ቅልውላው ትግራይ፡ እናበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ክልል ትግራይ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ክልተ መዓስከራት ስደተኛታት ዝነበሩ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሰንኪ ዋሕዲ ቐረባት ኣብ ኣስጋኢ ኩነታት ከምዘለው ገሊጹ።
ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (ዩኤንኤችሲኣር) ድሕሪ ምጅማር እቲ ኵናት ናብተን መዓስከራት ዝኾነ ከራኽቦ ዝኽእል መስመር ስለዘይነበረ፡ ነቶም ብዘይ ዝኾነ ሓገዝ ዝተረፉ ስደተኛታት ሰብኣዊ ሓገዛት ንኽብጽሖም ገደብ ዘይብሉ መስመራት ክኽፈተሉ ብተደጋጋሚ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጻውዒት የቕርብ ምንባሩ'ውን ኣፍሊጡ።
ብሰንኪ እቲ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር ኣብ ትግረይ ዝተለዓለ ኵናት ብዙሓት ሰለማውያን ሰባት ንስደት፡ ምፍንቃልን ሞትን ከምዝተቃልዑ እዩ ዝንገር።
ኣብተን ኣብ ትግራይ ዝርከባ ኣርባዕተ መዓስከራት ስደተኛታት ዝነበሩ ኣስታት 100 ሽሕ ኤርትራውያን'ውን እቲ እተን መዓስከራት ዝተዶኮናሉ ቦታ ናይ ኵናት ዞባ ኮይኑ ስለዝነበረ በቲ ኵናት ካብ ዝተሃስዩ እዮም።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ግን ናብ መዓስከራት ዓዲሓርሽን ማይዓይንን ከምዝበጽሑ ሓላፊ ዩኤንኤችሲኣር ኣብ ኢትዮጵያ ሓቢሩ።
ኣብቲ ቦታ ድሕሪ ምብጽሖም፡ ኣብተን ክልተ መዓስከራት ዝጽንሕዎም ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ንዝሓለፈ ልዕሊ ክልተ ኣዋርሕ ዝኾነ ሰብኣዊ ሓገዛት ስለዘይበጽሖም ኣብ ዝኸፈአ ደረጃ ከምዝጸንሕዎም ሓላፊ ዩኤንኤችሲኣር ኣብ ኢትዮጵያ ክሪስ መልዘር ብረቡዕ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ገሊጹ።
ክሪስ መልዘር እቲ ትካሎም ነተን መዓስከራት መሰረታዊ ቀረባት ንምብጻሕ ኣብ ምድላዋት ከምዘለሎ ኸኣ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
"ንዝሓለፈ ክልተ ወርሕን ፈረቃን ዝስተ፡ መሕጸቢ ከምኡ'ውን ንመግቢ መብሰሊ ካብ ሓደ ሩባ ክጥቀሙ ስለዝጸንሑ ኣብቲ ቦታ ሕማም ውጽኣት ልሙድ ኮይኑ ኣሎ" ድማ ይብል።
ኣብተን ደቡባዊ ሸነኽ ትግራይ ዝርከባ መዓስከራት ማይ ዓይንን ዓዲ ሓርሽን ሕጂ ኣስታት 25000 ስደተኛታት ከምዘለዉ ዝሓበረ ክሪስ መልዘር እዚ ቁጽሪ ምስቲ ቅድሚ እቲ ኵናት ምጅማሩ ዝነበረ ብምንጽጻር 'ኣዝዩ ውሑድ' ምዃኑ ብምጥቃስ ብዙሓት ካብቲ መዓስከር ስደተኛታት ከምዝሃደሙ ጠቒሱ።
ክሪስ መልዘር ዳርጋ ኩሉ እቲ እቶም ስደተኛታት ዘጽልሉ ዝነበሩ ገዛውቲ ከምዝዓነወን ኣብቲ ቦታ ሓካይም መምሃራን ከምኡ'ውን ጽሩይ ማይ ከምዘየለ ገሊጹ።
እተን ተወከልቲ ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ክበጽሑወን ዝኽኣሉ ክልተ መዓስከራት ስደተኛታት [ማይዓይንን ዓዲሓርሽን] ካብቲ ከቢድ ኵናት ዝካየደሉ ቦታ ዝርሓቃ እየን።
ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ነተን ኣብ ሰሜን ትግራይ ናብ ዶብ ኤርትራ ዝቀረባ፡ ከምኡ'ውን ኣብቲ ብርቱዕ ኵናት ዝተኻየደሉ ቦታ ዝርከባ መዓስከራት ሸመልባን ሕጻጽን ግን ብተደጋገሚ እኳ እንተሓተተ ክሳብ ሕጂ ናብቲ መዓስከር ከይዶም ክዕዘቡ ከምዘይተፈቐደሎም፡ ክሪስ መልዘር ንቢቢሲ ገሊጹ።
ክሪስ መልዘር ኩነታት እቶም ኣብ መዓስከር ሸመልባን ሕጻጽን ዝርከቡ ኣስታት 30000 ኤርትራውያን ስደተኛታት [እዚ ቁጽሪ ቅድሚ ኵናት ምጅማሩ ዝነበረ ቁጽሪ'ዩ]፡ እቲ ቦታ ብርቱዕ ኵናት ዝተኻየደሉ ቦታ ስለዝኾነ ኣዝዩ ዝኸፈአ ክኸውን ከምዝኽል እዩ ዝግምት።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ናብ ሰብኣዊ ቅልውላው
ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ወርሒ ሕዳር ዝጀመረ ኵናት፡ ብዙሕ ሰብ ንጥሜት ተቃሊዑ ከምዘሎ እዩ ዝግለጽ።
ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ ኢትዮጵያ ምስ ትካላት ውሃብቲ ረድኤት ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ ኣብ ደብተሩ ካብ ዘስፈሮ መዘክር ዝተረኸበ ቅዳሓ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጎንጺ "ኣማኢት ኣሽሓት ብጥምየት ክሃልቁ ይኽእሉ'ዮም" ኢሉ።
ብመንግስቲ ዝካየድ ምውህሃድ ህጹጽ ሓገዝ ንትግራይ (Tigray Emergency Coordination Center (ECC)) ናብ ትግራይ ዘድሊ ሓገዛት ኣብ ምጽናዕ ይርከብ።
መንግስቲ ፌዴራል ኣብ 28 ሕዳር ንመቐለ ድሕሪ ምቁጽጻሩ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዝነበረ ስርሒት ሕጊ ምኽባር ከምዘተዛዘመ ምግላጹ ይዝከር፡ እንተኾነ ኣብታ ክልል ኵናት ይካየድ ምህላዉን ሕሱም ሰብኣዊ ቅልውላው ምህላዉ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።
ሕቡራት ሃገራት "ዘሎ ጸብጻባት ኣብታ ክልል መግቢ ከምዘየለን ወይ'ውን ኣብ ዕዳጋ ብኣዝዩ ድሩት ቁጽሪ ከምዝርከብ ስለዚ እዚ ጉድለት ኣመጋግባ ከኸትል እዩ" ይብል።
ምውህሃድ ህጹጽ ሓገዝ ንትግራይ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣብ ትግራይ 4.5 ሚልዮን ሰባት ህጹጽ ናይ መግቢ ሓገዝ የድልዩም ኣሎ ምባሉ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣስፊርዎ ኣሎ።
ብመሰረት እቲ ልሒኹ ዝወጽአ ጽሑፍ፡ ምውህሃድ ህጹጽ ሓገዝ ንትግራይ 8 ጥሪ ኣብ ዝገብርዎ ኣኼባ፡ ሓደ ካብቶም ግዝያውያን ኣመሓደርቲ ማእከላይ ዞባ ክልል ትግራይ ኣብቲ ኣኼባ ተሳቲፉ ኣብ መዘክሩ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ "ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ኣዝዩ ዘተሓሳስብ እዩ" ኢሉ።
ንሱ ኣብቲ ጽሑፉ፡ "ዝብልዑን ዘይብልዑን ወይ'ውን ኣቁሑ ናይ ገዛ ተሰሪቆምም እዮም። እቶም ዘይተሰረቁ ኸኣ ዓንዮም'ዮም፡ ብቅልጡፍ ህጹጽ ሓገዝ ክብጽሕ እንተዘይክኢሉ ኸኣ ኣማኢት ኣሕሻት ብጥምት ክሞቱ እዮም" ኢሉ እዩ ኣብ ኣብ ደብተሩ ጽሒፉ።
ኣብ ዝብዝሓ ክፋል እታ ክልል መስመር ናይ ቴሌፎንን ኢንተርኔትን ተዓጽዩ ስለዘሎ፡ እቲ ዝበሃል ዘሎ ሓበሬታት ንምርግጋጹ ኮነ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኮይኑ ኣሎ።
ሮይተርስ ነቶም ኣብ ገጠራት ትግረይ ዝበጽሑ ትካላት ውሃብቲ ረድኤት ብምውካስ ኣብ ትግራይ ሰባት ብሕጽረት ሕክምናዊ ኣገልግሎት፡ ማይን መድሃኒትን ይሞቱ ምህላዎም ገሊጹ ኣሎ።
እቲ ኵናት ዝተካየደሉ ኣዋርሕ፡ ሓረስታይ ዘራእቱ ዓጺዱ ምህርቲ ክሓፍስ ዝኽእለሉ ዝነበረ እዋን እኳ እንተኾነ፡ ብሰንኪ እቲ ኵናት ብዙሓት ሓረስቶት ምህርቶም ብዘይምሕፋሶምን፡ ክሳብ ሕጂ ሰብኣዊ ሓገዛት ስዘይበጸረሖምን እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት 'ዘፍርሕ'ዩ' ይብል ጸብጻብ ሮይተርስ።
ሓላፊት ህጹጽ ሓገዝ መዲሰን ሳንስ ፈሮንታየር [MSF] ማሪ ካርመን ቪኖለ ኣብ ከባቢ ዓዲግራትን ኣክሱምን ምብጻሕ ከምዘካየዱ ብምሕባር "እቲ ህዝቢ ርዒዱ እዩ፡ ኣዝኡ ተቐንዝዩ ኣሎ" ትብል።
ማሪ ካርመን ቪኖለ ምስ ሮይተርስ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕተት፡ ሰብ ብሰንኪ ከም መድሃኒት ነድሪ ሳንቡር ዝኣመሰሉ ሕጽረታት መድሃኒት ከምኡ'ውን ድሕሪ ሕርሲ ዘጋጥም ሕልኽላኻት ይሞቱ ምንባሮም ገሊጻ።
ንሳ ብተወሳኺ፡ ኣብ ዓዲ ግራት ዝጸንሕዎም ዶኳትርን ነርስታትን 'ነቶም ጥምየት ዘለዎም ሕሙማት' ንምድሓን ክቃለሱ ከምዝጸንሕዎምን፡ ኣምቡላንስ ናይቲ ሆስፒታል ከምዝተሰርቃን መዲሰን ሳንስ ፈሮንታየር ምዕዛቦም ገሊጻ።
መንግስቲ ኢትዮጵያኸ እንታይ ይብል
ኣብ ትግራይ መግብን፡ ካልኦት ነገራትን ናውቲ ሕክምናን ናብ 1.8 ሰባት ከምዝበጽሕ ሚኒስተሪ ሰላም ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ሳልስቲ ገሊጹ።
ካብቶም ደገፍ ዝበጽሖም ብተወሳኺ ን2.5 ሚልዮን ከአንግድ ዝኽእል ምድላዋት ይግበር ከምዘሎ ኣብ'ቲ ዘውጽኦ መግለጺ ጠቒሱ።
እቲ ሰብኣዊ ሓገዛት ኣብ ከተማ ኣክሱም፡ ዓዲ ግራት፡ ኣላማጣ፡ ከባቢ መቀለ፡ ካብ ሽረን ከተማ መቐል ካብ ዝርከብ መከፋፈሊ ቦታታት ናብቶም ሓገዛት ዘድልዮም ሰባት ይከፋፈል ምህላውን ንደቂ ኣንስትዩ፡ ህጻናት፡ ኣረጋውያንን ስንክልና ዘለዎም ቀዳምነት ሂቦም ይሰርሑ ምህላዎም እቲ ሚኒስትሪ ሓቢሩ።
እቲ ሰብኣዊ ሓገዛት፡ ብኣወሃሃዲ ህጹጽ ግዜ ዝምእከል ኮሚተ ሚኒስተራት፡ ኣብቲ ክልል ዝርከባ ኣብያተ ጽሕፈታት፡ ካብ ሕቡራት ሃገራት፡ መንግስታውያንን ዘይመንግስታውያንን ማሕበራት ዝተዋጽኤ ናይ ተክኒክ ጉጅለታት ዝሓቆፈ ኮይኑ ነቲ ስርሒት ምሃብ ሰብኣዊ ሓገዛት ዝከታታል ኣብ ከተማ መቀለ ሓደ ማእከል ከምዝቆመ ተገሊጹ።
እቲ ሚኒሰትሪ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝቀርቡ ዘለዉ ሰብኣዊ ሓገዛት እቲ ካልእ ዘድሊ ጠለባት ንምልላይ ይስራሕ ምህላውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ መሻርኽቱ ብምዃን ብጥምረት ይሰርሕ ምህላዉ ጠቒሱ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







