ደሃይ 32፡ "ናብራና ዘኽብዶ ባህሊ'ዩ"

ምንጪ ስእሊ, ABRIHAM TAMIRU
አብርሀም ታምሩ ኣብ ቱርኪ ሳካሪያ'ዩ ዝነብር። ኣብ 2013 ካብ መንግስቲ ቱርኪ ናጻ ዕድል ትምህርቲ ረኺቡ እንትኸድ ቴክኖሎጂታት ኮምፒዩተር ይመሃር ኣሎ።
"ሳካሪያ ካብ ኢስታምቡል 190 ኪሎ ሚትሮ ትርሕቕ" ይብል ብዛዕባ እታ ዝነብረለ ከተማ እንትዛረብ። ሓምለወይቲ እያ።
ምንቅጥቃጥ መሬት ስለዘጥቅዓ ኣብታ ከተማ ካብ ሓሙሽተ ደብሪ ህንጻ ንላዕሊ ምህናጽ ስለዘይፍቀድ ነዋሕቲ ህንጻታት የብላን።
በዝሒ ህዝባ ናብ 90 ሽሕ ዝጽጋዕ እንትኾን፡ ዕግርግር ዘይብላ ሰላም ዝዓሰላ ንተምሃሮ እትጥዕም ከተማ'ያ።
ኣዲስ ኣበባ ተወሊዱ ዝዓበየ ኣብርሃም፡ ዝነብረላ ከተማ ምስ ኣዲስ ኣበባ እንተነጻጽር "ኣዲስ ኣበባ ዕግርግዕ ስለዝበዝሓ ሳካሪያ ብጸጥታ ህይወት እተስተማቕረላ፣ ደሕንነቱ ዝተረጋገጸ ቕልጡፍ ኣገልግሎት መጓዓዝያ እትረኽበላ ከተማ'ያ" ይብል።

ምንጪ ስእሊ, Xorun Normatov
አብርሃም ናብ ሳካሪያ ምስ ከደ ንሓደ ዓመት ዝኣክል ቋንቋ'ዩ ተማሂሩ። ድሕሪ እዚ ነዊሕ ናይ ዕረፍቲ ግዜ ስለዝነበረኒ፡ ጽምዋ ናይታ ከተማ ጽዕንዕንታ ፈጢሩሉ ከምዝነበረ ይገልጽ።
"ኣብ ፈላሞት እዋናት ጽዕንዕንታ ወሪሱኒ ነይሩ" ዝብል ኣብርሃም "ቅድም ኢሉ ምስ መሓዙተይ ምጽዋት ዝፈቱ'ኳ እንተነበርኹ ሕዚ ግና ኣንባቢ፣ ነገራት ብዕምቆት ዝርኢ ክኸዉን ገይሩኒ'ዩ" ይብል።
ካልእ ቱርካዉያን ምስ ናይ ወጻኢ ሃገር ዜጋ ዘለዎም ርክብ ቑጡብ'ዩ።
ኣብ ቤት ትምህርቲ ምስ ዝተላለኻየን ደቂ ኣንስትዮን ጸሊም ዜጋን ሓቢርኻ ምርኣይ ትኹረት ከምዝስሕብ ኣስተዉዒለ'የ ዝብል ኣብርሃም፡ እታ ዝነብረላ ከተማ ንኡሽቶ ስለዝኾነት ብርክት ዝበሉ ነገራት ብቐሊሉ ከምእትረክብ ይገልጽ።
''ናይ ቱርኪ ባህል መነባብሮና ኣኽቢድዎ'ዩ"። ካብ ካልእ ሃገር ዝመጻእና ተምሃሮ ቑጽርና ዉሑድ ስለዝኾነ ምስ ነበርቲ እታ ከተማ ንምቅርራብ እንተደለና'ዉን ንሳቶም ንናይ ወጻኢ ሃገር ዜጋ ዘለዎም ቕርበት ዉሑድ ስለዝኾነ ናብራና ኣኽቢዱዎ'ዩ" ይብል።

ምንጪ ስእሊ, Xorun Normatov
ልዕሊ ሃገርኻ ካልእ የለን
ኣብርሃም ኣብ ዝነብረላ ከተማ ሳካሪያ ኢትዮጵያዉያን ስለዘይርከቡ፡ ናይ ኢትዮጵያ ዝበሃል መግቢ የለን። "ካብ ኢትዮጵያ ዝመጹ ተምሃሮ እንትርከቡ ግና ተኣኪብና እንጀራ ፍርፍር ንበልዕ"።
ካብዚ ሓሊፉ "ላህማጁን" ዝተብሃለ መግቢ ቱርኪ ይፈቱ። እዚ ዝተጥሓነ ስጋ ኣብ ረቂቕ ቅጫ ለኺኻ ዝዳሎ መግቢ'ዩ።
ኩል ግዜ ዝናፍቖ "ምስ መሓዙተይን ስድራይን ኮይነ ዝሰትዮ ቡን'ዩ" ይብል።

ምንጪ ስእሊ, Abdulaziz Sahin
ሰሓቢ ጽባቐ ሳካሪያ
ሳፓንጄ ዝተብሃለ ዉቅያኖስ ኣብርሃም ዝንእዶ ዉቅያኖስ ኮይኑ፡ ምሸት ጸሓይ እንትትዓርብ ኣማዕዲዩ እንትሪኣ ፍሉይ ሓጎስ ከምዝስምዖ ይዛረብ።
''ንጉሆ እንተኾይኑ'' ይብል አብርሃም ''ኣብ ደንደስ እቲ ዉቅያኖስ ስፖርታዊ ምንቅስቓስ ዝገብሩ ሰባት፣ ናብ ኢስታንቡል ዝመላለሳ መካይንን ካልኦትን ምርኣይ ፍሉይ ስምዒት ኣለዎ" በሃሊ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Xorun Normatov
ካብ ሳካሪያ ናብ አዲስ አበባ
''ሳካሪያ ንኡሽቶ ከተማ ስለዝኾነት ጽርይቲ'ያ፡ ዝብል ኣብርሃም "ነገራት ዝልዉጠሉ ሓይሊ እንተዝህልወኒ ጽሬት እዛ ከተማ ንኣዲስ ኣበባ ምሃብኩዋ" ይብል።
ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንፒያሳ ብፍሉይ ከምዝናፍቓ ዝዛረብ ኣብርሃም፡ ዕብየት፣ ዘመናዉነትን ኢትዮጵያ ዝዉክል ከባቢ ስለዝኾነ ሃንደበት ኣብቲ ቦታ እንተዝርከብ ከምዘሐጉሶ ይዛረብ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







