ቅልውላው ትግራይ ፡ ኣብ ትግራይ 'ኣማኢት ኣሽሓት ብጥሜት ክሃልቁ ይኽእሉ'ዮም'

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ ኢትዮጵያ ምስ ትካላት ውሃብቲ ረድኤት ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ ኣብ ደብተሩ ካብ ዘስፈሮ መዘክር ዝተረኸበ ቅዳሓ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጎንጺ "ኣማኢት ኣሽሓት ብጥምየት ክሞቱ ይኽእሉ'ዮም" ኢሉ።
ብመንግስቲ ዝካየድ ምውህሃድ ህጹጽ ሓገዝ ንትግራይ (Tigray Emergency Coordination Center (ECC)) ናብ ትግራይ ዘድሊ ሓገዛት ኣብ ምጽናዕ ይርከብ።
መንግስቲ ፌዴራል ኣብ 28 ሕዳር ንመቐለ ድሕሪ ምቁጽጻሩ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዝነበረ ስርሒት ሕጊ ምኽባር ከምዘተዛዘመ ምግላጹ ይዝከር።
እንተኾነ ኣብታ ክልል ኵናት ይኻየድ ምህላዉን ሕሱም ሰብኣዊ ቅልውላው ምህላዉ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።
ሕቡራት ሃገራት "ዘሎ ጸብጻባት ኣብታ ክልል መግቢ ከምዘየለን ወይ'ውን ኣብ ዕዳጋ ብኣዝዩ ድሩት ቁጽሪ ከምዝርከብ ስለዚ እዚ ጉድለት ኣመጋግባ ከኸትል እዩ" ይብል።
ምውህሃድ ህጹጽ ሓገዝ ንትግራይ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣብ ትግራይ 4.5 ሚልዮን ሰባት ህጹጽ ናይ መግቢ ሓገዝ የድልዩም ኣሎ ምባሉ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጽኢ ጸብጻብ ኣስፊርዎ ኣሎ።
ብመሰረት እቲ ልሒኹ ዝወጽአ ጽሑፍ፡ ምውህሃድ ህጹጽ ሓገዝ ንትግራይ 8 ጥሪ ኣብ ዝገብርዎ ኣኼባ፡ ሓደ ካብቶም ግዝያውያን ኣመሓደርቲ ማእከላይ ዞባ ክልል ትግራይ ኣብቲ ኣኼባ ተሳቲፉ ኣብ መዘክሩ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ "ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ኣዝዩ ዘተሓሳስብ እዩ" ኢሉ።
ንሱ ኣብቲ ጽሑፉ፡ "ዝብልዑን ዘይብልዑን ወይ'ውን ኣቁሑ ናይ ገዛ ተሰሪቆም'ውም እዮም። እቶም ዘይተሰረቁ ኸኣ ዓንዮም'ዮም፡ ብቅልጡፍ ህጹጽ ሓገዝ ክብጽሕ እንተዘይክኢሉ ኸኣ ኣማኢት ኣሕሻት ብጥምት ክሞቱ እዮም" ኢሉ እዩ ኣብ ኣብ ደብተሩ ጽሒፉ።
ካልእ ሓላፊ 1 ጥሪ ምስ ትካላት ውሃብቲ ረድኤት ተኣኪቡ "ቦታታት ክንብጽሕ ኣብ ንቀሳቀሰሉ ዝነበርና እዋን ሰባት ንሓንቲ ቡሽኮቲ ክልምኑና ደድሕሬና ይጎዩ ነይሮም" ምባሉ'ውን ኣብቲ ጸብጻብ ሰፊሩ ኣሎ።
ሕቡራት ሃገራት እንትርፎ ናብ ዝተወሰነ ቦታታት፡ ናብ ዝበዝሐ ክፋላት ትግራይ ምንቅስቃስ ስለዘይተፈቀደ ሓገዛት ክበጽሕ ከምዘይክኣለ ይገልጽ።
ኣብ ዝብዝሓ ክፋል እታ ክልል መስመር ናይ ቴሌፎንን ኢንተርኔትን ተዓጽዩ ስለዘሎ፡ እቲ ዝበሃል ዘሎ ሓበሬታት ንምርግጋጹ ኮነ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኮይኑ ኣሎ።
ኢምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ሎንዶን ብዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ መግልጺ፡ ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ነቶም ሓገዛት ዘድልዮም ክሕግዙ ከምዝደልዩ ገሊጹ።
እቲ ኢምባሲ ኣብ መግለጺኡ "መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ትካላት ውሃብቲ ረድኤት ኮይኑ ንምስራሕ ወትሩ ድሉው እዩ፡ ሰብኣዊ ሓገዛት ናብቶም ዘድልዮም ንምብጻሕ ንስልጡነት፡ ድሕነትን ብቅዓትን ክዕንቅጽ ዝኽእል ብድሆታት ምስ መሻርኽቲ ኮይኑ ክዝትየሉ እዩ"ኢሉ።
ሓይልታት ምክልኻል ፈደራለዊ መንግስቲ ኢትዩጵያ፡ ኣብ ትግራይ ዝነበረ መዓስከራቱ ብሓይልታት ትግራይ መጥቃዕቲ ተፈጺምዎ ብምባል 'ወፍሪ ምኽባር ሕጊ' ከምዘካይድ ብምእዋጅ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ወርሒ ሕዳር ነቶም ንትግራይ ዝመርሑ ሓለፍቲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣብ ሕጊ ከምዘቕርቦም ገሊጹ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ነቶም 'ገበነኛታት' ዝበሎም ናብ ሕጊ ንምቕራብ ተመጣጣኒ ሓይሊ ከምዝተጠቀሙ እዩ ዝገልጽ።
ርእሰ ከተማ ክልል ትግራይ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ብሰራዊት ፌዴራል ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ድሕሪ ምእታዋ፡ ነቶም ሓለፍቲ ህወሓት ዝነበሩ ንምሓዝ ገና ስርሒታት ይካየድ ከምዘሎ እዩ መንግስቲ ዝገልጽ።
ንሳቶም ግና፡ ነቶም 'ወረርቲ' ዝብልዎም ክሳብ መወዳእታ ከምዝገጥምዎም እዮም ዝዛረቡ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







