ዓለም ስለምንታይ ብናይ መግቢ ኣለርጂ ትጥቃዕ ኣላ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዓለም፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ህጻናት ኣለርጂ መግቢ እናኣማዕበሉ ይመጽኡ ኣለው።
ኣብ ብሪጣኒያ ክልተ ቖልዑት ሰሊጥን ፉልን ምስ በልዑ ድሕሪ ዘጋጠመ ሞት፡ ሕዚ ሕዚ ኣብ መግቢ ዝመጽእ ዘሎ ኣለርጂ ኣዛራቢይኸውን ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ምዕራብ ኣውስትራሊያ፡ ጓል ሽዱሽተ ዓመት ህጻን ብምኽንያት ኣለርጂ ጸባን ውጽኢት ጸባን ሞይታ'ያ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ናይ መግቢ ኣለርጂ ኣብ ብሪጣኒያ 7 ሚኢታዊት ህጻናት እንተጥቅዕ ኣብ ኣውስትራልያ 9 ሚኢታዊት በጺሑ ኣሎ። ኣብ መላእ ኤውሮጳ ድማ 2 ሚኢታዊት በጽሒታት ብኣለርጂ መግቢ ይጥቅዑ።
ካብዚ ብምብጋስ መጠን ኣለርጂ ይውስኽ ኣሎ'ኳ እንተዘይበልና፡ ተመራመርቲ ግና ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ኩነታት ብምጽናዕ፡ እቲ ዘጋጥም ዘሎ ኩነታት ከመይ ምምካት ይከኣል ዝብል የጽንዑ ኣለዉ።
ኣለርጂ ብምንታይ ይልዓል?
ኣለርጂ፡ ሕማም ዝከላኸሉ ህዋሳት ዘይጎድኡ ምስ ዝመስሉ ከባብያዊ ጽልዋታት ግድል እንትገጥሞ ዝፍጠር'ዩ።
ሕብሪ ቖርበት ምልዋጥ፣ ምሕባጥን ምቕያሕ ቖርበትን ገለ ምልክታት ኣለርጂ እንትኾኑ፡ ተምላስ፣ ውጽኣት፣ ጸገም ምስትንፋስን ሕርቃንን'ውን ከስዕብ ይኽእል።
ገለ ካብቶም ንህጻናት ኣለርጂ መግቢ ዘምጽኡ ድማ፥
- ጸባ
- እንቋቑሖ
- ፉል
- ሰሊጥ
- ዓሳ'ዮም
ኣብዞም ዝሓለፉ 30 ዓመታት፡ ኣለርጂ መግቢ ብፍላይ ኣብተን ብኢንዳስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት እናዓበየ ዝመጽአ ጸገም ኾይኑ፡ ክንደይ ዝኣክል ዝብል ግና በቶም ጠለባት መግብን እቶም ሕሙማት ኣበይ ይነብሩ ብዝብልን ዝውሰን'ዩ።
ኣውስትራሊያ ግና እታ ዝዓበየ መጠን ኣለርጂ መግቢ ዘለዋ ሃገር ምዃና ሓደ መጽናዕቲ ይሕብር። 9 ሚኢታዊት ቖልዑ ሓደ ዓመት ናይ እንቋቑሖ ኣለርጂ፣ 3 ሚኢታዊት ድማ ኣለርጂ ፉል ዘለዎም ምኻኖም'ውን የመልክት።

ምንጪ ስእሊ, Thinkstock
ኣለርጂ ዝምዕብለሉ ዘሎ ምኽንያት ድማ ምስ ኸባብያዊ ኩነታትን ሜላ መነባብሮን (ምዕራባዊ መነባብሮ) ይተሓሓዝ።
ኣብ ምዕባይ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ዘሎ መጠን ኣለርጂ ግና ዝተሓተተ'ዩ። ኣብዘን ሃገራት፡ ኣለርጂ መብዛሕትኡ ግዘ ኣብ ከተማ'ዩ ዘጋጥም።
ብኽለት ከባቢ፣ ለውጢ ኣመጋግባን ምኽሳት ተሃዋስያንን፡ ስርዓት ኢሚኑ ዝህቦ ምላሽ ክልወጥ ስለ ዝገብሩ፡ ኣለርጂ ክፍጠር ምኽንያት ይኾኑ'ዮም።
ካልእኸ?
እዛ ዓለም ንምንታይ ኣለርጂ መግቢ ተማዕብል ኣላ ንዝብል፡ ውጹእ ሓደ ምኽንያት ጥራሕ ኣይኮነን ዘሎ። ሳይንስ ብዙሓት ምኽረ ሓሳበት'ዩ ዘቐምጥ።
ውልቃዊ ጽርየት እናማዕበለ ምምጽኡ፡ ብቐንዱ ዝንቀፍ ሳይንስ፡ ህጻናት ብዙሓት ሕማማት ክከላኸሉ ዕድል ይረክቡ ኣለው ይብል።
ጽግዕተኛ ሓሰኻ ከም ኣብነት ብምልዓል፡ ኣለርጂ ናይ ምክልኻል ኣጋጣሚ ከምዝፈጥሩ የብርህ።
ቫይታሚን-ዲ ድማ፡ ስርዓት ኢሚኑ፡ ሰብነትና ምዕሩይ ዝኾነ ምላሽ ናይ ምሃብ ተኽእሎ ክህልዎ ከምዝገብር ብምግላጽ፡ መብዛሕትኡ ሕብረተሰብ ግና ውሱን ሰዓት ኣብ ጸሓይ ካብ ምሕላፍ ጀሚሩ፡ እኹል ቫይታሚን-ዲ ኣይረክብ ኢሉ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







