ደሃይ 31፡ " መብዛሕትኦም ተዘክሮታተይ፡ ካብ ተኽልታትን ጭቃን ኣይሓልፍን"

ኣሊዩን ፋይ

ምንጪ ስእሊ, ALIOUNE FAYE

መግለጺ ስእሊ, ኣሊዩን ፋይ

ኣሊዩን ፋይ እበሃል። ኢትዮጵያዊ ስመይ ግና ሚልኪያስ እዩ። ኣደይ ኢትዮጵያዊት ክትከውን እንከላ፡ ኣቦይ ድማ ሴኔጋላዊ እዩ። ሕዚ ኣብ ኣሜሪካ ኦርላንድ እየ ዘለኹ፤ ዋና መንበርየይ ግና ኣብ ካናዳ ቫንኩቨር ካናዳ እዩ።

ባህሪ ስረሐይ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ንክንቀሳቐስ ስለዘገድደኒ፤ ንኣብነት ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ቬጋስ እየ ከጸንሕ፡ ቀፂለ ድማ ናብ ካልእ ከተማ ከምርሕ'የ።

ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚረ፡ ሰሙናዊ፤ ክልተ ሰሙናዊ ወይ'ውን ሓሓሊፉ፡ ካብ ሓደ ከተማ ናብ ካልእ ከተማ፡ እናተንቀሳቐስኩ እየ ዝሰርሕ።

ንኣስታት ክልተ ዓመታት ተቆፂረ እንትሰርሕ፡ ሓደ መዓልቲ ህይወተይ ክልውጥ ከምዘለኒ ተሰሚዑኒ። መንእሰይ ስለዝኾንኩን፡ ኣነ ዘመሓድሮ ሰብ ስለዘይነበረንን፡ ኣብ ሓደ ከባቢ ጥራሕ ክነብር ከምዘይብለይ ሓሲበ ንዓለም ክሪኣን ወሲነ።

ዘሎናዮ ዘበን ቴክኖሎጂ ስለዝኾነን፡ ኣነ እውን ብቴክኖሎጂ ብጣዕሚ ስለዝድነቕን፡ ኣብ ዝደልዮ ሞያ ንኽዋፈር ወሲነ። ቴክኖሎጂ ዓለም ናይ ምልዋጥ ሓይሊ ከምዘለዎ ድማ እኣምን።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ፡ ንዝተፈላለዩ ትካላት ፡ ዝተፈላለዩ ምድላዋት ብምግባር፡ ወረቐት ኣልቦ ቴክኖሎጂ ብምጥቃም፡ ማለት እውን ሞባይለይ ጥራሕ ተጠቒመ፡ ካብ ሃገር ናብ ሃገር፡ ካብ ከተማ ናብ ከተማ እናተንቀሳቐስኩ የቕርበሎም።

ኣሊዮ ኣብ ሃዋይ ዝሰኣሎ መቐነት ኣደይ ማርያም

ምንጪ ስእሊ, ALIOUNE FAYE

መግለጺ ስእሊ, ኣሊዮ ኣብ ሃዋይ ዝሰኣሎ መቐነት ኣደይ ማርያም

ካብዚ ስረሐይ ብተወሳኺ ድማ፡ ኣብ ትርፊ ግዘይ፡ ብኢትዮጵያዊ ስመይ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታን ኣጋጣሚታትን ሙዚቃ ኤቕርብ።

ካብ ኢትዮጵያ ኣብ 15 ዓመተይ ስለዝወፃእኹን ኣብ ኢትዯጵያ እንከለኹ'ውን ናይ ደገ ሰብ ዝነበርኩን፡ ተዘክሮታታይ ካብ ተኽልታትን ጭቃን ኣይሓልፍን።

ዋላ እኳ ሎሚ ጽባሕ ናብ ኢትዮጵያ ክምለስ እንተሓሰብኩ፡ ከም'ዛ ዋዛ 14 ዓመታት ጌረ።

እንተኾነ ግን ኢትዮጵያ፡ ኩሉ እዋን ኣብ ሓሳበይ'ያ፤ ካብ ተዘክሮታተይ ዘይሃሱ ድማ፡ ለምለምን ሓምላይን ባቢታታ እዯም። ኣብ ዝኸድኩ እንተኸድኩ፡ ሓምለዋይ ከባቢን ዝናብን ምስዝርኢ ንኢትዮጵያ እናፍቓ።

ኣብ ዝሓለፈ እዋን ናብ ሃዋይ ከይደ ድሕሪ ዝናብ ዝረኣኽዎ ጭቃ፣ ተኽልታትን መቐነት ኣደይ ማርያምን፡ ንኢትዮጵያ ስለዘዘከረኒ፡ ፎቶ ኣልዒለዮ።

ዋላ እኳ ኣብ ሓደ ከባቢ እንተዘይነበርኩ፡ ከባብታት ሰሜን ኣሜሪካ ብዙሕ ዘመሳስል ነገራት ኣለዎም። እንተዝኽእል፡ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዝግበር ናይ ደቂ ሰባት ኣፋላለይ፡ ከወሃህድ ደስ ይብለኒ።

ኤግዝ ቤኔዲክት፡ ብሳልመን ጥረ ዓሳን እንቁላሊሕን

ምንጪ ስእሊ, ALIOUNE FAYE

መግለጺ ስእሊ, ኤግዝ ቤኔዲክት፡ ብሳልመን ጥረ ዓሳን እንቁላሊሕን

ኢትዮጵያን ሰሜን ኣሜሪካን ብዙሕ ፍልልይ እዩ ዘለወን። ብፍላይ ድማ ኣብ ቴክኖሎጂ።

ካብ ኢትዯጵያ ካብ ዝወፅእ ዋላ እኳ ብዙሕ ዓመት እንተገበርኩ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሕ ለውጢ ከም ዘሎ መሓዙተይ ይነግሩኒ እዮም። በዚ ድማ ንመጻኢ ስረሐይ ኣብ ኢትዮጵያን ኣብ ኩሉን ኣህጉርን ክገብር እደልይ።

ዝበዝሕ ግዜ፡ ኣብ ጉዑዞ ስለዝኾንኩ፡ ናይ ኢትዮጵያ ፥መግቢ ኣይረክብን። ናብ ቫንኩቨር ምስዝምለስ ግና ኣደይ ምግቢ ሰሪሓ ስለትፀንሐኒ ብዙሕ ኣይጽግመንን።

ካብ ኩሉ ንላዕሊ ቁርሲ ምብላዕ ስለዝፈቱ፤ ኤግዝ ቤኒዲክት ዝበሃል ዓይነት መግቢ ብብዝሒ እምገብ።

ዝበዝሕ ግዘ ብመስኮት ነፋሪት ዝርእዯ እኩብ ግመ

ምንጪ ስእሊ, ALIOUNE FAYE

መግለጺ ስእሊ, ዝበዝሕ ግዘ ብመስኮት ነፋሪት ዝርእዯ እኩብ ግመ

መብዛሕትኡ እዋን፡ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ብነፋሪት ስለዝንቀሳቀስ፡ እኩብ ግመ ኩሉ ግዘ እየ ዝርእይ። ከምዚ ዓይነት ህይወት ብዙሕ ሰብ ዝምነዮ'ኳ እንተኾነ ኩሉ ግን ዝረኽቦ ስለዘይመስለኒ፡ ብጸጋ ተፈጥሮ ብጣዕሚ እሕጎስ።

መኪና ምዝዋር ስለዝፈቱ፡ ካብ ምብራቕ ናብ ምዕራብ፣ ካብ ሰሜን ናብ ደቡብ፡ ብምዛር ዘይረኣኽዎ ሃገርን ከተማን ኣይነበረን። ሓደ መዓልቲ ዘጋጠመኒ ከቢድ ሓደጋ ግና ብዙሕ ነገር ንኽሓስብ ገይሩኒ።

እዚ ኣጋጣሚ ዕሙቕ ኢለ ስለ ህይወተይን መንነተይን ንኽሓስብ ኣገዲዱኒ። ኣብ ሒደት ደቓይቕ ፡ ህይወት ወድሰብ ክቕየር ከምዝኽእል ድማ ተረዲኤ።

በዚ ድማ፡ ሕጉስ ኮይነ ክነብር ዘኽእለኒ ስራሕ ክሰርሕ ከምዘለኒ ስለዝኣመንኩ እየ፡ ዘየቋርጽን ዝቀያየርን ናብራ ተተሓሒዘዮ ዘለኹ።

ሃንደበት ናብ ኢትዮጵያ ምኻድ እንተዝኽእል፡ ንነብሰይ ኣብ'ታ ብቑልዕነተይ ዘዕበየኒ ቤት-ምህርቲ ሊሴ ገብረማርያም ኣብ ማእኸል መሓዙተይ ክረኽቦ እደልይ።

Presentational grey line

ንክሪሰቲን ዮሐንስ ከም ዘውገዓ።