ቅልውላው ትግራይ፡ ነቲ ኲናት ብምስጋእ ናብ ሱዳን ዝኣተዉ ስደተኛታት ልዕሊ 40 ሽሕ በጺሖም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (ዩኤን ኤች ሲ ኣር) ብሰንኪ'ቲ ሰለስተ ሰሙን ዘቑጸረ ኲናት ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ፌደራልን ክልል ትግራይን፡ ቁጽሪ ናብ ሱዳን ዝተሰደቱ ዜጋታት ልዕሊ 40 ሽሕ ከምዝበጽሐ ኣፍሊጡ።
ብዝሒ ናይቶም ካብ መረበቶም እናተፈናቐሉ ዶብ ሱዳን ዝሰግሩ ዘለዉ ሰባት ካብ ዕለት ናብ ዕለት ይውስኽ ከምዘሎ ዝሓበረ እቲ ትካል፡ ኣብ መዛዘሚ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ 5 ሽሕ ስደተኛታት ብኣንፈት ምብራቓዊ ሱዳን ከምዝኣተዉ ገሊጹ።
ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኮኑ ካልኦት ትካላት ግብረ ሰናይ መድሕን ህይወት ሓገዛት ይገብሩ'ኳ እንተሃለዉ፡ ብዝሒ ተፈናቐልቲ እናወሰኸ ብምምጽኡ ግን ሕጽረት ንረድኤት ዝቐርቡ ነገራት ኣጋጢሙ'ሎ።
እቲ ትካል ኣብ መርበበ ሓበሬትኡ ከምዝሓበሮ፡ ነቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ቁጽሪ ስደተኛታት ዝኸውን መዕቖቢ ከምዘሎ'ውን ገሊጹ።
ብሰንኪ ሕጽረት መግቢ ዝተሃሰዩ ህጻናት፣ 300 ንዝኾና ነብሰ ጾራትን ዘጡባ ኣዴታትን ዘድልየን ተወሳኺ መግቢ የቕርብ ዘሎ ኮይኑ፡ ተቓላዕቲ ንዝኾኑ ካልኦት ክፋላት ማሕበረሰብ'ውን ዘድሊ ኣገልግሎት ይህብ ምህላዉ ኣፍሊጡ።
ድሕነት ስደተኛታት ውሑስ ንምግባር ካብ ከባቢ ዶብ ዘርሕቖም ዘሎ እቲ ትካል፡ ክሳብ ሕዚ ካብ ዶብ ናብ ውሽጢ ሱዳን ኣስታት 70 ኪሎሜትሮ እተው ኢልካ ናብ እትርከብ ኡም ራቁባ የስፍሮም ከምዘሎ ገሊጹ።
ብሰንኪ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት፡ ድሕነት ሰላማውያን ዜጋታት ከምኡ'ውን ዝተፈናቐሉ ዜጋታትን ሰራሕተኛታት ትካላት ረድኤትን ኣተሓሳሲቡኒ አሎ ይብል እቲ ትካል ስደተኛታት።
ክልቲኦም ኣብቲ ኲናት ዘለዉ ኣካላት ከኣ ንዓለምለኻዊ ሕግታት ብምኽባር ንጹሃን ዜጋታት ናይ ምሕላው ግቡኦም ክፍጽሙ ኣብ ምግባር፡ መዳርግቲ ውድብ ሕቡራት ግቡኦም ክፍጽሞ ጻውዒት ኣቕሪቡ።
ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከባ መዓስከራት ዘለዉ ኣስታት 100 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት'ውን ብሰንኪ እቲ ኲናት ኣብ ዘተሓሳስብ ኩነታት ይርከቡ ይብል መግለጺ እቲ ትካል።
መግቢ፣ ማይ፣ መድሓኒትን ካልእን ቀረባት ናብቶም መዓስከራት ምብጻሕ ኣጸጋሚ ብምዃኑ፡ እቲ ኣብኡ ዘሎ ሓገዝ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ክውዳእ ብምኽኣሉ ዓቢ ስግኣት ከምዝፈጠረሉ ኣመልኪቱ'ሎ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







