ትካላት ረድኤት መጥቃዕቲ ድሮን ስዒቡ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ስራሕቶም ከምዘቋረጹ ገሊጾም

ናብ ስደት ዝኸዱ ህጻንን ሽማግለ ኣደን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ልዕሊ መዓስከር ተመዛበልቲ መጥቃዕቲ ኣየር ድሕሪ ምፍጻሙ፡ ትካላት ረድኤት ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ዝህብዎ ዝነበሩ ኣግልግሎት ሰብኣዊ ረድኤት ከምዘቋረፁ ገሊጾም።

ኮሚሽን ጉዳያት ሰብኣዊ ረድኤት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ)፡ ብመሰረት ዝበፅሖ ኣፈናዊ ሓበሬታ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ኣብ ከተማ ደደቢት ኣብ ልዕሊ መፅለሊ ተመዛበልቲ ብዝተፈፀመ ከቢድ መጥቃዕቲ ኣየር፡ ብዙሓት ስቪላት ከምዝተቐተሉን ከምዝተጎድኡን ን AFP ገሊፁ።

"ኣብቲ ከባቢ ብሰንኪ ዝፍፀም ዘሎ መጥቃዕቲ ድሮን ድማ፡ መዳርግቲ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ስራሕቶም ከቋርፁ ተገዲዶም" ኢሉ።

ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ ጉድኣት ዝበጽሖም ግዳያት ንምሕካም ዘኽእል ሕክምናዊ ናውትን ኣፋውስን ክርከብ ከምዘይተኽኣለ ብምግላጽ፤ ኩሎም ተጻባእቲ ሓይልታት መሰል ሰላማውያን ሰባት ከኽብሩ ጸዊዑ።

"ኣብቲ ክልል ዘሎ ስርዓት ሕክምና ዳርጋ ሙሉእ ንሙሉእ ምስ ዓነወ እዩ" ኢሉ።

ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ መፅለሊ ተመዛበልቲ ብዝተፈፀመ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ፡ 56 ሰባት ከምዝተቐትሉን ካልኦት ብዙሓት ከምዝቖሰሉን ሰራሕተኛታት ረድኤት ንሮይተርስ ገሊፆም'ዮም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እዚ መጥቃዕቲ ኣመልኪቱ ዝሃቦ ምላሽ እኳ እንተዘየለ፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ግን ንዒላማታት ሓልታት ትግራይ ዘነጻጸረ መጥቃዕትታት ክገብር ከምዝጸንሐ ክገልጽ ጸኒሑ'ዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ትካል ህፃናት ሕቡራት ሃገራት - ዩኒሴፍ፡ ነዚ "ኣብ ትግራይ ኣብ መፅለሊ ተመዛበልቲ ዝተፈፀመ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ዓለምለኻዊ ሕግታት ሰብኣውነት ዝጥሕስ'ዩ" እዩ ክብል ኮኒንዎ።

በቶም ኣብ መፅለሊ ተመዛበልትን መዓስከር ስደተኛታትን ዝተፈፀሙ ናይ ኣየር መጥቃዕትታት ከምዝተቖጠ'ውን ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር ዩኒሴፍ ሄንሪየታ ፎረ ኣብ ዘውፅኣቶ መግለፂ፡ "ተመዛበልቲ ህፃናትን ስድራን ዘፅልልሎም ኣብያተ ትምህርቲ ሓዊሱ፡ መፅለሊ ተመዛበልትን መዓስከር ስደተኛታትን፡ ሰብኣዊ ኣገልግሎት ዝወሃብሎም ንብረት ሲቪላት እዮም። ነዚኦም ዘይምኽባርን ካብ መጥቃዕትታት ዘይምሕላውን ድማ፡ ዓለምለኻዊ ሕጊ ሰብኣውነት ከም ምጥሓስ እዩ" ኢላ።

ኣብ ትግራይ መዓስከር ስደተኛታት ማይዓይኒ ብዝተፈፀመ ደብዳብ ኣየር ድማ፡ ክልተ ህፃናት ዝርከብዎም ሰለስተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዝተቐተሉ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣፍሊጡ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

ሰራሕተኛታት ረድኤት ኣብቲ ዝሓለፈ ቀዳም ንሮይተርስ ከምዝበልዎ፡ ብዝሒ ናይቶም ኣብ መፅለሊ ተመዛበልቲ ደደቢት በቲ መጥቃዕቲ ዝተቐትሉ ብሓለፍቲ እቲ ከባቢ ዝተረጋገፀ'ዩ። ኦቻ ነቲ ቁጽሪ ግዳያት ገና ኣየጻረኹን ኢሉ።

እታ ዳይሬክተር ዩኒሴፍ፤ ሄንሪየታ ፎረ ፡ ኣብቲ ልዕሊ ሓደ ዓመት ኣቑፂሩ ዘሎ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት፡ "ኣብ ልዕሊ ህፃናት ዝተፈፀሙ ከበድቲ ግህሰታት ሓዊሱ፡ ኣረሜናዊ ተግባራት ከምዝተፈፀሙን፡ እዚ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብኩሎም ሓይልታት ይፍፀሙ ከምዘለዉን" ኣፍሊጣ።

ሰራሕተኛታት ትካላት ረድኤት፡ ካብቲ ሆስፒታል ንህፃናት ሓዊሱ በቲ መጥቃዕቲ ኣየር ጉድአት ናይ ዝበፅሖም ሰባት ኣሳእል ናብ ሮይተርስ ልኢኾም እዮም።

እቲ ጉድኣት ዝበፅሖም ዝተወስድሉ ጠቕላላ ሆስፒታል ስሑል ሽረ፡ ከይዱ ዝተዓዘበ ካብቶም ሰራሕተኛታት ረድኤት ሓደ፡ እቲ ሆስፒታል ብዕድመ ድፍእ ዘበሉን ህፃናትን ዝተመልአ እዩ ኢሉ።

ትካል ህፃናት ሕቡራት ሃገራት - ዩኒሴፍ፡ ኣብቲ ኵናት ዝሳተፉ ዘለዉ ኩሎም ተፃባእቲ ሓይልታት ብህፁፅ ተኵሲ ደው ከብሉ ድማ ፀዊዑ።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ተፃባእቲ ሓይልታት፡ ዓለምለኻዊ ሕግታት ሰብኣዊ መሰላት፣ ሕግታት ሰብኣውነትን ስደተኛታትን ከኽብሩ፡ ከምኡ'ውን ኮሪደር ሰብኣዊ ሓገዝ ክህሉ ክሕግዙን ህፃናት ካብ ጉድኣት ክሕልዉን ኣገንዚቡ።

ወሃቢ ቃል ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ኮሎኔል ጌትነት ኣዳነን ኣፈኛ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣይተ ለገሰ ቱሉን ነቲ መጥቃዕቲ ኣመልኪቶም ምላሽ ከምዘይሃብዎ ሮይተርስ ምፅብፃቡ ይዝከር።

መሰልጠኒ ቦታታት ሓይልታት ትግራይ ዒላማ ከምዝገበር ዝገልጽ፡ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ ኣብ ርእሰ ከተማ ትግራይ ዝኾነት መቐለን ዝተፈላለዩ ካልኦት ከባብታት ትግራይን ተደጋጋሚ ደብዳባት ኣየርን ድሮንን ከካይድ

ብረቡዕ ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ፡ መንግስቲ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ናይ ድሮን መጥቃዕቲ የካይድ ከምዘሎን ሲቪላውያን ዕላማ ይኾኑ ምህላዎምን ከሲሱ ነይሩ።

እቲ ኲናት ኣብ ምንታይ ኩነታት ኣሎ?

እቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐን ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝቕጽል ዘሎን ኲናት፡ ህይወት ኣሽሓት ሰባት ቀዚፉ፣ ጠንቂ ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኮይኑ፣ ሚልየናት ካብ መንበሪ ቤቶም ኣመዛቢሉን ተጸበይቲ ህጹጽ ሰብኣዊ ረዲኤት ገይሩን ኣሎ።

ኣብታ ኣብ ሙሉእ ዕፅዋ ትርከብ ትግራይ 6.3 ሚልየን ህዝቢ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮ ዝተገለፀ እንትኾን፡ ሕቡራት ሃገራት ድማ 'ዕላዊ ዘይኮነ ዕፅዋ ብመንግስቲ ተኣዊጁ' ከምዘሎ እዩ ዝኸስስ።

ንትግራይ ዝመርሕ ዘሎ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ናብ ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝለኣኾ ድብዳበ፡ ሓይልታት ትግራይ፡ ካብ ኩሉ ከባቢታት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከምዝሰሓቡን እቲ ኲናት ሰላማዊ ፍታሕ ንክረክብ ዝዓለመ ምዃኑን ይገልፅ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ'ውን ሒዝዎም ዘሎ ከባብታት ሒዙ ከምዝፀንሕን ናብ ትግራይ ወተሃደራዊ ወፍሪ ከምዘየካይድን ኣፍሊጡ ኔሩ።

ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝን ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኔድ ፕራይስን፡ እዚ ምዕባለታት ንሰላም በሪ ዝኸፍት ምዃኑ ገሊፆም ነይሮም።

እንተኾነ፡ ኣብዚ እዋን እቲ ኲናት ዝርከበሉ ኩነታት ዘመልክት ጭቡጥ ሓበሬታ'ኳ እንተዘይተረኽበ፡ ኣብ ገለ ከባብታት ውግእ ከምዘሎን ደብዳብ ነፈርቲ ቀጺሉ ከምዘሎን ይግለፅ።