ቅልውላው ትግራይ፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ናብ ሰብኣዊ ቅልውላው ከምርሕ ይኽእል እዩ

ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብ ትግራይ 4.5 ሚልዮን ሰባት ህጹጽ ሓገዝ ከምዘድልዩ ገሊጹ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብቲ ኵናት ዝተኻየደሉ ክልል ትግራይን ምስ ክልል ትግራይ ዘዋስኑ ቦታታትን ድሕነት ነበርቲ እቲ ከባቢ ከምኡ እውን ካብቲ ከካቢ ዝተፈናቀሉ ሰባት ዝርከብሉ ኩነታት ኣሻቓሊ ምዃኑን ሰብኣዊ ቅልውላው ከኸትል ከምዝኽእልን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዩጽያ ገሊጹ።

እቲ ኮምሽን ናብ ክልል ትግራይን ኣብ ገለ ምስ ክልል ትግራይ ዝዋሰን ቦታታት ናይ ክልል ኣምሓራን ብምኻድ ነቶም ግዳያት፡ መንግስታውያንን ዘይመንግስታውያንን ኣካላት ከምኡ'ውን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት ብምዝርራብ ኣኪበየ ዝበሎ ሓበሬታ ምርኩስ ብምግባር እዩ ጸብጻቡ ኣቕሪቡ።

ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ዳንሻ፣ ሑመራ፣ ቢሶበርናን ኤላጋን ኣብ ዝተኻየደ ውግእ፡ ሰለማውያን ሰባት ከምዝሞቱን ከምዝተወግኡን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊ መንበሪ ኣባይቲ ስርቂ ከምዝተፈጸመ ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።

ኣብ ቢሶበርና ኡላጋን 31 ሰለማውያን ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ 104 መንበሪ ኣባይቲ ገለ ምሉእ ንምሉእ ገለ ኸኣ ብኸፊል ተቃጺሉ፡ ካብዚ ብተወሳኺ ኣብቲ ካበቢ ዝነበረ ቤት ትምህርትን ማእከል ጥዕናን ዓንዩ-ይብል።

ካብቲ ከባቢ ኣብ ትሕተ ቅርጺ ወሃብቲ ኣገልግሎት ዕንወት ከምዝወረደን፡ ኤለትሪከን ማይን ክሳብ ሕጂ ዳግማይ ከምዘይጀመረን እዚ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ እቲ ኸባቢ ተወሳኺ ሰብኣዊ ቅልውላው ከየስዕብ ዘስግእ እዩ ይብል ጸብጻብ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ።

ኣብ ሑመራን ዳንሻን'ውን ብተመሳሳሊ ብሰላማውያን ሰባት ዝውነኑ መንበሪ ኣባይትን ትካላት ውሃብቲ ኣገልግሎትን ዕንወትን ስርቅን ከምዝጋጠሞም እቲ ኮምሽን ገሊጹ።

ሰለማውያን ሰባት ብምኽንያት ብሄሮም ወይ'ውን ብከባቢኦም፡ ውሕስነት ጸጥታ ስለዘየለ ንድሕነቶም ከምዝሰግኡ ነቲ ኮምሽን ከምዝገለጽሉ ኣብቲ ጸብጻብ ሰፊሩ ኣሎ።

ኣብ ከተማ ሑመራ፡ 'ፋኖ' ዝተብሃለ ውዳበ መናእሰይ፣ ገለ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ሚሊሻን ኣባላት ምክልካል ሃገርን ከምኡ'ውን ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ መንበሪ ገዛውትን ኣብያተ ንግድን ስርቂ ከምዘካየዱ ነበርቲ ነቲ ኮሚስን ከምዝገለጽሉ ሓቢሩ።

ከምኡ'ውን ኣብቲ ከበባኢ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ፡ መጥቃዕትን ምስርጣይን ከምዘብጽሑ ሓበሬታ ከምዝረኸበ ይገልጽ።

"ብሓፈሻ ኣብዘን ኣርባዕተ ከተማታት ዘሎ ስግኣት ናይ ጸጥታ ፡ እቶም ኣኽበርቲ ፍትሒ ናብ ምዱብ ስረሖም ስለዘይተመለሱ ፡ ድሕነት ሰብ ምውሓስን ሰብኣዊ መሰላት ምኽባርን ኣጸጋሚ ኮይኑ ኣሎ" ይብል ጸብጻብ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ።

ኮምሽነር ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዶክተር ዳንኤል በቀለ"ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ናይ ጸጥታ ኩነታት፡ ኣብ ነበርቲ ትግራይ ይኹን ካብ ትግራይ ናብቶም ኣዋሰንቲ ቦታታት ዝተፈናቐሉሉ፡ ጠለባት ሰብኣዊ ሓገዛት ክውስኽ ህላዊኦም ኣብ ከቢድ ፈተነ ክኣቱ ምኽንያት ኮይኑ እዩ" ኢሉ።

ኮምሽነር ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዶክተር ዳንኤል በቀለ ብምስዓብ እቶም በዚ ኩናት ዝተሃሰዩ ዝኾነ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝይረኸቡን እቶም ዝረኸቡ ኸኣ ኣዝዮም ወሑዳት ምኳኖምን ውሑድ ሰባኣዊ ሓገዛት ከምዝተገበረሎም ብምግላጽ "ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት በጺሑ ዘሎ ጉድኣት በቶም ዝምልከቶም ኣካላት ቅልጡፍ ፍታሕ ዝጠልብ እዩ" ኢሉ።

ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝተወሰኑ ቦታታት ድሕሪ ዝገበሮ ምዕዛብ ናብ ከተማ መቐለን ካልእ ቦታታት ናይ ትግራይ ብምኻድ ብምኽንያት እቲ ግጭት ዝተጠሓሱ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ምምርማር ከምዝርከብን ስርሑ ምሉእ ንምሉእ ምስ ወደአ ጸብጻቡ ከምዘቕርብን ገሊጹ ኣሎ።

ኣብ ትግራይ ዝተኸሰተ ወተሃደራዊ ግጭት፡ ተኸቲሉ ብዙሓት ሰባት ንሞት፡ ኣካላዊ መጉዳእቲን ንምፍንቃልን ከምዝተቃልዑን እኳ ዝግለጽ እንተኾነ፡ እቲ ንጹር ቁጽሪ ግን ክሳብ ሕጂ ክፍለጥ ኣይተኻኣለን።

እቲ ኵናት ካብ ተጀመረ ዛጊት ልዕሊ 56 ሽሕ ሰባት ናብ ሱዳን ከምዝተሰደዱ የይግለጽ። ኣብቲ ክልል ዝተመዛበሉ ከኣ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ከምዝኾኑ ዓለምለኻዊት ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ይገልጻ።

ኣብ ክልል ትግራይ ክንድቲ ዝኣክል ሰብኣዊ ሓገዛት ክቀርብ እንተዘይክኢሉ፡ ጥሜት ዝኸፍአ ሓደጋ ከኸትል ከምዝኽእል ብምግላጽ ትካላት ውሃብቲ ረድኤት ሰብኣዊ ሓገዛት ከቅርባ ጽውዒት ይቀርበለን ኣሎ።

ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ'ውን ኣብ ጸብጻቡ ኣብ ዘስፈሮም ከባቢታት ኩነታት እቶም ነበርቲ ናብ ሰብኣዊ ቅልውላው ከምርሕ ስለዝኽእል ዝምልከቶም ኣካላት ቅልጡፍ መልሲ ክህቡ ጸዊዑ ኣሎ።

ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብ ትግራይ 4.5 ሚልዮን ሰባት ህጹጽ ሓገዝ ከምዘድልዩ ገሊጹ ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ'ኸ እንታይ ይብል

መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ትካላት ውሃብቲ ረድኤት ኮይኑ፡ ሰብኣዊ ሓገዛት ናብቶም ዘድልዮም ንምብጻሕ ምስ መሻርኽቲ ኮይኑ ይሰርሕ ከምዘሎ'ዩ ዝገልጽ።

ኣብ ገለ ካባቢታት ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማታት ወሃብቲ ሬድኤት ምስ ሰብ መዚ ኢትዮጵያን ብምዃን ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘብጽሑ ይፍለጥ። እንተኾነ፡ እቲ ዝወሃብ ዘሎ ምስቲ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ተዛሚዱ ኣዝዩ ውሑድ ምዃኑ ወሃብቲ ሬድኤት ይገልጹ።

ኣብ ከተማታት ዓድዋ፡ ኣክሱምን ሽረን'ውን ኣገልግሎት መብራህቲ ከምዝረኸባ ብዓልመዚ ሓይሊ ኤለክትሪክ ኢትዮጵያ ሓቢሩ'ሎ። ብሰንኪ'ቲ ልዕሊ ክልተ ኣዋርሕ ኣቑጺሩ ዘሎ ኵናት ኣብ ክልል ትግራይ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ምቁራጹን ምዕናውን ይፍለጥ።

ኣብ ከተማ ሑመራን ኣብ ወልቃይት ዝርከባ ከተማታትን ንዘሎ መስመራት መብራህቲ ንምጽጋን ይሰርሕ ከምዘሎ'ውን እቲ ትካል ገሊጹ'ሎ።

ሓይልታት ምክልኻል ፈደራለዊ መንግስቲ ኢትዩጵያ፡ ኣብ ትግራይ ዝነበረ መዓስከራቱ ብሓይልታት ትግራይ መጥቃዕቲ ተፈጺምዎ ብምባል 'ወፍሪ ምኽባር ሕጊ' ከምዘካይድ ብምእዋጅ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ወርሒ ሕዳር ነቶም ንትግራይ ዝመርሑ ሓለፍቲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣብ ሕጊ ከምዘቕርቦም ገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ነቶም 'ገበነኛታት' ዝበሎም ናብ ሕጊ ንምቕራብ ተመጣጣኒ ሓይሊ ከምዝተጠቀሙ እዩ ዝገልጽ።

ርእሰ ከተማ ክልል ትግራይ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ብሰራዊት ፌዴራል ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ድሕሪ ምእታዋ፡ ነቶም ሓለፍቲ ህወሓት ዝነበሩ ንምሓዝ ገና ስርሒታት ይካየድ ከምዘሎ እዩ መንግስቲ ዝገልጽ።

ንሳቶም ግና፡ ነቶም 'ወረርቲ' ዝብልዎም ክሳብ መወዳእታ ከምዝገጥምዎም እዮም ዝዛረቡ።