ምድሪ እናዋዓየት ኣብ ትኸደሉ ዘላ እዋን ጣዕሚ ቡን ይቕየር ዶ ይኸውን?

እናወዓየ ዝመጽእ ዘሎ ክሊማ ዓለም፡ ነቲ ቡን ዝፈርየሉ ምቹእ ከባቢታት እናጽበቦ ይምጽእ ስለዘሎ፡ ሰተይቲ ቡን ናይ ጣዕሚ ምጉዳልን፡ ምንሃር ዋጋታትን ከጋጥሞም ይኽእል'ዩ ይብሉ፡ ተመራመርቲ ኪው ጋርደንስ ካብ ሎንደን።
ብመሰረት እቲ ነቸር ፕላንትስ ዝበሃል መጽሄት ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ እቶት ቡን እታ ኣረቢካ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዓይነት ቡን እትውንን፡ ካብ ኣፍሪቃ፡ ንወጻኢ ብብዝሒ ቡን እትልእኽን ኢትዮጵያ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ምንቁልቋል ክኣቱ ይኽእል'ዩ።
"ገለ ነገር እንተ ዘይጌርና ኣብ ኢትዮጵያን ይኹን ኣብ ኩሉ ዓለም፡ ናይ ቡን ዋሕዲ ከጋጥም'ዩ። ምናልባት'ውን ጣዕሙ ክጎድልን ዋጋኡ ክውስኽን እዩ" ክብል፡ ዶክተር ኣሮን ዳቪስ፡ ተመራማሪ ቡን ኣብ ኪው ጋርደንስን ሓደ ካብ ጸሓፍቲ ናይቲ ጸብጻብን፡ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ሓበሬታ ውድብ ቡን ዓለም ተባሂሉ ዝፍለጥ ዘይመንግስታዊ ኣካል ከምዝሕብሮ፡ ሃልኪ ቡን፡ ንሳልሳይ ተኸታታሊ ዓመት ንምህርቲ ክሓልፎ ትጽቢት ይግበረሉ።
ክሳብ ሕጂ፡ ኣብቶም ልዑል እቶት ዝተረኽበሎም ዓመታት ዝተኣከበ ቀረብ ነቲ ናይ ቡን ሕጽረት ይኹን ምንሃር ዋጋታት ገቲአዎ ይርከብ።
እንተኾነ ግና፡ ላኣኽቲ ቡን ካብ ዝነበሮም ዝተኸዘነ ቡን ክምልኡ ስለዝተገደዱ፡ መኽዘናቶም ጎዲሉ ይርከብ፡ ይብል እቲ ውድብ።
እዚ ማለት ድማ፡ ዋጋ ቡን፡ ብፍላይ ናይቲ ዝለዓለ ደረጃ ኣለዎ ዝበሃል ቡን፡ ክውስኽ ዝኽእል ምዃኑ'ዩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት
እቲ ብኪው ጋርደንስን ኢትዮጵያውያን ተሓባበርቱን ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዝግምቶ፡ ኩነታት ኣየር ብ4 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ዝኣክል እንተድኣ ወሲኹ፡ እቲ ኣብዚ እዋን'ዚ ቡን ዝፈርየሉ ዘሎ ከባቢታት ኢትዮጵያ ብ60% ክቕንስ ይኽእልይ'ዩ።

ብዓቃባዊ ዝበሃል ሰናርዮ ክሌማዊ ለውጢ እንተ ተዓቂኑ'ውን፡ እቲ ቡን ዝፈርየሉ ከባቢታት ኢትዮጵያ 55% ከምዝቕንስ እቲ ትካል ይገልጽ።
"ከም ቀደምና' ዝበሃል ኣካይዳ ካብ ሕጂ ንደሓር ንናይ ኢትዮጵያ ናይ ቡን ቁጠባ ንሓዋሩ ሓደገኛ ክኸውን ይኽእል'ዩ" ይብል፡ ካልእ ኣካል ናይቲ ናይ ኪው ጋርደንስ መጽናዕቲ ዝኾነ ጃስቲን ሞኣት።
እቶም ናይ ኪው ተመራመርቲ ክጸቕጥሉ ዝደልዩ ነገር ግን፡ ኣድላዪ ስጉምትታት እንተ ተወሲዱ፡ እቲ ኩነታት ክውገድ ዝኽእል ምኻኑ'ዩ። ነቶም ካባቢታት ብምቕያር፡ ምዕቃብ ዱርን ምግራብን ተወሃሂዱ፡ ነቲ ቡን ክፈርየሉ ዝኽእል ከባቢታት ናይ ኢትዮጵያ ብዝተዓጻጸፈ ከዕብዮ ይኽእል'ዩ።
"ምስዚ ዘሎ ኩነታት ክነጻጸር እንከሎ፡ ንገለ ካብቶም ኣሉታዊ ሳዕቤናት ከተጉድሎም ዕድል ኣሎ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣርባዕተን ፈረቓን ዕጽፊ ነቶም ከባቢታት ከተዕብዮም ዝከኣል'ዩ" ይብል፡ዶክተር ዳቪስ።
ኣሰታት ናይ 16% መነባብሮ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝኾኑ ኣስታት 15 ሚልዮን ሰባት ኣብ ቡን ይምርኮስ።
ኣብቲ ድሮ ብናይ ክሌማ ለውጢ ተተንኪፉ ዘሎ ምብራቓዊ ክፋል እታ ሃገር ዝርከቡ ሓረስቶት፡ ካብ ቀረባ እዋን ኣትሒዞም ክሽገሩ ጀሚሮም ምህላዎምን ብሰንኪ ተኸታታሊ ደርቂ ምህርቶም ኣዝዩ ከምዝጎደለን ይዛረቡ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብዘን ዝሓለፋ 10 ዓመታት እቶቱ ብዙሕ ለውጢ ከምዘርኣየ ናይ ቡን ሓረስታይ ጀማል ቃስም ይሕብር።
"ኣብተን ናይ መጀመርታ ዓመታት ብዙሕ ፍረ ይህብ ነይሩ። ሕጂ ግን መኺኑ'ዩ፡ ስድራይ ክድግፍ ይኹን ክጥውር ኣይከኣልኩን" ይብል።
ቴክኖሎጂ ናይ ቡን መጻኢ ከውሕስ 'ዶ ይኽእል ይኸውን?
ንሓዋሩ ቴክኖሎጂ ኣብ ምውሓስ መጻኢ ናይ ቡን ዓቢ ኣገዳሲ ክጻወት ይኽእል ይኸውን።
ኣብ 2014 ንዋዒ ዝጻወር ዘርኢ ንምምራጽ ዘኽእል፡ ንመበቆልን ዘርእን እቲ ኣረቢካ ዝበሃል ቡን ዕላዊ ዝገበረ መጽናዕቲ ተኻይዱ'ዩ።
ብተወሳኺ'ውን፡ ኢንስቲትዩት መጽናዕቲ ቡን ዓለም ዝበሃል ትካል፡ ንናይ ክሌማ ለውጥታት ዝጻወር ዘርኢ ንምፍጣር ዝተፈላለዩ ዓይነት ናይ ኣራቢካ ኣብ ምድቓል ከምዝርከብ ይፍለጥ።
እዚ ግና ኣብ ሓደ ለይቲ ዝግበር ኣይኮነን፡ ኣብኡ ክሳብ ዝብጻሕ ውሉፋት ቡን ናይ ዋጋ ምንሃርን፡ ምጉዳል ጣዕሚ ናይቲ ዝፈትውዎ ዓይነት ቡን ከጋጥሞም ይኽእል'ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







