ቡን ምስታይ ንጥዕና ኣካታዒ ዝኾነሉ ምኽንያት

ቡን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ካፌይን ኣብ ዓለም ዝተፈልጠ መድሃኒት'ዩ። ሰባት ነዚ ተፈጥሮኣዊ ምንጪ ካፌይን ዝኾነ ቡን ንዘመናት ክሰትይዎ ጸኒሖም ኣለው።

ይኹን'ምበር ጎናዊ ሳዕቤኑ ጠሚቱ ሕውስውስ ዝበሉ ሓሳበት ክቐርቡ ጸኒሖም።

"ብልሙድ ቡን ሕማቕ ተገይሩ'ዩ ዝውሰድ ነይሩ" ይብል ክኢላ ሜታቦሊዝም ዓለምለኸ ኤጀንሲ መጽናዕቲ መንሽሮ [IARC ] ማርክ ጉንተር።

"ካብ 1980ታት ክሳብ 1990ታት ዝተኻየዱ መጽናዕታት: ቡን ዝሰትዩ ሰባት ንሕማም መትነ-ልባዊ [ካርዲዮቫስኩላር] ተቓላዕቲ'ዮም ዝብል ድምዳመ ነይሩ፤ ካብ ሽዑ ንድሓር ግን ተቐይሩ'ዩ" ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ዝተኻየዱ መጽናዕታት፡ ተመራመርቲ ካብ ኣማኢት ኣሽሓት ቡን ዝሰትዩ ሰባት ዝኣከቡዎ መረዳእታ ከም ዘሎ ይዛረብ።

እንተኾነ እዞም መጽናዕታት እንታይ'ዮም ዝብሉ? ቡን ምስታይከ ንጥዕናና ጠቓሚ'ዶ ጎዳኢ?

Short presentational grey line

ቡን፡ ኣብ ከም ኬክን ዝተጠብሰ ድንችን (ቺፕስ) ዝርከብ መንሽሮ ከስዕብ ዝኽእል ኣብ እዋን ምብሳል ብልዑል ሙቐት ዝፍጠር ኤክራይላሚድ ዝተባህለ ንጥረ ነገር ስለ ዘለዎ ንመንሽሮ ምስ ዘቃልዑ ሓደጋታት ክተሓሓዝ ጸኒሑ'ዩ።

ይኹን'ምበር ብ2016 ዝተኻየደ ዓለምለኸ መጽናዕቲ መንሽሮ: ቡን ልዕሊ 65 ዲግሪ ሴንቲ ግሬድ ብዝኾነ ዋዒ እንተዘይተሰትዩ ንመንሽሮ ከቃልዕ ዝኽእል ንጥረ ነገር የብሉን ክብል ደምዲሙ።

ካልኦት መጽናዕታት'ውን ቡን ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ኣለዎ ኢሎም።

ንኣብነት፡ ገሊኦም ኣብ ሞንጎ ቡን ምስታይን ሕሙማት መንሽሮ ዓብዪ መዓንጣን ዘሎ ዝምድና ዘርእዩ'ዮም።

ብ2017፡ ጉንተር ኣብ ኤውሮጳ ንልዕሊ 16 ዓመታት ቡን ናይ ምስታይ ልምዲ ናይ ዘለዎም ፍርቂ ሚሊየን ሰባት መጽናዕቲ ኣሕቲሙ።

እቶም ብዙሕ ቡን ዝሰትዩ ሰባት ሕማማት ልቢ፣ ወቕዒ ልብን መንሽሮን ናይ ምሕማም ዕድሎም ዝተሓተተ እዩ።

ኣብ ኣሜሪካ ዝተኻየዱ ተመሳሰልቲ መጽናዕትታ'ውን ዘርኣይዎ ውጽኢት ተመሳሳሊ እዩ።

ጉንተር፡ ኣብ መዓልቲ ክሳብ ኣርባዕተ ፍንጃል ቡን ዝሰትዩ ሰባት ካብቶም ዘይሰትዩ ክነጻጸር እንከሎ ዝተሓተ ሕማም ኣለዎም ዝብል ንምርግጋጽ ብዝተገብረ መጽናዕቲ እኹል ስምምዕ ኣሎ ይብል።

ኣብዚ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ሰተይቲ ቡን ምስቶም ፈጺሞም ቡን ዘይሰትዩ ክነጻጸሩ እንከለው ሲጋራ ዘትክኹን ዘይተስተኻኸለ ናይ ኣመጋግባ ስርዓት ዘለዎምን'ዮም።

ኣብዚ፡ እንድሕር ቡን ንሕማማት መንሽሮን ልብን ዘለና ተቓላዕነት ዝንኪ ኮይኑ፡ ሳዕቤን እቶም ንጥዕናና ጎዳእቲ ዝኾኑ ልምድታት ክስዕሮም ይክእል'ዩ ማለት'ዩ።

ስለዚ ረብሓ ቡን ካብ እንግምቶ ንላዕሊ ክኸውን ይኽእል'ዩ።

ዝተቀለወ ቡን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ይኹን'ምበር ኩሎም መጽናዕታት ሓደ ዓይነት መበገስን ውጽኢት ዘረጋግጹ ኣይኮኑን።

ቡን ዝሰትዩ ሰባት ካብቶም ዘይምስታይ ዝመርጹ ብቐሊሉ ንሕዱር ሕማም ዝተቓልዑ ክኾኑ ይኽእሉ'ዮም ይብል ሙሁር ዩኒቨርሲቲ ብሪስቶል ፒተር ሮጀርስ።

እዚ ካብቲ ዘይምዕሩይ ናይ ኣነባብራ ልምዶም ዝብገስ ክኸውን ይኽእል።

ኣብ ቀረባ፡ ብዘይምቁራጽ ቡን ዝሰትዩ ሰባት ንሓደጋ ካሪዲዮቫስኩላር ሕማማት ዘሳጥሕ ልዑል ጸቕጢ ደም ከጋጥሞም ከም ዝስትውዓል ዝገልጹ ሓበሬታታት ወጺኦም'ዮም።

ሮጀርስ ግን እቲ ምስ ቡን ምስታይ ብዝተሓሓዝ ዝመጽእ ልዑል ጸቕጢ ደም ምስ ልዑል ሕማም ካርዲዮቫስኩላር ዝተኣሳሰር'ዩ ዝብል መረጋገጺ የለን ይብል።

ሓደ ጉጅለ መጽናዕቲ ብወገኑ ካፌይን ዘለዎ ቡን ምስታይ ኣብ መጠን ሽኮር ደም ጽልዋ ከም ዘለዎ ይገልጽ።

እዚ ብዩኒቨርሲቲ ባዝ ዝተኻየደ ንኡሽቶ መጽናዕቲ፡ ቡን ድሕሪ ዝተቖራረጸ ናይ ድቃስ ሰዓታት ኣብ ዝህሉ ሰዓታት ንሰብነትና ከመይ ይጸልዎ ዝብል ርእዩ።

ኣብዚ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ሰተይቲ ቡን ንቑርሲ ሽኮር ዘለዎ ቡን ዝሰትዩ ሰባት ምስቶም ቅድሚ 'ቁርሲ' ቡን ዘይሰትዩ ክነጻጸር እንከሎ 50 ሚኢታዊት ናይ ደም ሽኮር ክውስኹ ተራእዩ።

ቡንን ምኻድ ጥንስን

ኣብ እዋን ጥንሲ ካፌይን ዘለዎ ቡን ምስታይ ኣካታዒ'ዩ።

ፈጻሚት ስራሕ ማየርስ ምምኻር ኢስተር ማየርስ፡ 380 መጽናዕታት ዝተንተነት ኮይና፡ ንኣባጽሕ ኣብ መዓልቲ ኣርባዕተ ፍንጃን፣ ንነፍሰ ጾር ድማ ሰለስተ ፍንጃል ቡን ምስታይ ዝኾነ ኣሉታዊ ጽልዋ የብሉን ክትብል ደምዲማ።

ይኹን'ምበር ኤጀንሲ ደረጃታት መግቢ: ነፍሰ ጾርን ዘጥቡዋን ኣዴታት ኣብ መዓልቲ ካብ ሓደ ወይ ክልተ ንላዕሊ ክሰትያ ኣይምዕድን።

ኣብዚ ዓመት ድማ፡ ሰብ ሞያ ነቶም ቅድም ኢሎም ዝተኻየዱ መጽናዕታት ብምምርማር ነፍሰ ጾር ደቂ ኣንስትዮ ሓደጋታት ምኻድ ጥንሲ ወይ ምውት ከምኡ'ውን ትሑት ዓቐን ዘለዎ ህጻን ምውላድ ንምውጋድ ቡን ምስታይ ጠጠው ከብላ ኣለወን ኢሎም ደምዲሞም።

ጸሓፊትን ክኢላ ስነ ቑጠባን ኢምሊ ኦስቴር ብወገና "እቲ ዓብዪ ስግኣት ካፌይን ምጥቃም ምስ ምኻድ ጥንሲ ስለ ዝተሓሓዝ'ዩ፤ ብፍላይ ድማ እተን ናይ መጀመርታ ሰለስተ ኣዋርሕ" ትብል።

እንተኾነ ብፍሉይ ነዚ ዝጥምት ሰነድ ከም ዘየለ ብምሕባር ካብ ናይ ትዕዝብቲ መረዳእታ ተበጊስካ ድምዳመ ምሃብ እሙን ኣይገብሮን ኢላ።

"ኣብ እዋን ጥንሲ ቡን ዝሰትያ ደቂ ኣንስትዮ ብዕድመ ዓበይቲ ናይ ምዃንን ሲጋራ ናይ ምትካኽን ሰፊሕ ዕድል ኣለወን። ዕድመን ምትካኽን ድማ ምኽንያት ልዑል መጠን ምኻድ ጥንሲ ምዃኖም ንፈልጥ ኢና" ኢላ።

ወሲኻ "እቲ ኻልኣይ ጉዳይ ኣብ መጀመርታ ናይ ጥንሲ እዋናት ስግድግድ ዝብለን ደቂ ኣንስትዮ ነዚ ናይ ምቅላዕ ዕድለን ዝተሓተ'ዩ። እዚን ክሕመን እንከሎ ቡን ምስታይ'ውን የወግዳ። ስለዚ ብዙሓት ኣብ እዋን ጥንሲ መግብን ካልእን ናይ ምጽላእ ባህሪ ዘርእያ ደቂ ኣንስትዮ ዘጋጥመን ምኻድ ጥንሲ ትሑት'ዩ" ክትብል ተረድእ።

ኦስቴር፡ ኣብ መዓልቲ ክልተ ወይ ኣርባዕተ ፍንጃል ቡን ምስታይ ሓደጋ ምኻድ ጥንሲ ዝውስኽ ኣይመስልን ትብል።

ቡን ብትኩሱ ዝስተ እንተኾይኑ ነቀርሳ መንሽሮ ክኸውን ይኽእል

ምንጪ ስእሊ, Paul Taylor/Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቡን ብትኩሱ ዝስተ እንተኾይኑ ነቀርሳ መንሽሮ ክኸውን ይኽእል

ቡን ከም መንሽሮን ምኻድ ጥንስን ዝበሉ ጸገማት ጥዕና ከስዕብ ይኽእል'ዩ ካብ ዝብሉ ስግኣታት ብተወሳኺ ኣብ ሓንጎልናን ናይ መትኒ ስርዓትን ጽልዋ ከም ዘሕድር ይግለጽ።

ገለ ሰባት ሙሉእ መዓልቲ ቡን እናሰተዩ ክውዕሉ ይኽእሉ፤ ገሊኦም ግን ሓንቲ ግዜ ምስ ሰተዩ ስምዒታት ምጭንናቕ ወይ ሻቕሎት ክስምዖም ከም ዝኽእል መጽናዕታት ይጠቕሱ።

ኣብ ሰረት ወለዶና [ጂን] ዘለው ኣፈላላያት ክልተ ሰባት ብኸመይ በቲ ካፌይን ክጽለው ይኽእሉ ዝብል ክፈላለ ምኽንያት ኮይኖም'ዮም ይብሉ።

ማዬርስ ግን "ካፌይን ንዝተፈላለዩ ሰባት ዘሕድሮ ጽልዋ ካብ ምንታይ ዝብገስ'ዩ ዝብል ብዝግባእ ኣይርድኣናን" ኢላ።

ሕጂ ግን ስሩዓት ሰተይቲ ቡን ንዝኾኑ ሰባት ጽቡቕ ዜና የለን።

"መዓልታዊ ሰብነትና ካፌይን ምውሳድ ክለምድ እንከሎ ሰብነትና ስሩዕ ስርሑ ንክሰርሕ ኣብቲ ካፌይን ጽግዕተኛ ይኸውን'ዩ ዝብል ስነ ልቦናዊ ለውጥታት ይፍጠር'ዩ። ቡን ምስታይ ስራሕ ኣብ ናይ ምስራሕ ብቕዓትና ጥቕሚ የብሉን" ክብል ሮጀርስ የረድእ።

ካፌይን ንረብሕኦም ክውዕሉ ዝገብሩ ሰባት፡ እቶም ብተኸታታሊ ዘይሰትዩ ሰባት ምዃኖም ድማ ይዛረብ።

ብኻልእ ሰባት፡ ውሉፍ ቡን ኮይነ ወይ ኮይንኪ ኢሎም ከባጭዩ ይስትውዓል፤ እቲ ሓቂ ግን ብዝተወሰነ መልክዑ ጽግዕተኛ ኮይኖም'ዮም ይብል።

ቡን ዝሰትዩ ሰባት ከስተውዕሉዎ ዝግባእ ይብል ሮጀርስ፡ ካብቲ ልምዲ ምውጻእ'ዩ።

"ዝኾነ ኣብ መዓልቲ ቁሩብ ፍንጃል ወይ ቢኬሪ ዝሰቲ ሰብ ናይ ካፌይን ጽግዕተኛ'ዩ። ነዚኦም እቲ ቡን እንተኣሕዲግኻዮም ናይ ድኻም ወይ ርእሲ ሕማም ክስምዖም ይኽእል" ክብል የረድእ።

እዞም ሓደ ሰብ ክንደየናይ ሰታይ ቡን ምዃኑ ዘርእዩ'ዮም።

እዚ ግን እቲ ካፌይን ክሳብ ፍኹስ ዝብለሎም ስለ ዝኾነ ንሰለስተ መዓልቲ ወይ ንሰሙን ዝጸንሕ ባህሪ ምዃኑ ሓቢሩ።