መንሽሮ መዓንጣ፡ ብኸመይ ካብ ቀልቀል ኵነታትና ንፈልጥ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዳመ ዲቦራ ጀምስ፡ ኣብ 40 ዓመታ ብመንሽሮ መዓንጣ’ያ ሞይታ። ሰብ ብዛዕባ መንሽሮ መዓንጣ ዘለዎ ኣፍልጦ ንኽዓቢ ኸኣ፡ ለይትን ቀትርን ሰብ ቀልቀሉ እንታይ ከም ዝመስል ክርኢ ከምዘለዎ ትጕስጉስ ነይራ።
ኣብ ብሪጣንያ፡ መንሽሮ መዓንጣ ኣዝዩ ግኑን ዓይነት መንሽሮ ኮይኑ፡ ሰብ ብዛዕባ እዚ ሕማም ንዝሓቶ ሕቶታት ክንምልስ ፈቲንና ኣለና።
መንሽሮ መዓንጣ እንተሃልዩና ዝርኣዩ ምልክታት እንታይ’ዮም?
ነዚ ንምፍላጥ ሰለስተ ቀንዲ ከንርእዮም ዘለና ነገራት ኣሎው
- ኣዝዩ ቀይሕ ደም ኣብ ቀልቀልና እንተርኢና
- ቀቀልጢፉ ቀልቀል ዝመጽኣና እንተኾይኑን ቀልቀልና ኣዝዩ ዓጺቕ ወይ ኣዝዩ ቀጢን እንተዀይኑ
- ኣብ ታሕተዋይ ክፋል ከብድና ቃንዛን መንፋሕትን ምስ ዝስምዓና ወይ ከብድና ልምሉም እንከሎ ኣብ ውሸጢ ግን ውጥር ዝበለ ኮይኑ ክስምዓና ምስ ዝጅምር
ብዘይካ'ዚኦም እውን ካልኦት ከነስተብህለሎም ዝግባእ ምልክታት ኣሎው
- ሚዛን ምጉዳል
- ቀልቀል ምስ ወዳእና ዘይወዳእና ኮይኑ ክስምዓና እንከሎ
- ካብ ንቡር ንላዕሊ ድኻምን ረሸሽታን ምስ ዝስምዓና
እዚ ዅሉ ምልክታት ተራእይና እንከሎ’ውን ሕማምና መንሽሮ መዓንጣ ዘይክኸውን ይኽእል እዩ። እንተዀነ ከምዚ ዓይነት ምልክታት፡ ንልዕሊ ሰለስተ ሳምንታት እንተርኢና ብቕልጡፍ ናብ ሓኪም ክንከይድ ይግባእ።
ሕማም መንሽሮ ብኣጋ እንተ ተፈሊጡ፡ ንምሕካሙ ዝቐለለ እዩ።
ሓደ ሓደ ግዜ መንሽሮ መዓንጣ፡ ኣብ ውሽጢ መዓንጣ ቁጻር ብምፍጣር ቀልቀልና ንደገ ከይወጽእ ክዓግቶ ይኽእል እዩ።
እዚ ኸኣ ቃንዛ ከብዲ፡ ድርቀትን ካልእ ተወሳኺ ሕማምን ከኸትለልና ይኽእል።
ስለዚ ናብ ከምዚ ደረጃ ከይብጽሐ እንከሎ፡ እቶም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ምልክታት እንተርኢና ናብ ሕክምና ምኻድ ኣዝዩ ተመራጺ’ዩ።
ቀልቀልና ብኸመይ ክንፍትሾ ንኽእል?
ቀልቀል ምስ ወጻእን ተመሊስና ጽቡቕ ገይርና ንርኣዩ፡ ብዛዕባ እቲ ዝርኣናዮ ምዝራብ ኸኣ ኣየሰክፈና።
ኣብ ቀልቀልናን መሃንቱስናን ደም ከይህሉ ጽቡቕ ገይርና ነስተብህል።
ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ከባቢ ጭራ መቐመጫና ካብ ዘሎ ዝሓበጠ ሰራውር ደም፡ ደም ምስ ቀልቀል ተሓዊሱ ክወጽእ ይኽእል እዩ።
እዚ ግን ሳሕትን ሓንሳብን ዘጋጥም እዩ። ስለዚ ሓንሳብ ርኢና ኢልና ክንስንብድ የብልናን፣ ብተደጋጋምን ኣከታቲሉን ዝኽሰት እንተዀይኑ ግን ምልክት መንሽሮ መዓንጣ ክኸውን ስለ ዝእእል ናብ ሕክምና ክንከይድ የድሊ።
ሓደ ሓደ ግዜ’ውን ካብ መዓንጣና ወይ ካብ ካልእ ክፋል ኣካላትና ዝነዝዐ ኣዝዩ ድሙቕ ቀይሕ ደም ምስ ቀልቀልና ተሓዊሱ ክወጽእ ይኽእል’ዩ፤ እዚ’ውን ዘየሻቕል ኣይኮነን።
እንተዀነ ኣብዚ’ውን ሓንሳብ ድዩ ብተደጋጋሚ ዝወጽእ ዘሎ ነስተብህል።
መንሽሮ መዓንጣ ምስ ዝህልወና፡ ኣብ መዓንጣና ዘይንቡር ነገራት ክስምዓና ይኽእል እዩ።
ሓደ ሓደ ግዜ ከይተፈለጠና ቀልቀል ክሞልቈና ይኽእል፣ ወይ ከኣ ካብ ንቡር ወጻኢ ቀቀልጢፉ ቀልቀል ክመጽኣና ይኽእል እዩ።
ኣብ ከምዚ ኣጋጣሚ ቀልቀል ምስ ወጻእና፡ ዘይወዳእና እናመሰለና ኢና ተተመላሊስና ናብ ዓይኒ ምድሪ ንጐዪ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጠንቂ መንሽሮ መዓንጣ እንታይ’ዩ?
ጠንቂ ሕማም መንሽሮ መዓንጣ እንታይ'ዩ? ንዝብል ሕቶ ክሳዕ ሕጂ ንጹር መልሲ የብሉን፡ እንተኾነ ገለ ገለ ናብዚ ሕማም ዘቓልዑና ነገራትን ግን ኣለዉ፦
- ዕድመ እናወሰኽና ክንከይድ እንከለና፡ በዚ ሕማም ናይ መጥቃዕ ተኽእሎ እናወሰኸ’ዩ ዝከየድ። መብዛሕትኦም በዚ ሕማም ዝጥቕዑ ሰባት ዕድመኦም ልዕሊ 50 ዓመት’ዩ፡ ስለዚ ዕድመ ሓደ ረቋሒ’ዩ
- ዝተመስረሐን ቀይሕ ስጋ ዝበዝሖን ከም ‘ሶሴጅን’ ሓሰማን ዝኣመሰለ መግቢ ኣዘውቲርና ምስ እንበልዕ፡ ናብዚ ሕማም ክንቃላዕ ንኽእል
- ምትካኽ ሽጋራ
- ልዕሊ ዓቐን ኣልኮላዊ መስተ ምዝውታር
- ምክሳዕ ወይ ልዕሊ ንቡር ሚዛን ሰብነት ምስ ዝህልወና
- ኣብ ውሽጢ መዓንጣና ጽኪ ምስ ዝህልወና፡ ምስ ግዜ ናብ ሕበጥ ተለዊጡ ናብ መንሽሮ መዓንጣ ክልወጥ ይኽእል እዩ።
እዚ ሕማም ብተወርሶ ክመሓላለፍ ይኽእልዶ?
ሕማም መንሽሮ መዓንጣ ብተወርሶ ኣይመሓላለፍን’ዩ።
እንተኾነ፡ 50 ቅድሚ ዓመት ምምልኡ በዚ ሕማም ዝተጠቕዐ ኣባል ስድራ እንተሃልዩካ፡ ንሓኪምካ ምንጋር ኣገዳሲ’ዩ።
ኣብ ኣባል ስድራኻ ብ’ሊንች ሲንድሮም’ ዝሓመመ ሰብ እንተሃልዩካ፡ ሊንች ሲንድሮም ንሕማም መንሽሮ መዓንጣ ናይ ምቅላዕ ተኽእሎኡ ስለ ዝዓቢ እዚ’ውን ንሓኪምካ ምንጋር ዘይምርሳዕ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ተኽእሎ ሕማም መንሽሮ መዓንጣ ብኸመይ ነጕድሎ?
ተመራመርቲ፡ ብመንሽሮ መዓንጣ ናይ ምጥቃዕ ተኽእሎና ብልዕሊ ፍርቂ ከነጉድሎ ከም እንኽእል’ዮም ዝገልጹ።
እዅል ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምግባር፡ ውሑድ ስብሕን እኹል ጭሕጎን ዘለዎ መግቢ ምዝውታርን መዓልታዊ ካብ ሽዱሽተ ክሳብ ሸሞንተ ኩባያ ማይ ምስታይን ካብቶም ክስግሩ ዘይብሎም ምዃኖም’ዮም ተመራመርቲ ዝጠቕሱ።
ብዘይካ እዚ፡ ዝኾነ ዘሰክፍ ምልክት ምስ ዝህለወና፡ እንተኽኢለና’ውን ብስሩዕ ናብ ሓኪም ብምኻድ ኵነታትን ክንፈልጥ ኣዝዩ ተመራጺ’ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መንሽሮ መዓንጣ ብመርመራ ብኸመይ ክፍለጥ ይክኣል?
ሓኪምካ በዚ ሕማም ተጠቂዕካ ክትከውን ትክእል ኢኻ ዝብል ጥርጣረ እንድሕር ኣሕዲሩ፡ ‘ኮሎንስኮፒ’ ተባሂሉ ብዝጽዋዕ መስርሕ ኣብ ውሽጢ ትቦ ብዝተሰኾዐ ካሜራ ብመቐመጫ ናብ ውሽጢ መዓንጣ ብምእታው’ዩ ክረጋገጽ ዝኽእል።
90 ሚእታዊት ካብቶም ኣብ መጀመርታ ደረጃ እንከሎ ሕማሞም ዝተፈለጠ ሰባት ንልዕሊ ሓሙሽተ ዓመትን ልዕሊኡን ናይ ምንባር ተኽእሎ ኣለዎም።
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት በዚ ሕማም ዝተጠቅዑ ሰባት ብህይወት ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ናይ ምጽናሕ ዕድሎም ብዕጽፊ ክዛይድ ክኢሉ’ዩ።
ልክዕ ከም ካልኦት ዓይነታት መንሽሮ ካብ 15 ክሳብ 40 ዓመቶም ሰባት በዚ ሕማም ምስ ዝጥቅዑ፡ ዝለዓለ ናይ ምሕዋይ ተኽእሎ ኣለዎም።
ብሓፈሻ ግን ምስ ትሕተ ቅርጺ ትካላት ጥዕናን ቀረብ መኣዛዊ መግብን ብምትሕሓዝ፡ ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ዝርከቡ ሰባት ካብዚ ሕማም ናይ ምሕዋይ ዕድሎም ዝለዓለ’ዩ።
ካብዚ ሕማም ክትሓዊ ትኽእልዶ?
ሕማም መንሽሮ ኣብ መጀመርታ ደረጃኡ እንከሎ እንተተለልዩ ክፍወስ ዝኽእል ሕማም’ዩ።
ደረጃ ሕማምካ ኣብ ዝበጽሐ ደረጃ ይብጻሕ ግን ንዅሉ ኣማሪጺታት ኣለዎ።
ካብቲ ዘሎ ኣማራጺ፡ መጥባሕቲ፡ ኬሞቴራፒ፡ ራድዮቴራፕን ካልእ ዓይነትን ኰይኑ፡ እቲ ሕርያ ኣብ ውልቅኻን ደረጃ ሕማምካን ዝምርኮስ’ዩ።
ደረጃታት ሕማም መንሽሮ
- ደረጃ 1 መንሽሮ - ንእሽተይን ዘየስፋሕፈሐን
- ደረጃ 2 መንሽሮ - ዓቢ ግን ዘየስፋሕፈሐ
- ደረጃ 3 መንሽሮ - ናብ ካበቢኡ ዝርከቡ ‘ቲሹን’ ሰራውር ዕያገንዳ [lymph nodes] ምስፍሕፋሕ ዝጀመረ
- ደረጃ 4 መንሽሮ - ናብ ክፋል ውሽጣዊ ኣካላትና ብምስፍሕፋሕ ተወሳኺ ሕበጥ ክፈጥር ኣብ ዝጀመረ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







