ውድብ ጥዕና ዓለም ናብ ትግራይ ሕክምናዊ ቀረባት ንምብፃሕ ፍቓድ ከምዘይረኸበ ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, FABRICE COFFRINI
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ናብታ ብሰንኪ እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኵናት ዝተጎድአት ትግራይ: ሕክምናዊ ቀረባት ንምብፃሕ ፍቓድ ከምዘይረኸበ ኣፍሊጡ።
ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ እቲ ትካል ካብ ዝሓለፈ መፋርቕ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ሕክምናዊ ቀረባት ናብ ትግራይ ንምብፃሕ ብተደጋጋሚ’ኳ እንተሓተተ፡ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፍቓድ ከምዘይተውሃቦ፡ ብመገዲ ትዊተር ገሊፁ።
እቲ ውድብ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ሕክምናዊ ቀረባት ከብፅሕ ከምዝኸኣለን፡ ናብ ትግራይ ግና ከምዘይተፈቕደሉ ሓቢሩ።
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ናብ ክልል ዓፋር 14 ሜትሪክ ቶን ናብ ክልል ኣምሓራ ድማ 70 ሜትሪክ ቶን ሕክምናዊ ቀረባትን መሳርሒታትን ከምዘከፋፈለ ዝገለፀ ዶክተር ቴድሮስ፡ ህይወት ንምድሓን እቲ ቀንዲ ነገር ሰብኣዊ ሓገዝ’ዩ ኢሉ።
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ልዕሊ መዓስከር ተመዛበልቲ መጥቃዕቲ ኣየር ድሕሪ ምፍጻሙ፡ ትካላት ረድኤት ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ዝህብዎ ዝነበሩ ኣግልግሎት ሰብኣዊ ረድኤት ከምዘቋረፁ ገሊጾም።
ኮሚሽን ጉዳያት ሰብኣዊ ረድኤት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ)፡ ብመሰረት ዝበፅሖ ኣፈናዊ ሓበሬታ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ኣብ ከተማ ደደቢት ኣብ ልዕሊ መፅለሊ ተመዛበልቲ ብዝተፈፀመ ከቢድ መጥቃዕቲ ኣየር፡ ብዙሓት ስቪላት ከምዝተቐተሉን ከምዝተጎድኡን ን AFP ገሊፁ።
"ኣብቲ ከባቢ ብሰንኪ ዝፍፀም ዘሎ መጥቃዕቲ ድሮን ድማ፡ መዳርግቲ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ስራሕቶም ከቋርፁ ተገዲዶም" ኢሉ።
ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ናብ ትግራይ ዘቕርቦ ሕክምናዊ ቀረባት፡ ኣብ ትግራይ ንዘሎ ናይ ጥዕናን ሰብኣውን ጠለባት ንምምላእ ምሓገዘ ኔሩ ኢሉ።
ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ኩነታት ኣብ ዝርከባ ሃገራት ሶሪያ፣ ደቡብ ሱዳን፣ የመንን ካልኦትን ሃገራት’ኳ፡ ውድብ ጥዕና ዓለምን መሻርኽቱን፡ ሂወት ንምድሓን ምብፃሕ ክኢሎም እዮም ። ኣብ ትግራይ ዝተነበረ ዕፅዋ ግና ሰብኣዊ ሓገዛት ብምኽልካል ሂወት ሰባት ይቐትል ኣሎ ኢሉ።
ዶክተር ቴድሮስ፡ ኩሎም መራሕትን ኣብቲ ኵናት ይሳተፉ ዘለዉን ኣካላት፡ ንሰላም ዝተግሁ ኣብ ታሪኽ ዝዝከሩ ጀጋኑ ምዃኖም ክዝክሩ እፅውዕ ኢሉ።
“ጥዕና ንሰላም፡ ሰላም ንጥዕና” ኣድላይ ከምዝኾነ ዝገለፀ ዶክተር ቴድሮስ፡ ሂወት ንምድሓን ኣብ ኩሎም ዞባታት ጎንፂ: ሰብኣዊ ሓገዝን ቀረባት ሕክምናን ንምቕራብ መተሓላለፊ መገድታት ክፉታት ከምዝኾኑ ምርግጋፅ የድሊ" ክብል ኣገንዚቡ።
እዚ ምስዝኸውን ዓለምለኻዊ ትካላት ረድኤትን ጉጅለታት ሲቪል ማሕበረሰብን ሂወት ንምድሓን ዝከኣለን ኩሉ ከምዝገብራ ኣብሪሁ።
"ቀንዲስራሕናናይሞትምስክርወረቐትምሃብኮይኑይርከብ"
ሰብሞያ ሕክምና፡ ኣብ ትግራይ፡ ሰኣን ቀረብ ኣፋውስ ህፃናት ዝርከብዎም ተሓከምቲ ይሞቱ ከምዘለዉ ንቢቢሲን ኣብ ዘውፅእዎ መግለፅን ኣፍሊጦም’ዮም።
ናይዚ ቀንዲ ምኽንያት፡ ሓይልታት ፌደራልን መሻርኽቶምን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብዘንበርዎ ዕፅዋ: ኣፋውስን መሳርሕታት ሕክምናን ክበፅሖም ከምዘይከኣለ እቶም ዶካትር ገሊፆም።
ብሰንኪ እዚ፡ ብኣፋውሳትን መሳርሕታት ሕክምናን ክድሕኑ ዝኽእሉ ሰባት ንሞት ከምዝተቓልዑ ብምግላፅ ንመንግስቲ ፌደራል ይወቕሱ።
ኣፈኛ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሚኒስተር ኮሚኒኬሽን ለገሰ ቱሉ ግና፡ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘንበሮ ዕግታ የለን ክብል ንሮይተርስ ተዛሪቡ።
"ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ትግራይ ዘጋጠም ዘሎ ምሉእ ብምሉእ ሓላፍነት ናይ ህወሓት'ዩ" ከምዝበለ ድማ ሮይተርስ ምፅብፃቡ ይዝከር።
ዶካትር፡ ናይቲ ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ ኣብ ትግራይ ዝዓበየ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር: ንሮይተርስ ብቴለፎን ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ ብሰንኪ ስእነት ከም መጀነኒ 'ጎዝ'ን 'ኢንትራቨነስ ፍልዪድ' (ሓይሊ ዝህብ ፈሳስን) ዝበሉ መሰረታዊ ሕክምናዊ ነገራት ብምስኣኖም፡ ክልተ ቆልዑ ከምዝሞትዎም ገሊፆም ነይሮም።
እቶም ሰብሞያ ከምዝሓበርዎ፡ 117 ሰባት ኣብቲ ሆስፒታል ክሞቱ እንከለዉ፡ ብዙሓት ካልኦት ፀገማት ኣጋጢምዎም ኣሎ።
ናብ ትግራይ ዝኣቱ ሰብኣዊ ረዲኤት ስሩዕ ዘይምዃኑን ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ምድንጓይን ምትዕንቓፍን ከጋጥሞ ምጽንሑ ትካላት ረዲኤት ከማርሩ ምፅንሖም ይፍለጥ።
እቲ 500 ዓራት ዘለዎ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር፡ ካብ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ፡ ተወሳኺ ሕክምናዊ ቀረብን መሳርሕታትን ከምዘይተዋህቦ ሰለስተ ሓካይም ናይቲ ሆስፒታል ንሮይተርስ ሓቢሮም።
"ቀንዲ ስራሕና ናይ ሞት ምስክር ወረቐት ምሃብ ኮይኑ ይርከብ" ክብል እቲ ሆስፒታል ንዓለምለኻውያን ትካላት ረዲኤት ኣብ ዘዳለዎ ሰነድ ይገልፅ።
ዘይስሩዕ ሓይሊ ኤለክትሪክን ቀረብ ኦክስጅንን ጠንቂ ሞት ክኸውን እንከሎ፡ ምስ ካልኦት ሕፅረታት ተደሚሩ መጥባሕቲ ምክያድ ኣብ ዘይክኣለሉ ደረጃ ከምዝበፅሐ እቶም ዶካትር ገሊፆም።
ኣብ ክፍሊ መጥባሕቲ ርእሲ ዝነበራ ስካነራት'ውን ዓዲ ውዒል ከምዝኾና ሓቢሮም ኣለዉ።
ሕቡራት ሃገራት ብሰንኪ ሕፅረት ኣፋውስ ገለ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ከምዘቋረፁ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ገሊፁ ኔሩ።
እቲ ኵናት ካብ ዝውላዕ ንነዘ፡ ኣብ ትግራይ ኣገልግሎት መብራህቲ፣ ማይ፣ ስልኪ፣ መጓዓዝያን ባንክን ተቛሪፆም’ዮም።
ኣብታ ኣብ ሙሉእ ዕፅዋ ትርከብ፡ ሚልየናት ዝተመዛበሉላን ብኣሽሓት ዝሞቱላን ትግራይ፡ 6.3 ሚልየን ህዝቢ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮ ዝተገለፀ እንትኾን፡ ሕቡራት ሃገራት ድማ 'ዕላዊ ዘይኮነ ዕፅዋ ብመንግስቲ ተኣዊጁ' ከምዘሎ ኣፍሊጡ’ዩ።
ውድብ ምግቢ ዓለም ናብቶም ኣብ ትግራይ ህፁፅ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ብመዓልቲ 100 ረድኤት ዝፀዓና መኻይን ክኣትዋ ከምዝግባእ ኣፍሊጡ’ዩ።
ከም ሓበሬታ ጉዳያት ሰብኣዊ ረድኤት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ) ግና፡ ዛጊድ ናብ ትግራይ ዝኣተወ ቀረብ 12 ሚእታዊት ናይቲ ዘድሊ ጥራሕ እዩ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







