ልኡኻት ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ናብ ትግራይ ክኸዱ ክፍቀደሎም ድዩ?

ኣቶ ማሞ፡ ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, fb

ኣብ ሞንጎ ፌደራዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ዝተወልዐ ኲናት ኣስታት ሰለስተ ሰሙን ኣቑጺሩ ይርከብ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ዘካይዶ ዘሎ ስርሒት 'ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ' ክብሎ እንከሎ፡ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ኣፍሪቃን ማሕበረሰብ ዓለምን ግን እቲ ኲናት ዘስዓቦ ማሕበራዊ ቅልውላው ኣብ ግምት ብምእታው ክልቲኦም ወገናት ናብ ዘተ ክመጽኡ ይጽውዑ ኣለው።

ጋዜጠኛ ቢቢሲ ካትሪን ባይሩሃንጋ፡ ምስ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቶ ማሞ ምህረቱ ዝገበረቶ ቃለ መሕተት እነሆ።

ቢቢሲ፡ ኣብዚ ሰሙን ብዛዕባ ዝነበረ ምዕባለ ክንጅምር፤ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ስሪል ራማፎሳ መንግስታት ፌደራልን ትግራይን ክሽምግሉ ብዝብል ሰለስተ ነባራት መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝኾኑ ፍሉይ ልኡኽ እቲ ሕብረት ገይሩ ከም ዝሾሞም ኣፍሊጡ ነይሩ።

እቲ ኣቦ መንበር እዞም ልኡኻት ንሽምግልና ናብ ኣዲስ ኣበባ ክጉዓዙ'ዮም እንተበለ'ውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ዝካየድ ዘተ የለን ኢሉ እዩ። እዚ ኣፈላላይ ካበይ ዝመጽአ እዩ?

ኣቶ ማሞ፡ ኣፍሪቃውያን ኣሓትናን ኣሕዋትናን ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዝተፈጥረ ኩነታት ዘለዎም ስግኣት ምግላጾም ይርድአና እዩ። እዚ ድማ ኣካል እቲ ዝተለመደ ዲፕሎማሲ ገይርና ኢና እንርእዮ።

ይኹን'ምበር፡ ንሕብረት ኣፍሪቃን ነቲ ኣቦ መንበርን ዘለና ክብሪ ኣብ ግምት ብምእታው፡ እዚ ኣጋጣሚ ተጠቒምና እቶም ልኡኻት ብዛዕባ እቲ ዘሎ ኩነታት ክነረድኦም ኢና፤ ግን ድማ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ነቲ ሽምግልና ኣይቕበሎን።

እኳ ድኣ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ምስ ነፍሲ ወከፍ እቶም ልኡኻት ክዘራረብ እዩ።

ቢቢሲ፡ እቶም ልኡኻት ክልቲኦም ኣካላት ንክሽምግሉ ስለ ዝተሾሙ፡ ናብ ትግራይ ብምኻድ ምስ መራሕቲ ህወሓት ክዘራረቡ ድልየት ክህልዎም ይኽእል'ዩ። ናብ ትግራይ ንክኸዱ ክተፍቕዱሎም ዲኹም?

ኣቶ ማሞ፡ ኣቐዲምካ ዑደት እቶም ልኡኻት ምርዳእ ከድሊ'ዩ። ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ መራሕቲ ህወሓት ንክዘራረብ ብዙሕ ጻዕሪ ገይሩ እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር'ውን ምስ ክልል ትግራይ ኲናት ከም ዘይደሊ ብተደጋጋሚ ተዛሪቡ እዩ።

ቢቢሲ፡ ኣብዚ ክኾልፈካ፤ እቲ ጉጅለ ልኡኽ ንክልቲኦም ኣካላት ናይ ምዝርራብ ሓላፍነት እዩ ተዋሂቡዎ ዘሎ። ይኹን'ምበር ናብ ትግራይ ዝነበረ በረራ ተቛሪጹ እዩ። ስለዚ፡ እቲ ጉጅለ ልኡኽ ናብ ትግራይ ብምኻድ ኣብቲ ጎንጺ ዝሳተፍ ዘሎ ካልኣይወገን ክረኽቦ ይኽእል ድዩ?

ኣቶ ማሞ፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ዘይሕጋዊ ምምሕዳር ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ኣይኮነን ሒዙዎ ዘሎ። እዚ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ እዩ። ኣብታ ሃገር ንዝተፈጥረ ዘይምርግጋእ ተሓታቲ ወይ ወሳኒ ተራ ዝጻወቱ ዘለው ኣብ ቀይዲ ንምውዓል ዝግበር ወፍሪ'ዩ። ስለዚ ምስ ገበነኛታት ኣይዘራረብን።

ዓላማና ናብ ፍትሒ ክመጽኡ ምግኣር ስለዝኾነ ድርድር ዝብሃል የለን። መንግስቲ'ውን እዚ መርገጺኡ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ይገልጽ ኣሎ።

ከም ናተይ ርድኢት፡ ኣፍሪቃውያን ኣሕዋትና፡ ህወሓት ኢዱ ንክህብ ጸቕጢ ክገብሩ እንተኽኢሎም ውጽኢታዊ ክኸኑ እዮም፤ ተሓተትቲ ክኾኑ ይግባእ። ገበነኛታት ዘተ ዘይኮነ ፍትሒ'ዩ ዝግብኦም።

ቢቢሲ፡ እቶም ልኡኻት ናብ ትግራይ ንክኸዱ እንተዘይተፈቒዱሎምን ምስ መራሕቲ ህወሓት ክዛተዩ እንተዘይክኢሎምን እቲ እትብሎ ዘለኻ ከመይ ኢሉ ክሳኻዕ ይኽእል? ናብቲ ናይ መጀመርታ ሕቶይ ክምለስ'ሞ፡ እቶም ልኡኻት ንቐዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ምስ ኣዘራረቡ ናብ ትግራይ ክኸዱ ክተፍቕዱሎም ዲኹም?

ኣቶ ማሞ፡ ኣብ ትግራይ ወተሃደራዊ ስጉምቲ'ዩ ዝውሰድ ዘሎ። እዚ ድማ ኣብ ቀረባ ክውዳእ'ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። መንግስቲ ዝገብሮ ሕጊ ናይ ምኽባር ስጉምቲ ኣብ ቀረባ እንተተዛዚሙ ከኣ፡ ኣብታ ሃገር ዘይምርግጋእ ኣብ ምፍጣር ኢድ ዘለዎም ኣመራርሓ ህውሓት እቲ ጎንጺ ጠጠው ንክብል ድሌት እንተሃሊዩዎም ኢዶም ክህቡ ኣለዎም።

እዚ ንምግባርን ዘለዎ መርገጺ ንኣመራርሓ ህወሓት ግልጺ ንምግባርን ዝደሊ ኣካል ከኣ ናብ ትግራይ ምኻድ ኣየድልዮን።

ቢቢሲ፡ ስለዚ እቶም ልኡኻት ናብ ትግራይ ክኸዱ ኣይኽእሉን?

ኣቶ ማሞ፡ ከምቲ ዝበልኩዎ እቶም ልኡኻት ንቐዳማይ ሚኒስትር ክረኽቡ'ዮም ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝመጽኡ ዘለው። ንሱ ድማ ብዛዕባ እቲ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ከረድኦም እዩ።

ቢቢሲ፡ መንግስቲ ፌደራል እቲ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝውሰድ ኣይኮነን ይብል። ግን ድማ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብዙሓት ብምኽንያት እቲ ጎንጺ ተመዛቢሎም ኣለው። ዝተፈላለዩ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ'ውን ኣብ ጸገም ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ንምሕጋዝ ዘኽእል መገዲ ክኽፈተሎም ይሓቱ እዮም ዘለው።

ይኹን'ምበር መንግስቲ እቶም ትካላት ናብቲ ከባቢ ከይዶም ንሰላማውያን ሰባት ንክሕግዝ ፍቓድ ኣይሃበናን ይብሉ። ስለምንታይ'ዩ ዘይፍቀደሎም?

ኣቶ ማሞ፡ መጀመርታ፡ እዚ ሕጊ ናይ ምኽባር ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘቕንዐ ኣይኮነን። ብተወሳኺ ንኹሎም ኣመራርሓ ህወሓት ዝምልከት ዘይኮነ ንውሑዳት ኣብ ውሽጢ እቲ ሰልፊ ዘለው ገበነኛታት እዩ።

እዞም ገበነኛታት ክእለዩ እንተኽኢሎም ህዝቢ ትግራይ እዩ ተጠቃሚ ዝኸውን። መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኻልእ ህዝቢ ክሓሊ ከሎ፡ ንህዝቢ ትግራይ'ውን ይሓልየሉ እዩ። ብዝተኽኣለ መጠን ድማ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ህዝቢ ሰብኣዊ ሓገዝ ንክገብር ዝከኣለና ንገብር ኣለና።

ብዙሓት ቦታታት ትግራይ ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ምክልኻል እየን። በዚ ምኽንያት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ መብዛሕትኡ ክፋል ትግራይ ዘድሊ ሓገዝ ንክረኽቡ ንምግባር ምስ ሕቡራት ሃገራት ብሓበር ይሰርሕ እዩ ዘሎ። ኣብዚ ሕጂ እዋን መቐለ ጥራሕ'ያ ኣብ ቑጽጽር ሰራዊት ምክልኻል ዘይኣተወት።

መንግስቲ ድማ ናጻ ኣብ ዝወጽኡ ከባቢታት ምስ ኤጀንሲታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምትሕብባር ሰብኣዊ ሓገዝ ንህዝቢ ንምቕራብ መደብ ኣለዎ። በዚ ነቶም ዝተዘናበሉ'ውን ተበጻሒ ክኸውን እዩ።

ቢቢሲ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ሰራሕተኛታት ግብረሰናይእቲ ቀረብ ዘብጽሉ መገዲ ክመሓየሸሎም ይሓቱ ኣለው። መንግስቲ ድማ ከዳልወልና ኣይክኣለን እዮም ዝብሉ።

ኣቶ ማሞ፡ እዚ ልክዕ ኣይኮነን። ብኽልተ መገዲ ክንርእዮ ይግባእ። መንግስቲ ናጻ ኣብ ዝወጽኡ ከባቢታትን ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ምክልኻል ዘለውን ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕ ይሰርሕ ኣሎ።

ንነበርቲ እቶም ከባቢታት መግቢ፣ መዕቖብን መድሃኒትን ንምቕራብ ድማ ምስ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ንሰርሕ ኣለና። ንኣብነት፡ ብዓርቢ መንግስቲ ኣብ ትግራይ ዘድልዩ ቀረባት ንምግንዛብ ሓደ ጉጅለ ልኡኽ ናብ ትግራይ ሰዲዱ እዩ።

ምስዚ ብዝተሓሓዝ ምስቶም ትካላት ብሓባር ኣይንሰርሕን እንብለሉ ምኽንያት የለን።

ቢቢሲ፡ ኣብቲ ጎንጺ ሰላማውያን ሰባት ንከይጉድኡ ንሰርሕ ኣለና ትብሉ ኣለኹም። ይኹን'ምበር መጥቃዕቲ ደብዳብ ነፈርቲ፣ ሮኬትን ድሮንን ትጥቀሙ ኣለኹም። ከምዚ ዓይነት ውግእ፡ ፈሊኻ ናይ ምውቃዕ ኣካይዳ ስለ ዘይኮነ ሲቪላት ይሞቱ፣ ይጉድኡ ኣለው።

ኣቶ ማሞ፡ እቲ ጎንጺ ስለ ዝኾነ ጉድአት ክበጽሕ ግድን እዩ። ይኹን'ምበር ሰራዊት ምክልኻል ንሲቪላት ዜጋታት ሓለዋ ክገብር መምርሒ ተዋሂቡዎ እዩ። መንግስቲ ድማ ናይ ዜጋታት ዓብዪ ሓላፍነት ስለ ዘለዎ እዩ እቲ ወፍሪ እዚ ዝኣክል ግዜ ክወስድ ክኢሉ ዘሎ፤ እምበር ኣብ ውሽጢ ሰሙን ክውዳእ ነይሩ'ዩ።

እቲ ናይ ነፈርቲ መጥቃዕታት ድማ ብቐንዱ ንወተሃደራዊ ማእከላትን ናውታት ኣጽዋርን ትኹረት ዝገበረ እዩ። ንሰላማውያን ዜጋታት ዒላማ ዝገበረ ኣይኮነን። ህዝቢ ትግራይ ዜጋና እዩ። እቲ ወፍሪ ህጻናት፣ ኣረጋውያንን ካልኦት ሰላማውያን ሰባትን ብዘይጎድእ መልክዑ'ዩ ዝካየድ ዘሎ።

ቢቢሲ፡ ኣብ መሬት ብዛዕባ ዘሎ ጉዳይ ሓበሬታ ምርካብን ምጽራይን ዘይምኽኣል እዚ ጎንጺ ኣጸጋሚ ክኸውን ገይሩ ኣሎ። ኩሎም ናይ መራኸቢ መገዲታት ምቁራጾምን ጋዜጠኛታት ናብቲ ቦታ ከይጉዓዙ ምግባርን እንታይ'ዩ ዝግበር ዘሎ? ዝብል ንምፍላጥ ኣጸጋሚ ገይሩዎ ኣሎ።

ስለምንታይ'ዩ ትግራይ ካብ ካልእ ክፋል ዓለም ክትፍለ ተደልዩ? ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ነገር ዓለም ከይትርእዮ እትደልዩዎ ነገር እንታይ'ዩ?

ኣቶ ማሞ፡ ኣብዚ ጉዳይ ክልተ ነገር ከልዕል፤ ህወሓት ባዕሉ እቲ ናይ መራኸቢ ትሕተ ቕርጺ ንናይ ባዕሉ ወተሃደራዊ ስርሒት ክብል ስለዘዕጸዎ እቲ ናይ መራኸቢ መገዲ ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት ተቛሪጹ እዩ።

ካልኣይ፡ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ስለ ዘላ ገበነኛታት መጥቃዕቲ ንከየብጽሑን ዝተፈላለዩ ኣካላት ብምልዕዓል ኣብ ካልኦት ቦታታት እታ ሃገር ዘይምርግጋእ ንከይፍጠር ንምክልኻል እቲ ሰራዊት ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ክወስድ ይኽእል እዩ።

ድሕሪ ሕጂ ከምኡ ኣይኸውንን። ምኽንያቱ መብዛሕትኡ ከባቢታት ትግራይ ኣብ ትሕቲ ሰራዊትና እዩ ዘሎ። ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት'ውን ጋዜጠኛታት ናብቲ ክልል ክኸዱ ዘኽእሎም ዕድል ክህሉ እዩ።

ቢቢሲ፡ ኣብ ትግራይ ይካየድ ብዘሎ ነገር ካብ ተሓተትቲ ንዘይምዃንን ካብ ግልጽነት ንምህዳምን ኣይኮነን? ኣብታ ሃገር ጎንጺ ክፍጠር ከሎ ኢንተርነት ምዕጻው ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ሓድሽ ነገር ኣይኮነን። ኣብ ኦሮሚያ ዝኾነ ነገር ርኢናዮ ኢና። መንግስቲ መርመራ ከይካየድ ክደሊ እንከሎ ሰባት ኣብ መሬት ዘሎ ሓቂ ንከይፈልጡ ናይ ምግባር ዝንባለ'ዩ

ኣቶ ማሞ፡ በዚ ኣይሰማማዕን። ከምቲ ዝበልኩዎ እዚ ወተሃደራዊ ስጉምቲ እዩ መዓልታዊ ትልምን ኣፈጻጽማ እቲ ሰራዊት ድማ ክዛረብ ኣይኽእልን። ግን ምስዚ ብዝተሓሓዝ ሰራዊት ምክልኻል ዝወስዶ ስጉምቲ ዕውት ንምግባር ዝደለዮ መገዲ ክጥቀም መሰሉ እዩ። እንሓብኦ ነገር'ውን የለን።

ድሕነት እቲ ክልል ምስተረጋገጸ፣ ሕግን ስርዓትን ናብ ቦትኡ ምስተመለሰ፡ ጋዜጠኛታት ናብ ትግራይ ክኣትው ከነፍቅድ ኢና። እቲ መርመራን ተሓታትነትን ድማ ኣብ ልዕሊ ህወሓት እዩ ክኸውን ዘለዎ።

ቢቢሲ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ዝነብሩ ተለወድቲ ትግራይ ብብሄሮም ከም ዝተኣሰሩ ይግለጽ ኣሎ። ገሊኦም ድማ ድሃም ኣይፍለጥን። ብተወሰኺ ብምኽንያት ብሄሮም ገዝኦም ክፍተሽን መጥቃዕቲ ክበጽሖም ከም ዝተገብረን ይግለጽ ኣሎ። እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘነጻጸረ ኣይኮነን ትብሉ እንተኾይንኩም፡ ብኸመይ'ዩ ክርአ?

ኣቶ ማሞ፡ እዚ መንግስቲ ፈጺሙ ብሄር መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ ኣይፍጽምን። ህወሓት'ዩ ብሄር መሰረት ዝገበረ ስርዓት ፈጢሩ። መንግስቲ ግን ኹሉ ብማዕረ መገዲ ዝተኣሳሰረሉ ራኢ ንምፍጣር እዩ ዝሰርሕ ዘሎ። እቲ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ'ውን መረዳእታ ተሞርኲስና ኢና ንወስዶ ዘለና።

እዚ ማለት እቶም ውልቀሰባት ዘለዎም ርክብ ብምጽናዕ ማለት'ዩ። ግን ድማ ኣብ ጎንጺ ስለ ዘለና ገበን ተፈጺሙ ክኸውን ይኽእል'ዩ ዝብል ሓበሬታ ክወጽእ ስለ ዝኽእል፡ ህዝቢ ዝጠርጠሮም ገበናት እንተሃልዮም ከፍልጥ ይግባእ።

ህወሓት ብሄር መሰረት ዝገበረ ሰልፊ ስለ ዝኸነ፡ መብዛሕትኦም ኣባላቱ ተወለድቲ ትግራይ እዮም። ላዕሊ ላዕሉ ክርአ ከሎ መንግስቲ ንሓደ ወገን ዒላማ ዝገበረ ክመስል ይኽአል እዩ። ግን ድማ ኣብ ሞንጎ እቶም ሓይልታት ጸጥታ ክፍተት እንተሃልዩ መአረምታ ስጉምቲ ክንወስድ ኢና። ርግጸኛ ኮይነ ዝዛረቦ ግን መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ትኹረት ዝገበረ ስጉምቲ ኣይወስድን።

ቢቢሲ፡ እቲ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ውሑዳት ኣባላት ህወሓት ትኹረት ዝገበረ እዩ ትብሉ ኣለኹም። ግን ድማ ኣብ ትግራይ ዝተኸፈቱ ኩሎም ናይ ባንኪ ሕሳባት ክእገዱ ተገይሩ።

ኣብ መገዲ ኣየር ብሄር ንምፍላጥ መለለዪ መንነት ንሕተት ኣለና ዝብሉ ኣለው። ገሊኦም ድማ ብምኽንያት ብሄርና በረራ ተኸሊእና ይብሉ። እዚ ምንጻል ኣይኸውንን? ኣብቲ ኲናት እንተተዓወትኩም'ውን እቲ ህዝቢ እትስእንሉ መገዲ ኣይፍጠርን?

ኣቶ ማሞ፡ ሓይልታት ጸጥታ ንጹር ትእዛዝ ተዋሂቡዎም እዩ። እቲ ሓይሊ ጸጥታ ብመሰረት ዝረኽቦ መረዳእታ ስጉምቲ ንክወስድ ማለት'ዩ። ብሄርን መንነትን መሰረት ዝገበረ ዝብሃል ብቐሊሉ እንርአዮ ጉዳይ ኣይኮነን። ንኹንኖ። ተቐባልነት'ውን የብሉን።

ግን ድማ፡ ንኣብነት ቅድሚ ዝተወሰኑ መዓልታት ኣስታት 50 ሽሕ ተጋሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኣሲሮም ዝብል ብማሕበራዊ ሚዲያ ይዝርጋሕ ነይሩ። እዚ ልክዕ ኣይኮነን።

ብመሰረት ሓበሬታ ዓቃቢ ሕጊ ምስቲ ጎንጺ ብዝተሓሓዝ ዝተኣሰሩ ትሕቲ 300 እዮም። ኩሎም ድማ ደቂ ትግራይ ኣይኮኑን። ካብዚኦም መብዛሕትኦም ዘይሕጋዊ ብረት ብምሓዝ እዮም ተኣሲሮም። ናይ ሓሶት ሓበሬታ ይዝርጋሕ ኣሎ። ሒሳብ ባንኪ ተወለድቲ ትግራይ'ውን ኣይተኣገደን።

ቢቢሲ፡ መንግስቲ ባዕሉ ስኑዕ ሓበሬታ ንክዝርጋሕ ዝዕድም ኩነታት ፈጢሩ እዩ። ጋዜጠኛታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብነጻነት ተንቀሳቒሶም ክጽብጽቡ ኣይኽእሉን። ጋዜጠኛታት'ውን ይእሰሩ ኣለው። ኣብ ትግራይ ድማ መራኸቢታት ሙሉእ ሙሉእ ተቛሪጾም'ዮም።

ኣቶ ማሞ፡ እቲ ናይ መራኸቢ መገዲ ኣብ ትግራይ ጥራሕ እዩ ተቛሪጹ። ኣብ መብዛሕትኡ ክፋል እታ ሃገር ጋዜጠኛታት ተንቀሳቒሶም ክጽብጽቡ ይኽእሉ እዮም። እቲ ሞያ ዝሓቶም ግቡእ ግን ከማልኡ ኣለዎም።

ሪፖርተራት ዝተፈላለያ ሃገራት መዓልታዊ ካብ ኣዲስ ኣበባ ይሰርሑ ኣለው። ከምቲ ዝበልኩዎ እቲ ወፍሪ ምስተዛዘመ ጋዜጠኛታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ከይዶም ክጽብጽቡ ይኽእሉ እዮም።

ቢቢሲ፡ ኣብ መወዳእታ ኣብ መገዲ ኣየር ናይ ቀበሌ መለለዪ መንነት ምሕታት ስለምንታይ ኣድላዪ ኮይኑ?

ኣቶ ማሞ፡ ንኹሉ ኣይመስለንን። ሰራሕተኛታት ድሕነት መጀመርታ ንዝተወሰኑ ሰባት መለለዪ ከርእዩ ክሓቱ ከለው፡ ዝጸንሖም ሓበሬታ ተሞርኲሶም ዝገበሩዎ ክኸውን ይኽእል እዩ። እዚ መሰረታዊ መሰላት ብዝሕሉ መልክዑ'ዩ ተገይሩ። እዚ ኣብ ተወለድቲ ትግራይ ዘተኮረ ኣይኮነን።