ቡን፡ መንካዕ ዝጠዓመቶ ቡን ልዑል ጠለብ ይረክብ ኣሎ ተባሂሉ

መንካዕ ዝተባህለት ዑፍ ዝጠዓመቶ ቡን ብውሉፋት ቡን ልዑል ጠለብ ይረክብ ኣሎ ተባሂሉ።
እቶም ዝጠዓምዎ ከም ዝብልዎ፡ መንካዕ ዝጠዓመቶ ቡን፡ ፍሉይ ላዛን መቐረትን ኣለዎ።
ብሰንኪ'ዚ ድማ፡ ዋጋ ናይቲ ቡን ልዑል ናህሪ ከም ዘርኣየ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ዘውጽኦ ጸብጻብ ሓቢሩ።
ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ ዋጋ ናይቲ 'ቦርቦን ፖይንቱ' ዝተባህለ ኣብ ማእከላይ ዞባ ሃገረ ማደጋስካር፡ ኣውራጃ ኢታሲ ዝበቁል ቡን፡ ንፍርቂ ኪሎ ግራም $110 ዶላር በጺሑ'ሎ።
እዚ ማለት ድማ፡ 50 ዕጽፊ ናይቲ ልሙድ ቡን ከምዝኾነ ተገሊጹ።
"ፍሉይ'ዩ" ክብል ሓደ ኣብቲ ከባቢ ሆቴል ዝውንን ቤልጂማዊ፡ ነቲ መንካዕ 'ዝባረኸቶ' ቡን ይገልጾ።
"ጣዕሚ ናይቲ ልሙድ ቡን፡ ድሕሪ ክልተ ደቂቕ ኢኻ ትርስዖ፡ እዚ ቡን'ዚ ግን ኣብ ኣፍካ ንነዊሕ እዋን'ዩ ዝጸንሕ" ይብል ሮናልድ ቫን ደር-ቫይከን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብእንስሳታት ዝተሓሰነ (ዝተቓመመ) ቡን እዚ ናይ መጀመርታ ኣይኮነን።
ኣብ ደቡባዊ ኤስያ፡ ሓደ ካብ ቀልቀል (ፍታን) ሓኽሊ ድሙ ዝተኣርየ 'ኮፒ ሉዋክ' ክቡብ ክኸውን ኪኢሉ'ዩ።
ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ታይላንድ ካብ ቀልቀል ሓርማዝ ዝተኣርየ ቡንን፡ ናይ ኮስታ ሪካ 'ቡን መንካዕ'ን ካብቶም ፍሉይ ጣዕሚ ዘለዎም ምዃኑ ክዝረበሉ ዝጸንሐ'ዩ።
ኣየናይ ትመርጹ፡ ንዓኹም ገዲፍናዮ ኣሎና!




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







