዝግበር መስርሕ ምሕጻብ እዩ።
ፐሪቶንያል-ደያሊሲስ ከኣ ካብ ሽፋን ውሽጢ ከብድና ካብ ዝርከብ ሰራውር ደም፡ ካብኡ ደም ተወሲዱ ዝካየድ መስርሕ እዩ።
ኣብቲ ዝያዳ ንጸቕጠሉ ሄሞ-ድያሊስስ ምስ እንተኵር ኣብ ኵርናዕ ኢድና ኣብ ዝርከብ ሰራውር ደም መርፍእ ይኣቱ፣ በቲ መርፍእ ኣቢሉ ከኣ ናብታ ማሽን ይሓልፍ’ሞ በታ ማሽን [dialyzer machine] ተጻርዩ ናብ ኣካላትና ይምለስ።
እዚ መስርሕ'ዚ ካብ ሰለስተ ክሳብ ሓሙሽተ ሰዓታት ክወስድ ይኽእል፣ ኣብ ሆስፒታል ድማ’ዩ ዝግበር።
ሓደ ዲያሊስስ ዘድልዮ ሰብ ኣብ ሰሙን ሰለስተ ግዜ ክገብር ኣለዎ።
ኣቐዲምካ ግን ነቲ ሰራውር ደም ኣጸቢቕካ ንኽትረኽቦ arteriovenous fistula ተባሂሉ ዝጽዋዕ ነቲ ሕሙም ንእሽተይ መጥባሕቲ ይካደሉ’ዩ።
ኣብታ ማሽን ዝርከብ ባእታታት ከኣ ነቲ ሕሙም ከም ዕድሚኡን ከም ሚዛኑን እቲ ዘድሊ ዓቕን ተዋሂብዎ መስርሕ ምጽራይ ተኻይዱ እቲ ደም ተመሊሱ ናብ ኣካላት እቲ ሰብ ይኣቱ።
ቢበሲ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብተደጋጊሚ ጸገማት ኵሊት ዘጋጠሞም ናይ ገንዘብ ሓገዝ ክሓቱ ይርኣዩ’ዮም፡ ድያሊስስ ንምግባር ክሳብ ክንደይ ወጻኢታት እዩ ዝሓትት?
ዶክተር ዳናይት፡ ነታ ሓንቲ ምሕጻብ 100 ዶላር ኣቢሉ እዩ ዝውድእ። ኣብ ሰሙን ሰለስተ ግዜ ምሕጻብ ደም ስለዘድሊ ከኣ ኣብ ወርሒ ክሳብ 1200 ዶላር ኣቢሉ ይበጽሕ። እዚ ከኣ ቀጻልን መወዳእታ ዘይብሉን እዩ። ሓንሳብ ወይ ሓደ ወርሒ ገይርካ ትሓውየሉ ኣይኰነን።
ስለዚ ኣዝዩ ክቡር እዩ፣ ካብዚ ንምድሓን ብፍላይ እዞም ሕዱር ሕማም ዘለዎም ብዝያዳ ኣቐዲሞም ክጥንቀቝ ከምዘለዎም’ዩ ዝምከር።
ቢበሲ፡ ሓደ ሰብ ዲያሊስስ ምስ ጀመረ ንኽንደይ ዓመት’ዩ ብህይወት ናይ ምንባር ዕድል ዘለዎ?
ዶክተር ዳናይት፡ ሓደ ሰብ ኣብ ድያሊስስ ምስ በጽሓ ካብ 10 ክሳብ 20 ዓመታት ክጸንሕ ይኽእል እዩ። ግን እዚ ክንብል እንከለና ነዚ ዝጸልዎ ብዙሕ ረቛሒታት ኣሎ።
ዕድመ ሓደ ረቋሒ’ዩ፡ ሓፈሻዊ ጥዕና’ውን ከምኡ፤ እቲ ቀንዲ ኸኣ ጠንቂ ናይቲ ሕማም ኵሊት ዘስዓበልካ ነገር እዩ።
እቲ ካልእ ነገር ከኣ ድያሊሲስ ምስ ገበርካ እተን ኵላሊትካ ከመይ ይሰርሓ ኣለዋ’ውን ወሳኒ’ዩ።
ቢበሲ፡ ድያሊስስ ዝገብር ሰብ እንታይ ዓይነት ፈሳሲ ወይ መግቢ እዩ ክወሰድ ዘለዎ?
ዶክተር ዳናይት፡ ከምድላዩ ዝኾነ ነገር ክበልዕን ክሰትን ኣይክእልን እዩ። ነዊሕ ከይዘርዘርና መጠን ዝሰትዮ ማይ’ውን ክጎድል ኣለዎ።
ንሓደ ጥዑይ ሰብ ኣብ መዓልቲ ሸሞንተ ብኬሪ ማይ ስተ ኢና ንብሎ። ንሓደ ኣብ ድያሊስስ ዝርከብ ሰብ ግን እዚ ይበዝሖ’ዩ። እንተበዚሕዎ ኸኣ ካልእ ሳዕቤናት ከኸትለሉ ይኽእል እዩ።
ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝፈላለ ኰይኑ ነቲ ናቱ ‘ሃይፐር ቮልምያ’ [ኣብ ሰብነትና ዝርከብ መጠን ፈሳሲ] እናርኣኻ እዩ ዝውሰን።
ከም በዓል ብርጭቕ፡ ወይኒን ካልእን’ውን ከነውግዶ ኣለና። ምኽንያቱ እዚ ኣብ ውሽጡ ብዙሕ ማይ ስለዘለዎ ንኵሊትና ዝያዳ ክሃስያ ይኽእል እዩ።
መግብና ጨው ዝውሓዶ ክኸውን ኣለዎ። ምኽንያቱ፡ ጨው ንጸቕጢ ደምና ከልዕለልና ይኽእል እዩ፡ ጸቕጢ ደምና እንተልዒሉ ኸኣ ብኵሊት እዩ ክመዓራረ ዝኽእል፡ ኵሊትና ነዚ ክገብራ ስለዘይክእላ ግን፡ ጸገምና እናበርተዐ ብምኻድ ናብ ዝኸፈአ ነገር ከቃልዓና ተኽእሎ ኣሎ።
እዚ ጥራይ እውን ኣይኰነን። ጨው ዝበዝሖ መግቢ እንተበሊዕና ማይ ስለእንጸምእ ብዙሕ ማይ ክንሰቲ ንግደድ። እዚ ከኣ ናቱ ጸገማት ስለዘለዎ ኣብ መግብና ኣዚና ጨው ከነጕድል ኣለና።
ኣብ ሰብነትና ፖታሸም እንተልዒሉ ኣብ ትርግታ ልብና ጽልዋ ስለዝፈጥር፡ ነዚ ንምውጋድ ከም ኣቫካዶ፡ ባናና፡ ቸኮላታ፡ ጻባን ውጽኢት ጸባን ካልእ ልዑል ፓታሸም ዘለዎም መግብታትን ከነወግድ ኣለና።
ጐድኒ ጐድኒ’ዚ እውን ከም ፉልን ጸላም ከብድን ዝኣመሰሉ ብዙሕ ፎስፈረስ ዘለዎም መግብታት’ውን ምውጋድ የድሊ።
ብኣንጻሩ ብመስርሕ arteriovenous fistula ምሕጻብ ዝካየደሎም ሕሙማት እቲ መስርሕ ኣብ ነብስና ዝርከብ መጠን ፕሮቲን ስለዘጕድሎ፡ ነዚ ንምትካእ ከም ስጋ፡ ዓሳ፡ እንቋቝሖ፡ ደርሆን ካልእን ዝኣመሰለ ብዙሕ ፕሮቲን ዘለዎ መግብታት ከዘውትሩ ኣለዎም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቢበሲ፡ ሓደ ሰብ ድያሊስስ ምስ ጀመረ ኵሊቱ ናብ ንቡር ናይ ምምላስ ዕድል ኣለዋ ድዩ?
ዶክተር ዳናይት፡ ድያሊሲስ ንኵሊት ንምሕጋዝ እምበር ንኵሊት ንምሕዋይ ዝግበር መስርሕ ኣይኮነን። ስለዚ ሓደ ሰብ ክፍወስ እንተዀይኑ ኵሊት ክቕየረሉ ጥራይ እዩ ዘለዎ።
ቢበሲ፡ ድያሊስስ ዝጀመረ ሰብ ሽንቲ ማይ ክሸይን ይኽእል’ዶ?
ዶክተር ዳናይት፡ ኵሊት ደኺመን እምበር ጠቕሊለን ስለዘይተበላሸዋ፡ እቲ ንብቕዓት ኵሊት ንዕቅነሉ Glomerular Filtration Rate ዜሮ እንተዘይበጺሑ እቲ ሕሙም ክሸይን ይኽእል እዩ። እቲ ዓቐን ሽንቲ ግን ካብቲ ንቡር ክጎድል ይኽእል።
ሓደ ሰብ ድያሊስስ እናተገበረሉ፡ እታ ኵሊት’ከ ኣበርክቶ ትገብር ኣላ’ዶ ዝብል ነገር ምርኣይ እውን ወሳኒ’ዩ። እቲ ትሕቲ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዝወረደ Glomerular Filtration Rate ዝበጽሖ ደረጃ እውን ነቲ ሽንቲ ክጸልዎ ይኽእል እዩ።
ኣብ ድያሊስስ ዘሎ ሰብ፡ ኵሊቱ ዓቕማ ክዕቀብ ይኽእል’ዶ ኣይክእልን ብዙሕ ረቛሒታት ኣለዎ።
ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ከብዶም [peritoneal dialysis] ን ኣብ ብርኪ ኢዶም [Haemodialysis] መስመር ድያሊስስ ዝግበረሎም ሰባት ከም ኣብነት እንተወሲድና፡ እቲ ምኽንያቱ’ኳ እንተዘይተፈለጠ እቶም ኣብ ከብዶም ዝገብረሎም እዮም ዝበዝሐ ሽንቲ ዝሸኑ።
ቢበሲ፡ ጸጸር ኵሊትከ ናብ ድያሊሲስ ከምርሓና ይኽእል ድዩ?
ዶክተር ዳናይት፡ ኵሊት ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ትወድቐሉ Sub-Acute kidney failure ኢልና ዝጽዋዕ ኣሎ፡ ኣብ ከምዚ ከጋጥም ይኽእል እዩ።
እንተዀነ እቲ ዓቕን ናይቲ ጸጸር ልዕሊ ዓቐን እንተዀይኑ እዩ፡ ብዘይካ እዚ እቲ ጸጸር ኣበየናይ ስርዓተ ሽንቲ እዩ ዓጊቱ ዘሎ’ውን ወሳኒ’ዩ።
ኣብ መወዳእታ፡ ምልክት ድኻም ኵሊት ኣብ መጀመርታ ዋላ ሓንቲ ኣየርእን እዩ። ምስከፍአን ምስበኣሰን እዩ ምልክታት ከርኢ ዝጅምር። ስለዚ ኩላትና ሕዱር ሕማም እንተሃልዩና ብስሩዕ መርመራ ክንገብርን እቲ ናትና ሕማም ክንከናኸኖን ካብ ሕጂ ጀሚርና ኣመጋግባና ከነስተኻኽልን ክላቦ ይደሊ።
ቢቢሲ፡ የቐንየልና ዶክተር ዳናይት




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







