ደሃይ 30፡ "መስቀልን ዓረፋን ክዝክር ውሽጠይ ይርበሽ"

ምንጪ ስእሊ, ASHENAFI TESFAYE
ኣሸናፊ ተስፋየ እበሃል። ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ደበባዊ ኣፍሪቃ ኣብ ትርከብ ሃገረ ኣንጎላ እየ ዝነብር። ካብ ኢትዯጵያ ወፂአ ኣንጎላ ክሳብ ዝበፅሕ ዝተፈላለዩ ብድሆታት ሓሊፈ እየ።
ካብ ጋዜጠኝነት ናብ ቤት ማእሰርቲ
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ኣብ ራድዮ ፋና ጋዜጠኛ ነይረ። ኣብ 2004 ዓ፡ም ዝሐሸ ናብራ ንምርካብ ናብ ሱዳን ኣምሪሐ። ኣብ ካርቱም ዝጀመርክዎ ናብራ ብዙሕ እንከይቀፀለ፡ 'ኡምርዱማን' ኣብ ዝተብሃለ ቤት-ማእሰርቲ ንክፀንሕ ዘገደደ ኣጋጣሚ ተፈጢሩ።
ኣብዚ ቤት ማእሰርቲ ዘየለ ዓይነት ዘርኢ ሓበሻ የለን፤ ዜግነትካ ንክትፀልእ ዝገብር ቦታ እዩ።
ንሓፍተይ በዓል ገዝኣ፡ ኤፍሬም ገብረእዝጊ ዋሕስ ብምዃን ዝኽፈል ከፊሉ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኡምዱርማን ኣውፂኡኒ። ድሕሪ እዚ ኣንጎላ ንስራሕ ፅቡቕ እዩ ክበሃል ስለዝሰማዕኹ ናብ ኣንጎላ ክኸይድ ከምዝግበአኒ ወሲነ።
ዝሓሰብክዎ ንክሳኻዕ ድማ፡ ብኬንያ ክሓልፍ ስለዝግበኣኒ፡ ናብ ኬንያ ብኣየር ተጓዒዘ። ይኹን እንበር ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ጆሞ ኬንያታ እንትበፅሕ፡ ዝሓዝካዮ ቪዛ ሕጋዊ ኣይኮነን ብዝብል ዳግማይ ተኣሲረ። ኣብ ኬንያ ንሓሙሽተ መዓልታት እየ ተኣሲረ።

ምንጪ ስእሊ, ASHENAFI TESFAYE
ኣንጎላ እንተሰሪሕካ ትዓብየላ፡ እንተቀሊድካ ድማ ትቐትለካ ሃገር
ኣምላኽ ሓጊዙኒ፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተፈታሕኹ ናብ ኣንጎላ መፂአ። ኣንጎላ ካብ ደቂ ዓደይ ብተወሳኺ ስደተኛታት ካልኦት ሃገራት እውን ዝነብሩላ ሃገር እያ።
ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያንን ቁፅሮም ውሑድ ዘይኮኑ ኢትዮጵያውያንን ኣብዛ ሃገር ህይወቶም ይመርሑ። ኣብዛ ዓዲ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ተፋቒሮም እዮም ዝነብሩ።
ኣብ ኣንጎላ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ስራሕ ተዋፊሮም እዩም ዝነብሩ። መብዛሕትኡ ግዘ 'ሓበሻ መፅዩ!' እንተተባሂሉ፡ ምስ ኤርትራውያን እዩ ስራሕ ዝጅምር።
ካብ ኤርትራ ዝመፅኡ ዶካትር፣ ካብ ኢትዮጵያ ዝመፅኡ ኢንጂነራት ኣብዚ ሓለውቲ ሹቕ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ኣንጎላ እንተሰሪሕካ እትዓብየላ፡ እንተቐሊድካ ድማ ትቐትለካ ሃገር እያ።
ኣብዚ ምስ በዓል ቤተይን ሓደ ወደይን እየ ዝነበር። ፎቶ ብምልዓልን፡ ኣብ መርዓ ድማ ቪድዮ ብምቕራፅን እየ ዝመሓደር። እዚ ዝሰርሓሉ ድማ፡ ኣሹ ዝበሃል ስቱድዮ ኣለኒ።
ካብ ቦምዲያ ክሳብ ፉንጂ (ሌላ ምስ ኣንጎላ)
ዋዒ ኩነታት ኣየር ዘለዋ ኣንጎላ፡ ህዝባ ሰብ መኽበርትን ዘይቅየሙን እዮም። ሓደ ሓደ ግዘ ብረብሕኦም እንተመፂእኻዮም ግና፡ ክሳብ ምቕታል ዝበፅሕ ስጉምቲ ይወስዱ።
ብቋንቋ ፖርቺግዝ ዝረዳድኡ እንትኾኑ፡ 'ቦም ዲያ' ማለት ከመይ ሓዲርካ፣ 'ቦኣ ታርድ' ከመይ ውዒልካ፣ 'ቦን ናይት' ድማ ደሓን ሕደር ማለት እዩ።

ምንጪ ስእሊ, ASHENAFI TESFAYE
ኣብ ኣንጎላ ምግብታት ኢትዮጵያ ኣለዉ እዮም። 'ጤፍ ተራ' ኣብ ዝበሃል ከባቢ ሩዝን ጣፍን ተጣሒኑ ኣብ ጥቕሚ ይውዕል። ሽሮን በርበረን ድማ፡ ካብ ኢትዮጵያ ወይ ድማ ኣብ ቀረባና ካብ ትርከብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኢና ነምፅእ።
ኣንጎላውያን እውን ጥዑም ምግቢ እዩ ዘለዎም። እቲ ብጣዕሚ ዝፍተው፡ ፉንጂ ዝበሃል ዓይነት ምግቢ እዩ። ብናትና ዓዲ ግዓት ከም እንብሎ እዩ። ፉንጂ ካብ ሕሩጭ ዕፉን እዩ ዝዳለው።
ሕልምን ናፍቆት ሃገርን
ካብ ዓደይ ንብዙሓት ነገራት እየ ዝናፍቕ። ኣብ ማሕበረሰብ ጉራጌ ስለዝዓበኹ፡ ንበዓል መስቀል ብጣዕሚ እናፍቕ። ኩነታት እቲ በዓል፣ ዘሎ ባህሊ፣ ገዛ ንገዛ እናተፀዋዋዕና እነብዕሎ ኩነታትን ፍቕሪ ኢትዯጵያውነትን ደስ እብለኒ ነይሩ።
ጋዜጠኛ እንከለኹ፡ 'ኣሸናፊ ጉራጌ እዩ' ብምባል፡ ምድላዋት መስቀል ንክፅብፅብ እንተዋፍሩኒ፡ እግረ መንገደይ ድማ ናብ ስድራይ ንክኸይድ ዝግበር ነገር እዝከረኒ። በዓል መስቀልን ዓረፋን እንትዝክር ውሽጠይ ይርበሽ።
ካልኣይ ነገር ድማ፡ ናይ ጋዜጠኝነት ህይወተይ ብፍላይ ድማ ኣብ ቢሮ ዝነበሩ ዘስሕቑ ኣጋጣምታት እዝከሩኒ። ገለገሊኦም እንትዝክር ንበይነይ ክምስ እብል።

ምንጪ ስእሊ, ASHENAFI TESFAYE
ውሑድ መሃያ ይኽፈለና ስለዝነበረ፡ 'ኣደይ ኣበባ' ኣብ ዝበሃል ቤት-ብልዒ ኢና ብበዝሒ ንምገብ። እንበልዖ ምግቢ 'ኣደይ ኣበባ' (ዕንበባ ግልገለ መስቀል) ክበሃል ዝኸኣለ፡ ኣብ ብዙሕ ፍርፍር እንጀራ ንሽሙ ሓደ ክልተ ፍረ እንቋቑሖ ተፈርፊሩ ስለዝንስነሶ እዩ።
እዞም ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስትር ዝተዛረብዎ ዝትግብርዎ እንተድኣ ኾይኖምን፡ ኣብ ሃገርና መንፈስ መዓርነት እንተድኣ ዝፍጠር ኮይኑ፤ ናብ ሃገረይ ተመሊሰ ዝፈትዎ ስራሕ ክቕፅል እደሊ።
ናይ ባዕለይ ግዘ ኣየር ብምግዛእ ወይ ድማ፡ ናይ ባዕለይ ስቱድዮ ብምኽፋት ስራሕ ጋዜጠኝነት ክቕፅልን ኣብ ስራሕቲ ፊልም ክሳተፍን ሕልሚ ኣለኒ።
ቅድሚ ሕዚ ጋዜጠኝነት እሰርሓሉ ኣብ ዝነበርኩ እዋን 'ህይወት ከየፈርጁ' ዝብል መደብ ነይሩኒ። መቓብር ናይ ዝኹዕቱ፣ ናይ ምሸት መዘናግዒ ክለባት ናይ ዝሕለዉ ሰባት፣ ናይ ምሸት ሹፈራት ታክሲን ካልኦትን ዘይተዘረበሎም ታሪኻት ኣስፊሐ ክሰርሐሎም ሕልሚ ኣለኒ።
እንታይ ይፍለጥ፡ ኣብ ስደት እንርከብ ጋዜጠኛታት፡ ናተይ እንብሎ ራድዮ ተጣይሹ፡ እንምነዮ ንሰርሓሉ ዘመን ክመፅእ ይኸውን። ክሳበይ ግና፡ 'የኛ ሰው በኣንጎላ' ኣብ ዝብል መርበብ ሓበሬታይ፡ ስራሕተይ እናቕረብኩ ክፅንሕ እየ።
ብሰላም የራኽበና።

ን ሃብታሙ ስዩም ከምዘውግዖ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







