ጥዕና፡ 'ሆጅኪንስ ሊምፎማ' ዝተብሃለ ናይ ደም መንሽሮ ክፍወስ ይኽእልዶ?

ምንጪ ስእሊ, Robel
ኣብዚ ሰሙን ኣብ ኤርትራ ብሕማም ናይ ደም ካንሰር (Hodgkin's Lymphoma) ናይ ዝሓመመ ዮናስ ጸጋይ ዝተባሃለ ተቐማጢ ዓዲ ገዳ፡ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ድባርባ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ምስ ተዘርገሐ፡ ብሽሙ ኣብ ዝተኸፈተ ማዕከን 'ጎፈንድ ሚ' ኣብ ውሑዳት ሰዓታት ኣማኢት ኣሽሓት ዶላር ክዋጻኣሉ ክኢሉ።
ጎኒ ጎኑ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ንሱ ዝሓመሞ ሆጅኪንስ ሊምፎማ ዝተባሃለ ናይ ደም ካንሰር ክፈልጥ ዝደሊ ሰብ'ውን ዛይዱ።
ካብዚ ብምብጋስ ምስ ኣብ ካምፓላ፡ ኢስት ኣፍሪካ መዲካል ሰንተር ዝሰርሕ ዶክተር ሮቤል ተስፋሂወት ብዛዕባ ጠንቂ እቲ ሕማም፡ ኣገባብ መከላኸሊኡ፡ ዝያዳ ንመን የጥቅዕ ዝብልን እንተሓሚምካ ዘሎ ናይ ምሕዋይ ተኽእሎን ተወኪስናዮ ኣለና።

ቢቢሲ፡ እዚ ሆጅኪንስ ሊምፎማ [Hodgkin's Lymphoma] ዝተብሃለ ናይ ደም መንሽሮ እንታይ ዓይነት ሕማም'ዩ? ብኸመይከ ይመጽእ?
ዶክተር ሮቤል ተስፋሂወት፡ እዚ ሆጅኪንስ ሊምፎማ ናይ ደም ካንሰር ክንዛረብ እንተኾይና ብሓፈሻ እቲ ሊምፎማ ዝብሃል ሓደ ካብቶም ብዙሓት ዓይነታት ናይ ደም ካንሰር እዩ፤ ኣብ ክልተ ድማ ይምቀል። 'ሆጅኪንስ ሊምፎማ' ከምኡ'ውን 'ናን ሆጅኪንስ ሊምፎማ' ይብሃል።
እዚ ሕጂ ንዛረበሉ ዘለና ሆጅኪንስ ሊምፎማ ኮይኑ፡ ኣብ ስርዓተ 'ሊምስ' [ሱር ዕያገንዳ] እዩ ዝብገስ።
ዝያዳ ንምርድኡ ደም ክንብል እንከለና ኣብ ክልተ እዩ ዝኽፈል። እቲ ፕላዝማ ኢልና ንጽውዖ ማያዊ ክፋልን ዋህዮታት ደምን ኢልካ ድማ ይምቀል።
ዋህዮታት ደም'ውን ንባዕሎም ኣብ ሰለስተ እዮም ዝምቐሉ፡ ፕላትለትስ፤ቀያሕቲ ዋህዮታት ደምን ጸዓዱ ዋህዮታት ደምን።
ካብዞም ዋህዮታት ደም ምስ ሆጅኪንስ ሊምፎማ ምትሕሓዝ ዘለዎም ኸኣ እቶም ጸዓዱ ዋህዮታት ደም'ዮም።
እዞም ጸዓዱ ዋህዮታት ደም ንባዕሎም ኣብ ሓሙሽተ እዮም ዝኽፈሉ፡ ሓደ ኻብኦም ኸኣ እቲ 'ሊምፎሳይት' ዝብሃል ዋህዮ እዩ።
ሆጅኪንስ ሊምፎማ ኸኣ ካብቶም ጸዓዱ ውሃዮታት ደም ምስ ሊምፎሳይት እዩ ዝተሓሐዝ። ብኸመይ እዩ ዝተኣሳሰር እንድሕ ኢልና ኸኣ፡ ዝኾነ ዋህዮ ብኣካላትን ምቁጽጻር እናተገበረሉ ናይቱ ምዕባለን ናቱ ብዝሕን ኣለዎ።
እዞም ሊምፎሳይት ዝተብሃሉ ዓይነታት ጸዓዱ ዋህዮታት ደም ካብቲ ንቡር ምዕባል ናይ ጸዓዱ ዋህዮታት ደም ወጻኢ ከይማዕበሉ ብዘይ ምቁጽጻር ዕቤትን ምትእኽኻብን ክፈጥሩ እንከለዉ ዝፍጠር ሕማም እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Hailshadow
እዞም ሊምፎሳይት ብሓፈሻ ኸኣ ጸዓዱ ውሃዮታት ደም ቀንዲ ስርሖም ኣብ ስርዓተ ምክልኻል ኣካላትና፡ ዝኾነ ከም ረኽሲ ናይ ጀርምታት ኣብ ዘጋጠምሉ እዋን ንኣካላትና ድርዒ ኮይኖም ዝከላኸሉ ዋህዮታት ደም ከም ምዃኖም መጠን ዘይንቡር ዕቤት ናይዞም ውሃዮታት ክፍጠር እንከሎ እቲ ሰብ ንሕማም ናይ ምጽዋር ዓቕሙ ዝለዝዳኸም ብዝኾኑ ተበለጽቲ ሕማማት ክጥቃዕ ይኽእል'ዩ።
ቢቢሲ፡ ዝኾነ ሰብ በዚ ሕማም እዚ ንኸይጥቃዕ ክገብሮም ዘለዎ ጥንቃቐታት ኣሎዶ?
ዶክተር ሮቤል ተስፋሂወት፡ ብዛዕባ ኣገባባት እዚ ሕማም ክንዛረብ እንተኾይና መጀመርታ ብዛዕባ እቲ ጠንቂ ኢና ክንዛረብ ዘለና።
ኣብዚ ሆጅኪንስ ሊምፎማ ክሳብ ሕጂ ብዘሎ መጽናዕትታት ውዱእ ዝኾነ ጠንቁ ፍሉጥ ኣይኮነን።
ግን ነዚ ሕማም ዘቃልዑ ዝተፈላለዩ ሮቋሒታት ኣለዉ። ንኣብነት ተወርሰኣዊ ክፋል ናይ ኣካላትና ክንጠቅስ ንኽእል።
ድኹም ስርዓት ምክልኻል ኣካላት ዘለዎም ንኣብነት ሕሙማት ኤችኣይቪ፣ ድሕሪ ህዋሳት ናይ ምቕያር መድሃኒት ዝወስዱ ሰባት በዚ ሕማም ናይ ምጥቃዕ ተክእሎኦም ልዑል እዩ።
ንምንታይ ኣብ ገለ ገለ ሰባት የጋጥም ኣብ ካልእ ግን ዘየጋጥምን ፍሉጥ ኣይኮነን።
ቢቢሲ፡ እዚ ሕማም ዘጥቅዖ ክሊ ዕድመ ኣሎ ድዩ? ነየናይ ጾታኸ ዝያዳ የጥቅዕ?
ዶክተር ሮቤል ተስፋሂወት፡ ብዕድመ እንተርኢናዮ በዚ ሕማም [ሆጅኪንስ ሊምፎማ] ዝጥቅዑ ካብ 20 ክሳብ 40 ዕድሚኦምን ከምኡ'ውን ልዕሊ 55 ዕድሚኦም እዮም።
ብጾታ ክንርእዮ እንከለና ኸኣ ካብቶም ብሆጅኪንስ ሊምፎማ ዝጥቅዑ ብደረጃ ዓለም ዳርጋ 85 ሚኢታዊት ደቂ ተባዕትዮ'ዮም።
ንምንታይ'ዩ ነዚ ዝተጠቐሰ ክሊ ዕድመን ዝያዳ ንደቂ ተባዕትዮን የጥቅዕ ንዝብል ግን ክሳብ ሕጂ ንጹር መልሲ ኣይተረኸቦን ኣሎ፡ ካብዚ ብምብጋስ ኣብ ምክልኻሉ'ውን ካብ ጠንቅታት ተበጊስካ ስለትዛረብ ከምዚ ብምግባር ክትከላኸሎ ትኽእል ኢኻ ኣይትብልን ኢኻ።
ብሓፈሻ ግን ናይ ደም ካንሳር ክትከላኸሎ፡ ከተወግዶ ወይ'ውን ከተጉድሎ እንድሕር ተደልዩ ካብ ዝተፈላላለዩ ጨረርታ ዘስዕቡ ነገራት ይኹን ከሚካላት ከም ብዓል በንዚን ምጥንቃቕ፣ ምትካኽ ሽጋራ ምውጋድ፣ ብሓፈሻ ኣብ ኣመጋግባና ኸኣ ጥንቁቓት ምዃን የድሊ።
ቢቢሲ፡ በዚ ሕማም እዚ ዝተተሓዘ ሰብ ናይ ምሕዋይ ተኽእሎኡኸ ክሳብ ክንደይ'ዩ?
ዶክተር ሮቤል ተስፋሂወት፡ ብሓፈሻ ኣብ ሕብረተሰብና ካንሰር እንድሕር ሰሚዕና ዘይሓዊ ሕማም፡ ፈጺሙ ተስፋ ዘይብሉ ገይርካ'ዩ ዝውሰድ።
ኣብ ናይ ደም ካንሰር እንድሕር ወሲድና ኸኣ ክሳብ ሕጂ ብዘሎ ስነ ፍልጣዊ መሳርሒ ይኹን ምዕባለ፡ እቲ ብቐሊሉ ክፍወስ ዝኽእል ዓይነት ካንሰር'ዩ።
ዋላ'ውን ኣብቲ ድሕሪ ፍወሳ ዝግበር ናይቲ ሰብ ኣካላዊ ምዕባለ ኣዝዩ ጽቡቕ ውጽኢት ዝርኣዮ እዩ። ሆጅኪንስ ሊምፎማ'ውን ካብዚኦም ዝፍለ ኣይኮነን፤ ብዝግበር ናይ ፍወሳ ኣገባብ እቲ ሕማም ምሉእ ንምሉእ ተፈዊሱ ሰብ ናብ ንቡር ጥዕንኡ ክምለስ ዋላ ሓንቲ ጸገም ዘለዎ ኣይኮነን።
ኣዝዩ ተስፋ ዝህብ ናይ ሕክምና ኣገባባት ኣሎ፤ ከም ጨረር ይኹን ከምኡ'ውን 'ኬሞትራፒ' ዝብሃሉ፡ እዚኦም እንድሕር ገይሩ እቲ ሰብ ብቐሊሉ ክሓዊ ይኽእል እዩ።
እዚ ክንብል እንከለና ደረጃታት ናይቲ ሕማም ወሳኒ እዩ፡ ግን ዋላ ኣብቲ ዝለዓለ ራብዓይ ደረጃ ንብሎ ዘሎ ሰብ'ውን ተስፋ ክቖርጽ የብሉን። ግቡእ ሕክምናን ክንክንን እንድሕር ረኺቡ ክሓውን ናብ ንቡር ክምለስን ጸገም ዘሎዎ ኣይኮነን።
ቢቢሲ፡ ኣዝየ የመስግነካ ዶክተር ሮቤል

ገለ ሓቅታት ብዛዕባ ሆጅኪንስ ሊምፎማ ዝተብሃለ ናይ ደም መንሽሮ
ሆጅኪንስ ሊምፎማ ሓደ ካብቶም ስሕት ኢሎም ዝረኣዩ ዓይነታት መንሽሮ ኮይኑ ንጸዓዱ ዋህዮታት ደም ብምጥቃዕ ነቲ ሕሙም ንዝተፈላለየ ረኽስታት የቃልዖ።
ዝተፈላለየ መጽናዕትታት ከምዝሕብርዎ ኣብ ዓለም ኣብ ዓመት 27 ሰባት ካብ ሚልዮን ሰባት በዚ ሕማም ይጥቅዑ። እዚ ድማ 1% ኣብ ዓለም ክብ ዘጋጥሙ ሕማማት ካንሰር ይውክል።
ብዘሎ ምዕባለ ሕክምና እዚ ሕማም ክሓዊ ዝኽእል'ኳ እንተኾነ ዝርገሐ ፍወሳ ምዕሩይ ብዘይ ምዃኑ ብዓለም ደረጃ ኣስታት 25000 ሰባት ዓመታዊ ብሰንኪ እዚ ሕማም ሂወቶም ከምዝስእሉ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ምልክታት ሆጅኪንስ ሊምፎማ
- ቃንዛ ዘይብሉ ሕበጥ ኣብ ጽክታት ክሳድ፡ ቱሽቱሽን ረቃቒቶን
- ዘየቋርጽ ድኻምን ልህላሀን
- ረስኒ
- ኣብ ለይቲ ምርሃጽ
- ሕጽረት ምስትንፋስ
- ምጉዳል ክብደት ሰውነት
- ብርቱዕ ሰሓ ቆርበት









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







