ሰሙን ዘቑጸረ ኲናት፡ ኣብ ነበርቲ መቐለ እንታይ ጽልዋ ኣሕዲሩ?

መቐለ

ኣብ ትግራይ ብ 03 ሕዳር፡ ኣብ መንጎ ሓይልታት ጸጥታ ጎንጺ ምስተወልዐ ንዕለቱ ኣገልግሎት መብራህቲ ጠፊኡ። ድሕሪ ቁሩብ ከኣ ኣገልግሎታት ስልኪ፣ ኢንተርነት ተዓጽዩ።

ንጽባሒቱ ኩሎም መንግስታውን ውልቃውን ባንክታት ተዓጽዮም። እቲ ኣገልግሎት ብመን እዩ ተዓጽዩ ብጥሉልል ኣይፍለጥን። መንግስቲ ክልል ትግራይ ንመንግስቲ ፈደራል ይኸስስ። መንግስቲ ፌዴራል ድማ ንመንግስቲ እቲ ክልል ይኸስስ።

ኣብ ሳልስቱ፡ ሓሙስ 05 ጥቅምቲ ግን ሓይሊ መብራህቲ ተመሊሱ፡ እንተኾነ ሕዚ እውን ክይድ ምፅእ ይብል ስለዘሎ ህዝቢ ኣይቀሰነን።

ኣገልግሎት መጓዓዝያ ብዓርቢ 06 ሕዳር ተጀሚሩ። እቲ ኣገልግሎት ግን ቅድሚ እቲ ጎንፂ ምፍጣሩ ከካብ ቤቶም ገይሾም ንዝነበሩ ሰባት እንተነኣሰ ነናብ ስድራኦም ንክኸዱ ብማለት ብፍሉይ ፍቓድ ኮምሽን ፖሊስ ትግራይ ከምዝተፈቕደ ተፈሊጡ።

እቲ ከቢድ ፀገም ኰይኑ ዘሎ፡ መንግስቲ ትግራይ፡ ካብ ትግራይ ናብ ዝዀነ ይኹን ከባቢታት ኣገልግሎት መጓዓዝያ ነፋሪትን መካይንን ጠጠው ክብል ስለዝኣወጀ እዩ።

ምስ ካልእ ክልላት ኣብ ዘዋስኑ ዶባት እቶም መንገድታት ብኽልቲኦም ሰራዊት ስለዝተሓፀሩ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ትግራይ ምምፃእን ምኻድን ኣይከኣልን።

መቐለ

ንስራሕ ገይሾም ዝነበሩ ሰባት ሃንደበት ምስ ስድራኦም ስለዝተፈላለዩ ከኣ ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ይርከቡ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብርክት ዝበሉ ሰባት ብሰንኪ ምዕፃው ስልክን ኢንተርነትን፡ ኣብ ትግራይ ዘለዉ ስድረኦም ኣብ ምንታይ ኩነታት ከምዝርከቡ ደሃይ ስለዘይረኽቡ ከምዝተሻቐሉ ንቢቢሲ ይገልፁ ኣለዉ።

ስግኣት ደብዳብ ነፋሪት

ብሓሙስ 05 ጥቅምቲ ነፋሪት ኵናት ኣብ ከባቢ መቐለ ምስ ዘምበየት ህዝቢ ተሰናቢዱ። ንምሸቱ መደብራት ተለቪዥን እቲ ክልል ኣብቲ ጎቦታት ቦምባ ደርብያ ከምዝኸደት ግን ከኣ ኣብ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ከምዘይበጽሐ ምስተነግረ: ሰብ ብዝያዳ ፈሪሑ።

ንጽብሒቱ ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ‘መንግስቲ ክልል ትግራይ ንዝሓዞ ኣጽዋር ንምዕናው ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ክህሉ ስለዝኽእል ኣብ ከተማ ተኣኪብኩም ኣይትኺዱ’ ምስበለ እቲ ሻቕሎት ወሲኹ።

ሰምበት ምሸት ካብ ከተማ 28 ኪሎ ሜተር ኣብ ዝርሕቀቱ ቦታ ነፈርቲ ከምዝደብደባ ሓንቲ ካብኣተን ከኣ ብሚሳይል ተሃሪማ ከምዝወደቐት ዝሰምዐን፡ ‘ርእየ ዝብልን’ ኣብ ከተማ ወጺኡ ሓጒሱ ክገልጽ ተራእዩ።

ይኹን እምበር መንግስቲ ፈደራል ዝወደቐት ነፋሪት ከምዘየላን ሓሶት ምዃኑን እዩ ዝገልጽ።

ምዕፃው ባንክታት

እቲ ቀንዲ ፀገም ኰይኑ ዘሎ ናይ ባንክታት ምዕፃው እዩ።

ብዙሓት ሰራሕተኛትታ መንግስቲ ወርሓዊ መሃያኦም ኣብ ቁጽሪ ሕሳብ ባንኮም እዩ ዝኽፈል። ካብ ባንክ ገንዘብ ኣውጺኦም ከኣ ይጥቀሙ። ሕዚ ግን ኣገልግሎት ባንክ ስለዝተቛረጸ ከምዝተጨነቑ ይዛረቡ።

ኣደ ሰለስተ ቈልዑ ወይዘሮ ንግስቲ መለስ፡ መሃያኣ ካብ ባንክ ክተውፅእ ብዘይምኽኣላ ‘ጨኒቑኒ ኣሎ’ ትብል።

ብድርኡ’ውን፡ ኣብ ዕዳጋ መቐለ ቅድሚ ሎሚ ሕፅረት ቀረብ ብምንባሩ ልዑል ጠለብ ህዝቢ ነይሩ።

ሕዚ ድማ ነቲ ዘሎ ካብ ቀደሙ ውሱን ዝነበረ ቀረብ ዝዕድግ ህዝቢ ዘይምህላዉ ብኣግኡ ፀገም ፈጢሩ ኣሎ።

ወይዘሮ ኣለማሽ ገብረስላሴ ኣብ ዕዳጋ ሽጉርትን ኮሚደረን ዝወፈራ ነጋዲት እየን። ህዝቢ ገንዘብ ክረክብ ስለዘይከኣለ ኣስቤዛ ዝዕድግ ይውሕድ ኣሎ። ህዝቢ እውን ዓዲጉ ክጥቀም ኣይከኣለን፤ ንሕና እውን ሸይጥና ገንዝብ ክንረክብ ተፀጊምና ይብላ።

መቐለ

ቀረብ ዝስተ ማይ

ካልእ ኣብታ ከተማ ዝረአ ዘሎ ፀገም፡ ቀረብ ዝስተ ማይ እዩ። ካብ ብቐደሙ ዓዲጉ ዝጥቀም ህዝቢ ኣብዚ ሕዚ እዋን ማይ ንዘራግፉ ‘ኣምፅኡለይ’ ንምባል ስልኪ ምድዋል ስለዘይከኣለ ከምዝተጸገመ ምንጭታት ቢቢሲ ይገልጹ።

ኣገልግሎት ማይ ከተማ መቐለ ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ ዘከፋፍልዋ ዝነበሩ ቡምባ ማይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ምቁራጻ ነቲ ፀገም ኣጋዲድዎ ኣሎ።

ማይ ንምኽፋት ኣብ ዝበዝሕ ቦታታት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ስለዘድሊ ድማ መብራህቲ ክትቋረፅ እንከላ ተወሳኺ ፀገም ይፍጠር ኣሎ። ኣብ ከተማ መቐለ መስረታዊ ቀረብ ፅሩይ ዝስተ ማይ ከምዘሎ ብተደጋጋሚ ከምዝተገለፀ ይዝከር።

እቲ ብኣብዝሓ ‘ኣብ ልዕሌና ኲናት ተኣዊጁልና’ ዝብል ስምዒት ዘንጸባርቕ እቲ ህዝቢ፡ ኵናት በላዒ ሰብ ምዃኑ ይዛረብ።

እቲ ኵናት ከም ገለ ኢሉ ዘብቅዐሉን ኩነት ይፅበ።

ብፍላይ፡ ብሰንብት ኣብ ዝተፈላለያ ኣብያተ ክርስትያን ኣብ ጸሎትን ምህለላን ዝነበረ ህዝቢ፡ ነታ ንጉሆ ሰዓት 1፤30 ዝመፀአት ነፋሪት ውግእ ሰሚዑ ፋሕ ኢሉ ነናብ ዝዛውቲ ክሃድም ተራእዩ።

መምህር ትዕግስቲ ኣበራ፡ ኣርባዕተ ደቀን ብስራሕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እዮም ዝርከቡ። ብኣኳላል ተዛዊሩ ደሃይ ክሳብ ዝረኸባ ንዝሓለፈ ሰለስተ መዓልትታ፡ ምግቢ ኣብዩኒ፡ ብፍርሒ ከብደይ ሓቝፈ ከይደቀስኩ ቀንየ ይብላ።

ሕጽረትን ስእነትን ቤንዚን

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ምስቲ ኣብታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ዘይምቹእ ኩነታት ምፍጣሩ፡ ብዝሒ ተወላዲ ካብ ማእኸል ሃገር ናብ ከተማ መቐለ ግዒዙ እዩ። ኣብ ትግራይ ከኣ ምንቅስቓስ መካይን ኮነ ንጥፍታት ንግዲ ወሲኹ።

እዚ ኲናት ካብ ዝጅመር ግን፡ ኣብታ ከተማ ምንቅስቓስ መካይን ነክዩ ኣሎ።

ኣይተ ሓለፎም ተኽላይ ብሰንኪ ስእነት ቤንዚን መኪናኡ ደው ከምዘበላ ይገልፅ። ክሳብ መዓዝ ነዳዲ ስኢኑ ደው ከምዝብል ድማ ንፈልጦ የብልናን ይብል።

ብኻልእ ገፅ ወላ እኳ ህዝቢ ሕፅረት ገንዘብ ስለ ዘጋጠሞ ናይ ምዕዳግ ዓቕሚ እንተደኸመ፡ ወሰኽ ዋጋ ከምዘይተራኣየ ግን ኣብ ሸቐጣሸቐጥ ዝወፈረ ተኸስተ ሕሉፍ ይዛረብ።

ሸማቶ እውን መዐደጊ ገንዘብ ደኣ ሓፂሩ እምበር ዛጊድ ምውሳኽ ዋጋ ኣይተርኣየን ይብሉ።

መንግስቲኸ እንታይ ይብል?

ብዛዕባ እቶም ኣብቲ ዳርጋ ሰሙኑ መሊኡ ዘሎ ፍሉይ ኩነት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ወሪዱ ዘሎ ማሕበራውን ቁጠባውን ፀገማት ኣመልኪቱ ካብ ወገን መንግስቲ ፌዴራል ኮነ ክልላዊ መንግስቲ ዝተወሃበ መብርሂ የለን።

ዝምልከቶም ኣካላት፡ ሻቕሎት ህዝቢ ክምልሱን መንግስቲ ነቲ ጸገም ንምፍታሕ እንታይ መደብ ከምዘለዎን ክዛረቡ ኣይከኣሉን።

ቢሮ ርክብ ህዝቢን መንግስትን ክልል ትግራይ: እቲ ንህዝቢ ዘሻቕሎ ዘሎ ፀገማት ‘ገሊኦም ኣብ ቀረባ ፍታሕ ክረኽቡ እዮም’ ካብ ምባል ወፃኢ ዝርዝር መግለፂ ኣይሃበን።

እቲ ውግእ ይቕፅል ኣሎ። መዕለቢኡ ኣበይ እዩ? መዓዝ ከ ይቋረፅ? ዝብሉ ሕቶታት ሕዚ እውን መልሲ ዘይተረኸቦም ሕቶታት ኮይኖም ኣለው።

ሓይልታት ጸጥታ

ኣመዓባብላ እቲ ኩናት

መንግስታት ፈደራልን ክልል ትግራይን ቅድሚኡ ብዝጸንሐ ናይ ስነ-ሓሳብ ፍልልይ፡ ክረሓሓቑ ጸኒሖም ንዝነበሮም ልፍንታዊ ኪዳን ኣፍሪስም ብልጽግናን ህወሓትን ኮይኖም ተፈላልዮም።

ብድሕሪኡ ብለበዳ ኮቪድ ብዝተናውሐ ምርጫ ተሰሓሒቦም፡ ፈደራል ምርጫ ድሕሪ ዓመት ኮቪድ ምህድኡ ክብል እንከሎ ህወሓት ኣብ እዋኑ ኢና ንገብሮ ኢሉ ንውሳነ ቤት ምኽሪ ፈደራል ነጺጉዎ።

ቀዳማይ ሚኒሰትር ኣቢይ ዘይሕጋዊ ምርጫ እዩ፡ ግደፉ ሰብ ከይተንብዑ ኢሉ። ህወሓት ንዝመጽአና ክንገጥም ኢና ኢሉ ምርጫ ኣካይዱ። ብድሕርዚ ክልቲኦም መንግስታት ኣፍልጦ ተነፋፊጎም።

ብ2 ሕዳር ኣብ ትግራይ ዓስኪሩ ምስ ዝነበረ ናይ ሰሜን እዝ ጎንጺ ተኸሲቱ።

ዶክተር ኣቢይ፡ ሕጊ ከነኽብር ኣለና ብምባል ኩናት ኣዊጁ ኣሎ። መንግስቲ ክልል ትግራይ ክምክቶ ምኳኑ ይገልጸዕ።

ኣብ ትግራይ ዝጸንዕ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ሰዓታት እቶ እቶ ድማ ተኣዊጁ። ቤት ምኽሪ ፈደሬሺን ንመንግስቲ ክልል ትግራይ ኣፍሪሱ ካልእ መንግስቲ ከምዝሸይም ሓቢሩ ኣሎ።

ኣባል ፈጻሚ ኮሚቴ ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብወገኑ፡ ተፈጻምነት ዘይብሉ ውሳነ ክብል ኣናኢስዎ።

እቲ ኩናት ካብ ዝጅመር ሻውዓይ መዓልቱ ሒዙ ኣሎ። ማሕበረ ሰብ ዓለም ከኣ፡ ሕቡራት ኣመሪካ፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ መንግስታት ህዝቢ ከይጉዳእ፡ ጉዳይኩም ብዘተን ልዝብን ፍትሕዎ ይብል ኣሎ።