ክውንነት 'ወጻኢ' ምስ ትጽቢታት ክራጸም ይኽእል'ዩ

ሚኪኤል በረኸት

ምንጪ ስእሊ, Michael Bereket

መግለጺ ስእሊ, ምስቲ ዝጸንሓካ ሓድሽ ባህሊ ምርጻም ዘስዕቦ ጭንቀት ቀሊል ኣይኮነን

ናብራ ምዕራባዊ ዓለም ከምቲ ኣብ ፊልምታት ሆሊዉድ ዝርእዮዎ ዘብለጭልጭን ተድላን ሓጎስን ዝመልኦ መሲልዎም ናብ ስደት ዘምርሑ መንእሰያትን ዓበይትን ብዙሓት'ዮም። ናብ ኤውሮጳ መጺኦም ትጽቢቶምን ኣብ ባይታ ዝጸንሖም ኩውንነትን ዝተራጸሞም መንእሰያት ሚኪኤል በረኸትን ሳምሶም ሃይለን ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት እዮም።

"ኣብዚ ሃገር ክሳብ ንበጽሕ፡ ኣብ መንገዲ ብዙሕ ሰብ ክጠፍእ ከሎ ርእየ'የ። ኣብቲ ዝደልዮ ባታ ምስ በጸሐ ዝጠፍእ ሰብ'ውን ኣይወሓድን። ካብ ምሒር ተስፋ ሙቕራጽ ዝተላዕለ፡ ገሊኡ ኣብ ድራግ፡ ገሊኡ ኣብ እንዳ ቑማር ኣትዩ ዝጠፍእ ኣሎ፡" ይብል ሚኪኤል በረኸት።

ሚኪኤል ሓደ ካብቶም ካብ ኤርትራ ብኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ሊብያን፡ ጥልያንን ፈረንሳን ኣቢሎም ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝኣተዉ መንእሰያት'ዩ። ኣብዚ ሕጂ ኣዋን ናይ ህንጻ ሰራሕተኛ ኮይኑ ኣብ ከተማ ለንደን ይዓዪ'ሎ።

"እምበር'ዶ ጽባሕ ንግሆ ሰብ ክንከውን ኢና ዝበልኩሉ እዋን ኔይሩ ካብ ዓቕሊ ጽበት ዝተላዕለ፡" ይብል ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ምስኣተወ ዘጋጠሞ ተነጽሎን ብድሆ ሂወትን ኪገልጽ ከሎ።

"ቋንቋን ባህሊን ናይ'ዚ ሕብረተሰብ ዘይምፍላጥ ንባዕሉ እቲ ዝኸበደ ነገር ኔይሩ ነዓይ፡ ጸማም እየ ኮይነ፡ ብሰንኪ ዘጋጠመኒ ናይ ባህሊ ቀውሲ፡ ለይቲን ቀትርን እስንብድ ኔይረ፡" ይብል ወሲኹ ሚኪኤል።

ዝነበሮ ትጽቢትን ዘጋጠሞ ሓቂን ከመይ ከምዝነበረ ክገልጽ ከሎ ሚኪኤል፡ "ብጣዕሚ'የ ሰንቢደ ናብ'ዚ ምስ ኣተኹ፡ ንዓይ ኣዝዩ ከቢድ ኮይኑ ረኺበዮ፡ ዝተጸበኽዎን ዝጸንሓንን ነንበይኑ ኮይኑ፡ ሰማይን ምድርን እዩ። ካብ ዓድኻ ወጺእካ ክብረት የለን፡ ከም ዓድና ጌይሩ ዝጥዕም የለን።

"ቀሊል ኮይኑ ኣይረኸብናዮን። ኤውሮጳ ገነት መንግስተ ሰማይ ኮይኑ'ዩ ዝስመዓኒ ኔይሩ። ምስ መጻእና ግና ምስ ዘይነፈልጦ ሕብረትሰብ ተራጺምና፡ ስራሕ ኣቲኻ ክትዕወት ማለት ከቢድ'ዩ፡" ይብል ሚኪኤል።

"ካብ ገዛኻ እንተ ወጺእካ ጥዑም ናብራ የለን እየ ዝብል። ምስ ዘይንፈልጦ ባህልን ሕብረተሰብን ኢና ተራጺምና። ኣይኮነን'ዶ ቋንቆኦምን ባህሎምን ዘይትፈልጦም ምስቶም ቋንቋና ዝዛረቡ ጎረባብትና ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ዝነብረናሉ ንቁሩብ ግዜ እኳ ኣንተኾነ ተጸጊምና ኔርና:" ይብል ነቲ ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ከሎ ዘጋጠሞ ብድሆታት ህይወት ስደት ኪገልጽ ከሎ።

ኣብተን ዝሓለፈን ናይ ስደት ሃገራት ዝተዓዘቦ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ህይወት ሪእዩ ከምዝሓለፈ ዝገለጸ ሚኪኤል ኣብ በዓል ጥልያን ብዙሓት ሰባት ኣብ ፈቐዶ ጎደናታት ተደርብዮም ግዳም ሓደር ኮይኖም ቁሪ ኪውቅዑ ከሎዉ ከምዝረኣየ ይምስክር። በዚ ድማ ኣዝዩ ከምዝሓዘነ ይገልጽ።

"ሰብ ካብ ገዝኡን ሃገሩን ኣንተወጺኡ ጥዑም ናብራ ክነብር ማለት ዘይሕሰብ እዩ: ኣብዚ ዘለኽዎ ሃገር ግዜ የብልካን ኩሉ ሸበድበድ ናብራ'ዩ። ማሕበራዊ ናብራ የለን: ናይ ስድራ ግዜ የለን:" ይብል ህይወት ዓዲ ኣንግሊዝን ዝዓበየሉ ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ከነጻጽር ከሎ ሚኪኤል።

"ስደት ጽቡቕ ኣይኮነን፡ ከምዛ ኣነ ዝሓለፍክዋ ክትሓልፉ ኣይደልየኩምን እየ። ዓቕሊ ጌርኩም ሂወትኩም ብሰላም ንበርዋ እየ ዝብል፡ ኤውሮጳ ገነት ኣይኮነን፡ እሾኽ እዩ። ሰብ ብሰንኪ ስደት ኣብ ክንደይ ንህይወት ዘበላሽዉ ነገራት ኣትዩ ኣሎ። ህይወት ስደት ብዙሕ ትዕግስቲ ዝሓትት እዩ፡" ኢሉ ነቶም ኣብ ዓዲ ዘለዉ መንእሰያት ይምዕድ፡ ሚኪኤል።

ሳምሶም ሃይለ

ምንጪ ስእሊ, Samsom

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ስደት ጽምዋ'ውን ኣሎ

ሳምሶም ሃይለ ብወገኑ ብ2006 ብሊብያ ኣቢሉ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝኣተወ መንእሰይ እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ተምሃራይ ማስተርስ ዲግሪ ኮይኑ ብኣህጉራዊ ንግዲን ፊናንስን ከጽንዕ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሳውዝባንክ ይርከብ ኣሎ።

"ኣማራጺ ኣይነበረንን፡ ብሊብያ ኣቢለ ክመጽእ ወሲነ፡" ይብል በየን ከምዝመጸ ናብ ዓዲ ኣንግሊዝ ክሕብር ከሎ።

"እቲ ጉዕዞ መንገዲ፡ እቶም ደላሎ ዝብሉኻን ኣብ ባይታ ዝጸንሓካ ሓቅን በበይኑ'ዩ። ምስ ጀመርካዮ ግና ምርጫ ስለዘይብልካ ከምዝሕለፍ ሓሊፍናዮ፡" ይብል ክብደት ናይ'ቲ ጉዕዞ ስደት ዝመጾ ክገልጽ ከሎ።

"ኣብ ዓዲ ኾይነ ብዛዕባ ኤውሮጳ ክሓስብ ከሎኹ ከምቲ ኣብ ሆሊዉድ እንርእዮ ዝነበርና ፊልሚታት ይመስለኒ ኔይሩ ። ኣብዚ መጺኤ ምስ ረኤኽዎ ትጽቢተይ ሰማይን ምድርን ኮይኑ ጸኒሑኒ። ዳርጋ መንግስተ ሰማይ ጌይረ ዝስእለሉ እዋናት ኔይሩ፡" ይብል ዘጋጠሞ ምርጻማት ሓቂ ኪገልጽ ከሎ።

ኣብ ሞንጎ ኤርትራን እዛ ዝነብረላ ሃገርን ዘሎ ለውጢ ከነጻጽር ከሎ ሳምሶም "ቦታ ኢና ቀይርና እምበር: ፍልልይ የብሉን። ምስ ናይ ዓድና ህይወት ኣዛሚድካ'ሲ ሰማይን ምድርን እዩ። ስደት ቀሊል ኣይኮነን ዓዲ ጓና'ዩ። ካብ ሕብረተሰብ ወጺእካ ኪትነብር ከሎኻ ከቢድ እዩ" ይብል።

ኣብ ዘይትፈልጦን ባህልን ሕብረተሰብን መጺኣካ ብቐሊሉ ክትወሃሃድ ክትኽእል ከቢድ ምዃኑ ዝገለጸ ሳሚ፡ ኣብዛ ዝነብረላ ዘሎ ሃገር ጉዳይ መነባብሮ ቀሊል ከምዘይኮነ፡ መጽለሊ ኣባይቲ ክትረክብ ዘሎ መከራ፡ ናይ ስራሕ ዕድላት ብቀሊሉ ከምዘይርከቡን ወሲኹ ይገልጽ።

"ናይ'ቲ ትነብረሉ ሃገር ስርዓትን ቅዲ ኣነባብራ ህይወትን ዘይምፍላጥ ካብቶም ቅድሜኻ ዝጸንሑ ስደተኛታት ደቂ ዓዲኻ ሓጋዚ ሓበሬታ ስለ ዘይትረክብ፡ ብቀሊሉ ብዙሕ ብድሆታት እዩ ገጢሙኒ ይብል ሳሚ ነቲ ፈለማ ዝኣተወሉ እዋን ዝሓለፎ ኺገልጽ ከሎ።

ካብ'ቶም ኣዝዮም ፈለማ ዘጸገምዎ ነገራት ክትንትን ከሎ ሳምሶም "መደቀሲ ገዛ ክረክብ ኣዝዩ ኣሸጊሩኒ ኔይሩ ፈለማ። ካብ ሎንዶን ወጻኢ ኣብ ሆስተል ን4 ኣዋርሕ ድሕሪ ምጽንሐይ ገዛ ረኺበ፡ ብድሕሪኡ ድማ ጽምዋ በርቲዑኒ ናብቲ ሓበሻና ብብዝሒ ዝነብሩሉ ቦታ ክግዕዝ ተገዲደ፡" ይብል ሳምሶም።

"ናብ ስደት ምምጻእ ከምቲ ኣብ ዓድና ኴንካ እትስእሎ ከምዘይኮነ ክርዳእ ኪኢለ፡ ምስ ግዜ ግና ምውህሃድ ይመጽእ፡ ዓቕሊ ምግባር ድማ የድሊ፡" ይብል።

መንእሰይ ሳሚ ሃይለ ካብ ኣስመራ ክወጽእ ከሎ ናይ 2ይ ዓመት ዩኒቨርሲቲ ተመሃራይ ኮይኑ'ኳ ኣንተወጽአ ናብዚ ሃገር ምስ ኣተወ ግና ናብ ኮለጅ ክመሃር ንድሕሪት እዮም መሊሶምኒ ይብል።

"ክልተ ዓመት ኣብ ኮለጅ ድሕሪ ምምሃረይ ናብ ዩኒቨርሲቲ ኣትየ ብድሕሪኡ ብ 2011 ምስ ተመረቕኩ ስራሕ ብቐሊሉ ክረክብ ኣይከኣልኩን፡" ምስ በለ፡ ቀጺሉ፡ "ምስ'ቶም ደቂ ዓዲ ተወዳዲርካ ነታ ዝወጸት ምልክታ ስራሕ ኪትዕወት ኣዝዩ ጸቢብ ዕድል እዩ ዝሎካ። ንሓንቲ ስራሕ ልዕሊ 1000 ሰባት እዮም ዝወዳደሩላ። ነዚኦም ስዒርካ ኪትዕወት ከቢድ'ዩ፡" ይብል።

ኣብ መወዳኣታ ሳምሶም፡ ነቶም ኣብ ዓድና ዘለዉ መንእሰያት ክምዕድ ከሎ፡ "እቲ ኣብ ዓድና ዘሎ ሃዋህው ዋላ'ኳ ከቢድ እንተኾነ፡ግና ኣብኡ ይሓይሽ፡ ኣብ ዓድኻ ክብረት ኣሎዎ፣ ነቲ ዘሎ ዕድላት ተጠቐምሉ እብል።"

ኣብዚ ዘሎ ህይወት ክሳብ መጺእካ ትርእዮ የዕሽወካ'ዩ፡ ስለዚ ኣብ ዓድኹም ኴንኩም ተማሂርኩም ብዝለዓለ ኣፍርዩ እየ ዝብል።" ነቶም ኣብ ስደት ዘሎዉ ድማ "ካብ መጻእካ ዘይምሕማቕ'ዩ፡ ብትምህርትን ስራሕን ክደፍኡ ናይ ዕላማ ሰባት ክኾኑ እላቦ፡" ይብል ሳምሶም ሃይለ።