መጽናዕቲ፡ ጥዑም ሻሂ ንምስታይ ሽኮር 'ኣገዳሲ ኣይኮነን'

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንብዙሓት ዝተለመደ ስርዓት ክኸውን ይኽእል፤ ግን ድማ ናብ ሻሂ ማንካ-ሽኮር ምእታው ግድን ኣይኮነን ይብሉ ኣለው ተመራመርቲ።
ተመራመርቲ፡ ሽኮር ክንክዩን ጠቕሊሎም ከወግዱን ዝተገበሩ ሰባት ብምስታፍ ኣብ ዘካየዱዎ መጽናዕቲ፡ ሽኮር ምግዳፍ ወይ ምንካይ፡ ንሻሂ ዘለካ ፍቕሪ ኾነ ብሻሂ ንእትረኽቦ ርውየት ኣየጉድልን ይብል።
ነዚ መጽናዕቲ ዝገበሩ ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ኮሌጅ ለንደን ክኾኑ እንከለዉ፤ ሻሂ ዝጥቀሙ 64 ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ኣጠቓቕማ ሽኮር ዘለዎም ልምዲ ንሓደ ወርሒ ድሕሪ ምጽናዕ እዮም ነዚ ውጽኢት ገሊጾም።
እቶም ተሳተፍቲ፤ ኣብ ክልተ ጉጅለ ተኸፊሎም፤ ኣብቲ ሓደ ጉጅለ ዘለዉ፡ ሽዑ ንሽዑ ሽኮር ክገድፉ። እቶም ካልኦት ድማ፡ ቀስ ብቐስ ሽኮር ክንክዩ ተገይሮም።
እቶም ቀስ ብቐስ ሽኮር እናነከዩ ክኸዱ ዝተገበሩ ሰባት ኩሎም፡ ካብ ሻሂ ዝረኽቡዎ ርውየት ከም ዘይጎደሎም በቲ መጽናዕቲ ተረጋጊጹ።
ኣብ መወዳእታ እቲ መጽናዕቲ ድማ፤ ካብቶም ቀስ ብቐስ ምጥቃም ሽኮር ዝነከዩ ሰባት፡ እቶም 42 ሚኢታዊት ጠቕሊሎም ሽኮር ምጥቃም ገዲፎምዎ።
ካብቶም ብሓንሳብ ሽኮር ምጥቃም ደው ከብሉ ዝተገበሩ ድማ፡ እቶም 36% ንሓዋሩ ሽኮር ምጥቃም ገዲፎምዎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካብዚ ብምብጋስ እቲ ጉጅለ መጽናዕቲ፡ "ኣብ እትሰትዮ ሻሂ ሽኮር ምንካይ፡ ንሻሂ ዘለካ ፍቕሪ ኣይንክን" ኣብ ዝብል ድምዳመ በጺሑ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







