እነይ ዘውዱ ብሓገዝ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ዝሐሸ ናብራ ጀሚረን

ናብ እንዳ ጀወርግስ መቐለ ዝደየበ ሰብ እታ ከተማ ኩልዕ ኢላ ትረአዮ። ኩማ እንዳ ጀወርግስ ገዛኢ ቦታ ኰይኑ ብዙሕ የርእየካ። እቲ ከባቢ ብተነፃፃሪ ሓምለዋይ ዝለበሰ ክፋል ከተማ መቐለ እዩ። መቸስ እንዳ ጀወርግስ በቲ ተሓንፂፅዎ ዘሎ ማስተር ፕላን ምስ ተሃነፀ ዝያዳ ንናብራ ተሃራፊ ስፍራ ከምዝኸውን ምግማቱ ኣይከብድን።
ኣብ ኩማ እንዳ ጀወርግስ ኣብ ሓንቲ ብኖራ ዝተለበጠት ፀባብ ኣጉዶ ዝነብራ ወላዲት ኣለዋ። እነይ ዘውዱ ኣረጋዊ ይበሃላ።
ፀብሒ ፆምን ስዕረትን ኣማሪፁ ዝበልዕ ሰብ ኣብ ዝርከበላ ከተማ መቐለ፡ ንሰን መሕደሪ ትንፋስ ድጋም ንቑፅ እንጀራ ብወራዲ ማይ ጠሚዕን፣ በሊዐን፣ ተመስገን ኢለን ብርከን ምስ መንከሰን ኣራኺበን ይሓድራ።
ኣብ እንዳ ጀወርግስ ኣብታ እነይ ዘውዱ ተጨቢጠን ዝነብራላ ኣጉዶ፡ሰንበት መፀት ወጃዕ እናበሉ ፅራይ ስዋ ዝሰትዩ ሰባት ድማ ኣለዉ። እቶም ሰባት ሓደ መዓልቲ እነይ ዘውዱ ጨው ብማይ በፅቢፀን እንጀራ ጠሚዐን እንትበልዓ ብኣዒንቶም ርእዮም ደንገፁ። ካብ መንጐ እቶም ሰተይቲ ውሱናት መናእሰይ ካብቲ ንስዋ እነውጽኦ ገለ ኣቕራሽ ኣታሪፍና ንወላዲትና ዘይንሕግዝ እንትብሉ መኸሩ። ከምታ ዝበልዋ ድማ ገበሩ። ዘዘለዎም ፈይ እናበሉ እነይ ዘውዱ ኣብ ጐልጐል ተደርብየን ምስ ኣራዊት ከይሓድራ ነታ ኣጉዶ ንወርሒ 500 ቕርሺ ብምኽፋል ተኻርየን ይነብራ ኣለዋ።

እነይ ዘውዱ ኢድ እቶም መናእሰይ እናቋመታ ኣብ ዘይመለአ ድማ ስለ ወላዲት ኣምላኽ እናበላ ሳንቲም ጓል ሳንቲም ኣዋህሊለን ድጋም እንጀራ በሊዐን ውዒለን ይሓድራ። ናይ ቀረባ ቤተሰብ የብለንን። ሓንቲ ጓል ትሃልወን እንበር ብዙሕ ቅርርብ የብለንን።
እነይ ዘውዱ ንቑፅ እንጀራ ይርከባ ኣይርከባ ፀሊም ቡን ካብ ምስታይ ግን ኣየቋርጻን። "ቡን እዩ ቀለበይ" እየን ዝብላ። ቡን ሰትየን መዓንጠአን ተዓፂፈን ይውዕላ። እቶም መናእሰይ ከዓ ገንዘብ ካብ ምውፃእ ሓሊፎም ሓዊ ኣጉዶምስ ቡን እውን ይወቕጡለን።
ህይወት ከምኣ እናበለት ትቕፅል፤እነይ ዘውዱ እውን ይነብራ ኣለዋ።
ኣብ መፋርቕ ወርሒ ታሕሳስ ቢቢሲ ትግርኛ ዛንታ እነይ ዘውዲቱ ብቪድዮ ሰኒዱ ኣቕረበ። ሻቡ ፍጥረት ኣዳመሄዋን ሓዘነ። እነይ ዘውዱ መግለፂ ሕሱም ድኽነት ኰይነን ቀረባ። ብዙሓት ብርኮም ዝጠለሞም ወለዲ ከም እነይ ዘውዲቱ ረዳኢ ስኢኖም ክህልዉ ከምዝኽእሉ ሓደን ክልተን የብሉን። ግን ከ ከርፋሕ ናብራ ብዙሓት ናብ ሓንቲ መረባዕ ድንን ኢልካ ኣቲኻ እዩ ዝፍተሽ። ኣብ እንዳ እነይ ዘውዱ እኮ ካብ ላኻ ዝተሰርሐ መሶብ ኣሎ። መሶብ ከፊትካ ግን ሓንቲ እሞ ድማ ዝዓሰወት ባኒ ኢኻ ትረክብ።
ኮታስ እቲ ዛንታ ምስ ቀረበ፡ፍጥረት ሰብ ኣብ መቐነቱ ካብ ዝቛፀሮ ዘዝዓቕሙ ገንዘብ ምልኣኽ ጀመረ። ሕሳብ ባንኪ ተኸፊቱለን ኣብ ውሽጢ ዝተወሰነ እዋን ልዕሊ ሓደ ሚኢቲ ሽሕ ብር ተዋህሊሉ።
ብዙሓት ሰባት ብናይ ጐረቤት ስልኪ ደዊሎም "ኣጆኽን ደጊም እንጀራ ብፀብሒ ክትበልዓ ኢኽን" እንትብሉ ሓቦን ኒሕን ኣስነቕወን። ብርክት ዝበሉ ብኣካል ናብ ገዝአን ከይዶም ሓተትወን።
ኣሰፉ ግርማይ ትበሃል ጐረቤተን ንዘዝተልኣኸ ሓገዝ ተታሓባብር። ዳርጋ ናብራ ገዝኣ ገዲፋ ንዐአን ትሕብሕብ። ገንዘብ ተቐቢላ ናብ ባንኪ ተእትው፤ ብእኽሊ ተዓዲጉ ዝመፀ ሓገዝ ኣጥሒና ትቕርበለን።
ሎሚ እንዳ እነይ ዘውዱ ማይን ሕሩጭን ይጨንው'ሎ። እነይ ዘውዱ ልደት ደም ኣፍሲሰን ውዒለን። ንኣውደኣመት መውዐሊ ተባሂሉ ዝተልኣኸለን በጊዕን ደርሆን ተቛዲሰን።
መቸስ ሰብኣውነት ዶብ የብሉ፤ዓሌትን ሕብርን ኣይፈልን። ፍጥረት ሰብ ሕሱም ተፀጊሙ ዝሰመዐ ኩሉ "እንታዋይ ከ እዩ?" እንተይበለ ኢዱ ይሓውስ። ካብዚ ብምብጋስ እነይ ዘውዱ ብኢትዮጵያውያን ጥራሕ ኣይኰናን ዝሕገዛ ዘለዋ። ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ነቲ ጉድ ምስ ሰምዑ ገንዘብ ልኢኾምለን። ክሳብ ብኣካል መፂኦም ኣጆኽን ኢሎም መውዐሊ ኣውደኣመት ወፍዮምለን።

ሶልያና ታደለ ኣብ እንዳ ጀወርግስ መቐለ ተወሊዳን ዓብያን። ንእነይ ዘውዱ ከምዚ ሎሚ ተለኹሲሰን ኣይኰነትን ትፈልጠን። ምስ ብርከንን ወዘንን እንተለዋ ኣርኪባትለን እያ። ኣዲስ ኣበባ "እነይ ዘውዱ ገፅ ሰብ ይርእያ ኣለዋ" ሰሚዓ ምሒር ሓዚና። ንሳ ዝከኣላ ምስ ሓገዘት ካልኦት እውን ክሕግዙ ኣወጀት። ከም ኣጋጣሚ ኣብ ማሕበረሰባዊ ሚድያ ብዙሓት ኤርትራውያን መሓዙት ኣለውዋ። እቶም ኤርትራውያን እምበኣር ብመንገ
ዲ ሶልያናን ሓፍታ መብራት ታደለን ኣቢሎም እዮም ምሕጋዝ ጀሚሮም።
ሶልያና ዝተልኣኸ ገንዘብ ተቐቢላ ብእምነት ናብ ባንኪ ብምእታው ትተሓባበሮም ኣላ። ብምኽንያት ውልቃዊ ጉዳያ ናብ መቐለ መፂኣ ተራኺብና። ሶልያና ሽሕ እኳ እነይ ዘውዲቱ ብጥምየት ተሓሊኸን፤ብድኽነት ዘይንሰን መሲለን እንተረኸበተን፤በቲ ዝግበረለን ዘሎ ሓገዝ ግን ተሓቢና። "ብፍላይ ኤርትራውያን ኣሕዋተይን ኣሓተይን ዝገብርዎ ዘለዉ ሓገዝ ዚያዳ ኰሪዔ" ብምባል ብስም እነይ ዘውዱ ምስግና ኣቕሪባ።
እንተ እነይ ዘውዱ ፃዕዳ ጥልፊ ለቢሰን መርዓት ቆላ መሲለን። ንዝረደአን ኩሉ ወግሐ ፀብሐ ክምርቓ ዳርጋ ሎምስ ምርቓ እውን ዝወሓደን ይመስላ። "ንእስነትኩም የምንኹም፤ብደቅኹም ተሓጐሱ፤ንዓድኹም ድማ ይምለስኩም" ብምባል ዘረበአን ብምርቓ ዛዚመን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







