ናይ ኢትዮጵያ ቡን ንሓደ ፍንጃል 65 ዶላር ንኪሎ ድማ 330 ዶላር ክሽየጥ ዝገበረ ውድድር

ታምሩ ታደሰ

ምንጪ ስእሊ, USA EMBASSY

ካፕ ኦፍ ኤክሰለንስ ውድድር ቡን እዩ። ንዝሓለፉ 20 ዓመታት እዚ ውድድር ኣብተን ቀንዲ ቡን መፍረይቲ ዝኾና ሃገራት ይካየድ ነይሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ክካየድ ጀሚሩ። እዚ ካብቲ ብዝተፈላለየ ዓይነት ዝፈሪ ቡን እቲ ዝሓሸ መሪጽካ ናብ ዓለምለኻዊ ጨረታ ብምቕራብ ንዓበይቲ ዓደግቲ ንምሻጥ ዕላማ ዝገበረ እዩ።

ብተወሳኺ ድማ ሓረስቶትን ኣብ ሓደ ሃገር ዘለዉ ፍሉይ ጣዕሚ ዘለዎም ቡን ዘፍርዩን ክፍለጡ ዝዓለመ እዩ፡፡

"ኩሉ ዕባይ ሲዳማ ቡን ኣጸቢቑ እዩ ዝፈልጥ'

ታምሩ ታደሰ ኣብ ክልል ሲዳማ ኣብ እትርከብ ቀጠና ዝተባህለት ጣብያ ተወሊዱ ዓብዩ፤ ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ምስ ቡን ዝተሓሓዝ ስራሕ ምስራሕ ዝጀመረ ግን ቀረባ እዋን እዩ፡፡

ብዛዕባ ቡን ኣጸቢቑ እዩ ዝፈልጥ፡፡

"ኩሉ ዕባይ ሲዳማ ብዛዕባ ቡን ኣጸቢቑ እዩ ዝፈልጥ፡፡ ይሰምዕ እዩ፤ መብዛሕትኡ ናይቲ ከባቢ ቡሰብ ከኣ ቡን እዩ ዝነግድ’’ ይብል፡፡

ታምሩ፡ ምሩቕ ኤሌክትሪካል ኢንጂነሪንግ ኮይኑ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ደብረ ብርሃን ክምህር ጸኒሑ፤ ናይ ካልኣይ ዲግሪ ትምህርቱ ንምክትታል ናብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ምስ ኣተወ፡ጎና ጎኒ ቡን ሰደድ ኣብ ዝገብር ትካል ተቖጺሩ፡፡

‘‘ካልኣይ ዲግሪ እናተምሃርኩ ጉካ ዋቀዮ ኣብ ዝበሃል ትካል ተቖጺረ 6 ዓመት ሰሪሐ፡፡ ብዛዕባ ቡን ሽዑ እየ ፈሊጠ’’ ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡

ብዛዕባ ናይ ቡን ስራሕ ኣፍልጦ ምስ ረኸበ ቀጻሊ ስጉምቲ ናይ ባዕሉ ትካል ኣጣይሱ ምስራሕ ነይሩ፡፡ ቅድሚ ሓደ ዓመት ድማ ሓሳቡ ሰሚሩ ናይ ባዕሉ ትካል ከፊቱ፡፡

ነቲ ስራሕ ንምስራሐ ናይ ቡን ሕርሻ ክትውንን ግድን ኣይኮነን፡፡

‘‘ናይ ቡን ሕርሻ የብለይን፤ ሓረስቶት እዮም ዘቕርቡልና። ዝተፈላለየ መጠን ዘለዎ ናይ ቡን ሕርሻ ካብ ዝውንኑ 400 ዝኾኑ ሰባት ኢና እቲ ቡን ንእክቦ" ይብል፡፡

ካፕ ኦፍ ኤክሰለንስ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እዩ ኣብ ኢትዮጵያ ተጀሚሩ። ኮሮናቫይረስ ነቲ መስርሕ ኣጸጋሚ እኳ ገይሩዎ እንተነበረ ብዙሓት ሸማቶ ግን ተረኺቦም።

እቲ ውድድር ጥቡቕን ናይ ምሩጻት ምሩጽ ክበሃል ዝከኣልን ነይሩ፡፡

ኣብቲ ናይ ሎም ዘበን ካፕ ኦፍ ኤክሰለንስ 1864 ቡናት ናብ ውድድር ቀሪቦም ነይሮም፡፡

"ካብ ኩሎም ቡን ዘፍርዩ ከባቢታት ዝመጽኡ ኩሎም ተጣዒሞም ዝሓሹ ዝተባህሉ 40 ናብ ሸሞንተ ሃገራት ልኢኽና' ትብል ኣማኻሪት ካፕ ኦፍ ኤክሰለንስ ኢትዮጵያ ቅድስት ሙሉጌታ፡፡

ቀጻሊ ስራሕ እቶም ዓደግቲ ነቶም 40 ቡናት ብጨረታ ክገእዙዎ ምግባር እዩ፡፡

''ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንሓደ ኪሎ ቡን ብ407 ዶላር ተሸይጡ'ዩ፤ እዚ ንናይ ኢትዮጵያ ቡን ዝተኸፈለ ዝለዓለ ዋጋ እዩ። ኣብ ሲዳማ ቡን ዘፍርይ ኣቶ ንጉሴ ገመዳ እዩ በዚ ዋጋ ቡን ሸይጡ" ኢላ።

እቲ ቀዳማይ ዝወጽአ ቡን ሸውዓተ ኽሻ ዝተሸጠ ኮይኑ፡ ሓደ ኽሻ 60 ኪሎ እዩ ዝሕዝ፡፡

ናይ ሎም ዘበን ሰዓራይ እውን ካብ ሲዳማ ኣይወጸን፤ በዓል ተራ ታምሩ ታደሰ እዩ፡፡

ቡን ትጥዕም ዘላ ሰበይቲ

ምንጪ ስእሊ, FINTRAC INC

ወዝቢ ብዛዕባ ውድድር ካፕ ኦፍ ኤክሰለንስ ምስ ሰምዐ፡ ነቲ ውድድር ክዳሎ ተበጊሱ፡፡

‘‘ናይቲ ዝሓለፈ ዓመት ተዓዋታይ መሓዛይ እዩ፤ ንሱ እውን ኣበክርቶ ነይሩዎ’’ ዝብል ታምሩ ነቲ ቡን ኣዳልዩ ናይ ውድድር ጻውዒት ምስ ተገበረ ከም ዝቐረበ ሓቢሩ፡፡

ክልተ ዓይነት ቡን እዩ ሒዙ ቀሪቡ፡፡ ብኽልቲኡ ድማ ቀኒዕዎ፤ እቲ ሓደ ቀዳማይ እቲ ካልእ ሓምሻይ ደረጃ ረኺቦም፡፡

‘’24 ክሻ እዩ ምቕራብ ዝከኣል፡፡ ኣነ እውን ካብቲ ቀዳማይ ዝወጽአ 24 ክሻ እየ ኣቕሪበ፡፡ ሓደ ክሻ 60 ኪሎ እዩ፤ ስለዚ ቀዳማይ ዝወጽአ 1440 ኪሎ እዩ፡፡ እቲ ሓምሻይ ዝወጽአ እውን ብዝሑ ተመሳሳሊ እዩ’’ ኢሉ፡፡

ጽርየት እቲ ቡን ጥራሕ ዘይኮነስ ዋግኦም እውን ተኣምር ዘብል'ዩ። እቲ ቀዳማይ ዝወጽአ ቡን ንኪሎ 330 ዶላር እዩ ተሸይጡ፡፡

"እቲ ንጨረታ ዝቐረበ ኩሉ እቲ 1440 ኪሎ ኣይኮነን፡፡ ንክጥዓም ናብ ብዙሕ ሃገራት እንትላኣኽ፣ ኣብ ምድላው እውን ዝወጽእ ስለ ዘሎ 1140 ኪሎ እዩ ናብ ጨረታ ቐሪቡ፡፡ እቲ ቀዳማይ ዝወጽአ ኣስታት 364 ሽሕ ዶላር እዩ ተሸይጡ፡፡’’

እቲ ሓምሻይ ዝወጸ ድማ 67 ሽሕ ተሸይጡ፡፡

"ብሓፈሻ ክልቲኡ ኣስታት 431 ሽሕ ዶላር እዩ ተሸይጡ፡፡ በቲ ሕዚ ዘሎ ሸርፊ ብሓፈሻ ብከባቢ 19 ሚልዮን ብር እዩ ተሸይጡ’’ ይብል ታምሩ፡፡

ንጣዕሚ ዝተዳለወ ቡን

ምንጪ ስእሊ, FINTRAC INC

ንምንታይ እዮም እቶም ቡናት ብኽንድዚ ዋጋ ዝሽየጡ?

እዚ ናይ ቡን መሸጢ መድረኽ ዝተፈለየ ከም ዝኾነ እትገልጽ ወ/ሪት ቅድስቲ ‘‘ኩሉ ቡን ብከምዚ ዋጋ ኣይሽየጥን’’ ትብል፡፡

‘‘ስፔሻሊቲ (ፍሉይ ጣዕሚ ዘለዎ ቡን) እውን ብኽንድ'ዚ ኣይሽወጥን፡፡ እዚ ውድድር እዩ፤ እቶም ዓደግቲ ኣዐርዩ ዝተፈለየ ቡን ንምግዛእ እዮም ዝወዳደሩ፡፡ ካልእ እቲ ቡን ብኣርባዕተ ደረጃ ኣብ ሸሞንተ ሃገራት ተቐሚሱ እንትሽወጥን ብሓደ ኣፍራዪ እንትሽወጥን ሓደ ኣይኮነን፡፡

‘‘ካልእ ካፕ ኦፍ ኤክሰለንስ ብዙሓት ኣባላት ኣለዉዎ፡፡ ንሳቶም ብዝኣምኑሉ ምንም ምጭብርባር ኣብ ዘይብሉ ዝቐርብ ቡን ስለ ዝኾነ እዩ’’ ክትብል ገሊጻ፡፡

ናይ ታምሩ ቡን ብኸመይ ክፍቶን ዝለዓለ ዋጋ ከውጽእን ክኢሉ?

"እቲ ቡን ካብ ካልእ ቡን ክፍለ ዝኸኣለ ብምኽንያት እቲ ዝፈርየሉ ከባቢ እዩ፤ እቲ ኣየር፣ እቲ ቡን ካብቲ ሓመድ ዝረኽቦ ባእታ ተደሚሩ ፍሉይ ይገብሮ፡፡ ካብቲ ዝቦቐለሉ ቦታ እምበር ንሕና ፍሉይ ዝገበርናዮ ነገር የለን፡፡ እቲ 74158 ን 74165ን ዝበሃል ፈልሲ እቲ ቡን ኣባና ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ኩሉ ኣሎ፤ ኣብ በሪኽ ከባቢ ዝበቁል እዩ፡፡ እቲ ከባቢ እዩ ፍሉይ ዝገብሮ’’ ኢሉ፡፡

እቲ ውድድር ካብ ገንዘብ ብተወሳኺ ተፈላጥነት ክረክብ ከም ዝገበሮ ዝገልጽ ታምሩ፡ ነታ ሃገር እውን ጽቡቕ ዕድል ሒዙ ከም ዝመጽአ ተዛሪቡ፡፡