ኲናት ትግራይ-ኢትዮጵያ፡ ተወለድቲ ትግራይ ብሰንኪ መንነቶም ዒላማ ከምዝኾኑ ይዛረቡ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ካብ ትግራይ ወጻኢ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋል ኢትዮጵያ ዝነብሩ ተጋሩ: ሕዳር 4 ኣብ ዓዶም ኵናት ምስተኸፈተ ዘጋጠሞም ምንክልባት፣ ማእሰርትን ምግላልን ንቢቢሲ ኣዘንትዮም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብ ትግራይ ዝኸፈቶ ኲናት ኣንጻር ኣብ ውሽጢ ህወሓት ኣሎ ንዝበሎ "ገበነኛ ጉጅለ" ከም ዝኾነ'ኳ እንተገለጸ: ካብ ካልእ ክፋል እታ ሃገር ዝተረኸበ ጸብጻብ ግን ብሄር መሰረት ዝገበረ ኣድልዎ ኣካል እቲ ዘጋጠመ ቅልውላው ከም ዝኾነ ይገልጽ።
ኢትዮጵያ ኣስታት 110 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ከምዘለዋ ዝፍለጥ ኮይኑ ካብዚኣቶም እቶም 6 ምኢታዊት ተወለድቲ ብሄረ ትግራይ እዮም።
ብዙሓት ተጋሩ ድማ ካብ ትግራይ ወጻኢ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ከምዝቕመጡ ጸብጻባት ይሕብሩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሄር መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ ኣሎ ንዝብል ክሲ ዝነጸጎ ኮይኑ፡ እቶም ኣብ ውልቀ ሰባት ተሞርኪሶም ዝተወሰዱ ስጉምትታት ድማ መእንተ ድሕነት ተባሂሉ ከም ዝተገበረ ኣፍሊጡ።
ገለ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ኣብ ወተሃደራውን ጸጥታውን ምሕደራ ዝሰርሑ ሰባት ግን ዕጥቆም ፈቲሖም ኣብ ገዝኦም ኮፍ ክብሉ ከምዝተነገሮም'ዮም ዝገልጹ።
"ዕጥቕኺ ኣረክቢ"
ኣብ ኮምሽን ፌደራል ፖሊስ ንልዕሊ 20 ዓመታት ከምዝሰረሐት እትገልጽ ኣባል ፖሊስ ካብኣቶም ሓንቲ እያ።
ኣብ ግዜ ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣባል ህወሓት እያ ነይራ።
እቲ ግጭት ምስተወልዐ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ሓለቕኣ ደዊሉ ኣብ ቤት ጽሕፈት መጺኣ 'ሪፖርት' ክትገብር ከም ዝሓበራ ትገልጽ።
ንጽባሒቱ ናብ ቤት ጽሕፈት ምስከደት ከኣ "መንግስታዊ ንብረትን ዕጥቀይን ከረክብ ተኣዚዘ" ትብል።
ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ እቲ ኮምሽን ዝኾኑ ተወለድቲ ብሄረ ትግራይ'ውን ተመሳሳሊ ትእዛዝ ከምዝተውሃቦም ወሲኻ ገሊጻ።
መንግስቲ ብዛዕባ እቲ ብሰንኪ ብሄሮም ዕጥቆም ክፈትሑ ተገዲዶም ዝብል ክሲ ምላሽ ኣይሃበሉን።
ላዕለዋይ ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ዝኾነ ኣቶ ማሞ ምህረቱ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ጻኒሒት ግን "ብሄርን መንነትን መሰረት ዝገበረ ኣፈጻጽማ ሕጊ ኣቕሊልና ዘይንርእዮን እንኹንኖን ተግባር'ዩ፣ ቅቡሉነት ከኣ የብሉን" ኢሉ።
ይኹን እምበር "ንትካላት ድሕነት ሓላፍነት ዝተመልኦ ስጉምቲ ክወስዱ ግን ንጹር ዝኾነ ትእዛዝ ተዋሂብዎም እዩ" ዝበለ ኣቶ ማሞ ምህረቱ ትኹረቱ ድማ "ኣብ ኣኽረርትን ጸረ ለውጢ ኣብ ዝኾኑ ባእታታትን ህወሓት'ዩ" ኢሉ።
ኣብ 2018 ፖለቲካዊ መዝነት ዝተረከበ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ፡ መንነትን መሰላትን ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ብምኽባር ሃገራዊ ሓድነት ንምሕያል ፈቲኑ እዩ።
እንተኾነ ግን፡ እቲ ሕጂ ተኸሲቱ ዘሎ ጎንጺ ራኢ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ንምዕዋት ክሳዕ ክንደየናይ ከቢድ ከምዝኾነ ኣቃሊዕዎ'ዩ።
ቢቢሲ ንካልእ ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ንኣስታት 14 ዓመታት ዝሰርሐ ወተሃደር'ውን ኣዛሪቡ ነይሩ።
ንሱን ካልኦት ብጾቱን ብሰንኪ ብሄሮም ከምዝተጓነዩ ድሕሪ ምግላጽ እቲ ስጉምቲ "መሰንበዲ'ዩ" ክብል ገሊጽዎ።
ንገዛእ ርእሱ ሓዊስካ ካልኦት ኣስታት 90 ዝኾኑ ኣባላት ሰራዊት ተወለድቲ ትግራይ ብመሳርሕቶም ኣብ ኣዳራሽ ተፈልዮም ከምዝተትሓዙ ሓቢሩ።
ቴሌፎኖም ተሓዲጎም ከም እሱራት ናይ ኵናት ኮይኖም ክጸንሑ ከምዝተገበረ ድማ ተዛሪቡ።
እቲ ምእንተ ድሕነቱ ክበሃል ሽሙ ዘይንገልጾ ምንጪ ቢቢሲ፡ "ተጋሩ ዘበልና ጥራይ ተጸዊዕና ኢና ዕጥቅና ኣረኪብና: ብሓንሳብ ኮፍ ክንብል ዝተገበርና፣ እዚ ድማ ብሰንኪ መንነትና ከምዝኾነ ዘጠራጥር ኣይኮነን" ኢሉ።
እቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ኣባላት ሰራዊት ነቶም ትእዛዝ ዘውረዱሎም ሓለፍቲ ስለምንታይ ከምኡ ከም ዝገበሩ ሕቶ ምስኣቕረቡሎም "ህወሓት ኣብ መቐለ ዝርከብ እዚ ሰሜን ኣጥቂዑ ስለዘሎ፤ እቲ ትእዛዝ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ዝመጽአ'ዩ" ዝብል ምላሽ ከምዝተውሃቦም እዩ ዝዛረብ።
'ዝተሓብኣ ልሳን'
ካብቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ኣባላት ሰራዊት ተወለድቲ ትግራይ ገሊኦም ስርዓት ደርግ ኣብ ምእላይ ዝተገበረ ዕጥቃዊ ቃልሲ ደጊፎም ምስ ህወሓት ኮይኖም ዝተቓለሱ እዮም።
ደርጊ ኣብ 1991 ምስወደቐ ህወሓት ቀንዲ ቀላሳይ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ኮይኑ ድሕሪ ምጽናሕ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ምስደየበ ግን ፖለቲካዊ ዓብላልነቶም ተመንጢሎም።
ካብቶም ዕጥቆም ኣረኪቦም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ኣባላት ሰራዊት ገሊኦም ላዕለዎት ወተሃደራዊ መኮነናት ገሊኦም ድማ ኣብ ሶማልያ ኣኽበርቲ ሰላም ኮይኖም ዘገልገሉ ከም ዝርከብዎም ንቢቢሲ ዝሓበረ ምንጭና "ንሃገሮምን ሰራዊት ምክልኻልን እንተይረብረቡ ዘገልገሉ ሰባት እዚ ክፍደዩ እዮም ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን ነይረ" ይብል።
እቲ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ወተሃደር ጸኒሑ ካብ እቲ ምስ ካልኦት ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዩሉ ዝነበረ ቀጽሪ ኣምሊጡ መንነቱ ከይፍለጥ ንገዛእ ርእሱ ሓቢኡ ናብ ጎረቤት ሃገር ሰጊሩ እዩ።
ካብ እቲ ዘምለጠሉ ቦታ ናብ እቲ ሕጂ ዝርከቦ ሃገር እንትጓዓዝ ትግራዋይ ምዃኑ ከይፈለጥ ናይ ትግርኛ ልሳኑ ሓቢኡ ከምሰዝገረ ድማ ተዛሪቡ። እቶም ኣብ ግዝያዊ መጽንሒ ዝገደፎም መሳርሕቱ ግን "እንታይ ከምዝገብርዎም ኣይፍለጥን" ክብል ስኽፍትኡ ገሊጹ።
ካልኦት ቢቢሲ ዘዘራረቦም ምንጭታት እውን እንተኾነ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ይኹኑ ብጥሮታ ዝወጽኡ ተወለድቲ ትግራይ ገሊኦም ዝተኣሰሩ፣ ገሊኦም ገዝኦም ከምዝተፈተሸን ካብ ገዝኦም ከይወጽኡ ከምዝተነገሮምን ኣጣሊሎም።
ቢቢሲ ንኤታ ማጆር ሹም ሓይልታት ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ብዛዕባ እቲ ዝበሃል ዘሎ ሓሳብ መብርሂ ክህበና ደዊልናሉ፡ እቲ 'ጉዳይ ፖለቲካዊ' ስለዝኾነ ንዕኡ ዝምልከት ጉዳይ ከምዘይኮነ ምላሽ ሂቡና።
እቲ ብሄር መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ ግን፡ ኣብ ሓይልታት ምክልኻልን ጸጥታን ጥራይ ዝተገደበ ኣይኮነን።
"ክሲ ዝውውር ብረት"
ኣብ ኣዲሳ ኣበባ እትቕመጥ ምእንተ ድሕነታ ሽመይ ንዓኹም ዝበለትና ምንጪ ቢቢሲ ብወገና ዝሓለፈ ሰሙን ገዝኦም ብዕጡቓት ተኸቢቡ ከምዝተፈተሸን ንኣቦኣ ኣብቲ ገዛ ምስ ዝረኸብዎ ናይ ባንኪ ደፍተራትን ሒዞምዎ ከም ዝኸዱ ገሊጻ።
ወላዲኣ ኣብ ሓደ ናይ ውልቀ ትካል ዘዋሪ መኪና ኮይኑ ከምዘሰርሕ ዝገለጸት እታ ምንጭና "ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ትግራይ 6 ሚልዮን ብር ሒዝካ ከይድካ ኣብ መልስኻ ድማ ዕጥቅታት ሒዝካ መጺኢኻ" ከምዝበልዎ ሓቢራ።
ንሳ ግን ወላዲኣ መኪና ዘዊሩ ንገዛእ ርእሱ ዘመሓድር እምበር ከምዘይዋዕሎ እያ እትገልጽ።
ኣቦኣ ድሕሪ ናይ ክልተ መዓልቲ ማእሰርቲ ናብ ቤት ፍርዲ እንተይቐረበ ብናጻ ናብ ገዝኡ ከምዘሰናበትዎ'ውን ምንጭና ወሲኻ ገሊጻ።
እቲ ጉዳይ፡ ብመንግስቲ ኣብ ዝመሓደራ ከም መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዝሰርሑ እውን ጸሊይዎም እዩ።
ኣብ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝሰርሑ ገለ ተጋሩ ተገዲዶም ዓመታዊ ዕረፍቲ ክወጽኡን ገሊኦም ድማ ተወሳኺ መምርሒ ክሳብ ዝወሃቦም ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ክሰርሑ ከምዝተነገሮምን ምንጭታት ቢቢሲ ሓቢሮም።
ቢቢሲ ካብ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ርእይቶ ንምርካብ ዝገበሮ ተደጋጋሚ ጻዕሪ ኣይሰመረን።
ትካል መግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝርከብ ሓደ ቤት ጽሕፈቱ ብዛዕባ ናይ ሰራሕተኛታቱ መንነት እንኮላይ ትውልዲ ዓዶም ዝገልጽ መብርሂ ክህብ ብፖሊስ ከምዝተሓተተ ኣብ ቀረባ እዋን ኣፍሊጡ ነይሩ።
ትካል መግቢ ዓለም እቲ መረዳእታ ከምዘይብሉ ብምግላጽ ካብ ፖሊስ ክልል ኣምሓራ ብዝገበሮ ምጽራይ ግን እቲ ብፖሊስ ዝቐረበ ሕቶ ወግዓዊ ፖሊስኦም ከምዘይኮነ ምርግጋጹ ሓቢሩ።
መንግስቲ ፌደራል እቲ ክስተት ምስ ብሄር መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ ምትሕሓዙ "ነቲ ዘሎ ኩነት ፍጹም ዘይገልጽ'ዩ" ክብል ገሊጽዎ።
እቲ ፖሊስ ኣብ ውሽጢ ዘቤታውን ዓለምለኻውን ትካላት ዝሰርሑ ኣበላት ህወሓት ጥራይ ዘነጻጸረ ናይ ድሕነት ምጽራይ ወፍሪ ከምዝተውሃቦ'ውን ወሲኹ ገሊጹ።
እቲ ወፍሪ ዝተውሃቦ ፖሊስ ናብ ቤት ጽሕፈት ትካል መግቢ ዓለም ብምኻድ ካብ እቶም ዝሓዞም ሽም ዝርዝራት ኣብኡ ዝሰርሑ እንተኾይኖም ከጻሪ ከም ዝኸደ መንግስቲ ፌደራል ገሊጹ።
እቲ ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ ድሕነት ጸጥታን ብዛዕባ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ስርሒት እንተይኮነስ ሰብ ስልጣን መንግስቲ ፌደራል ብዛዕባ ካብ ትግራይ ወጻኢ ዝርከቡ ደገፍቲ ህወሓት'ውን ከም ዘጨንቖም ግልጺ ኮይኑ ኣሎ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሰባት ግን ዋላ ሓንቲ ዝፈጸምዎ ዘይብሎም ተጋሩ ጥራይ ብምዃኖም ግዳይ መጥቃዕቲ ይኾኑ ከምዘለዉ እዮም ሓቢሮም።
ፈተና ሓድነት
እቲ ተወሊዑ ዘሎ ግጭት ኣብዝሓጸረ እዋን እንተድኣ ተዛዚሙ ብሄር መሰረት ዝገበሩ ምትፍናናት ከብቅዑ ይኽእሉ ይኾኑ።
ንነዊሕ እዋን እንተቐጺሉ ግን ህይወት ካብ ትግራይ ወጻኢ ናይ ዝነብሩ ተጋሩ ከኽብዶ ከምዝኽእል ስክፍታት ኣለዉ።
ህወሓት ዓንቃፊ ሃገራዊ ሓድነት ገይሩ ካብ ዝርኢ ምልከታ ብተወሳኺ እቲ ሕጂ ተወሊዑ ዘሎ ግጭት ንገዛእ ርእሱ ሸቶ ምርግጋጽ ሃገራዊ ሓድነት እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ቀንዲ ማሕለኻ ኮይኑ ከምዝቕጽል ዘጠራጥር ከምዘይኮነ ይግለጽ።
ላዕለዋይ ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣቶ ማሞ ምህረቱ፡ እቲ መንግስቲ ዝገብሮም ዘሎ ኩሎም ተግባራት ሓድነቱ ዝጠንከረ ማሕበረሰብ ንምፍጣር ከም ዝኾነ እኳ እንተገለጸ፡ እቲ ሕጂ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጎንጺ ግን ነቲ ዕላማን ራእን ክፈታተኖ ይኽእል እዩ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







