“ኣብዪ፡ ኣብ 1960ታት ንዝነበሩ ውልቀ-መለኽቲ ኣፍሪቃ እዩ ዝመስል” ዶክተር ኣወል ኣሎ

ኣብዪ ኣሕመድ

ምንጪ ስእሊ, EBC

ኣብ ብሪጣንያ፡ ዩኒቨርስቲ ኪል መምህር ዝኾነ፡ ዶክተር ኣወል ኣሎ ቃሲም፡ ምስ መደብ ቢቢሲ ኒውስሃዎር ኣብ ዝገበሮ ሓጺር ጻንሒት፡ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ መረጻ፤ ዘይሕጋዊ ምባል ኣይከኣልን ኢሉ።

ኣብዪ፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ መራሒ ለውጢን ዕርያን ተባሂሉ ብዙሕ ናእዳ ዝቐረበሉ እዩ።

ዶክተር ኣል ግን፡ ምልስ ኢለ ክርእዮ እንከለኹ፡ ኣብዪ ዘበገሶ ናይ ዕርያ ስጉምትታት፡ ስልጣኑ ክሳብ ዘደላድል ዝተጠቐመሉ ሜላ እዩ ነይሩ ይብል።

ስለዝኾነ ድማ፡ ንቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ምስ ኣብ 1960ታት ዝነበሩ ውልቀ መለኽቲ መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣመሳሲልዎ።

እቲ ተንታኒ ፖለቲካ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ እቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ክልል ትግራይን፡ መንግስቲ ፌዴራልን ዘሎ ወጥሪ ካብ መንጽር ሕጊ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ህወሓትን ብልጽግናን ዘሰጉምዎ ካብ ዘለውዎ ፖሊቲካዊ ስነ-ሓሳብ ክረአ ከምዘለዎ ይዛረብ።

“ብመነጽር ፌዴሬላዊ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ኢትዮጵያ፡ ትግራይ ዘካየደቶ መረጻ፡ ዘይሕጋዊ ንምባል ዝከኣል ኣይኮነን” ድማ ኢሉ።

ብመሰረት እቲ ስርዓት፡ መንግስቲ እቲ ክልል ኣብ ክልሉ መረጻ ኾነ ካልእ ናይ ምክያድ ሕገ-መንግስታዊ መሰል ከምዘለዎ እዩ ዝትንትን።

ፌዴራል መንግስቲ፡ ሃገራዊ መረጻ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ -19 ንዘይተወሰነ እዋን ምስ ኣናወሐ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ነቲ ውሳነ ኣይተቐበሎን።

ቅድሚ ኮሮና ምምጽኡ፡ መንግስቲ ፌዴራል፡ መረጻ ንምክያድ ምድላው ኣይገብርን ዘሎ ኢሉ ክኸስስ ጸኒሑ እዩ።

ንውሳነ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን፡ ጥሒስካ መረጻ ምክያድ፡ ብኸመይ ሕጋዊ ክኸውን ይኽእል ዝብል ሕቶ ካብ ቢቢሲ ዝቐረበሉ ዶክተር ኣወል፡ ካብ መትከል እቲ ሕገ መንግስቲ እንተተራእዩ፡ ፌደራል መንግስቲ ከምኡ ናይ ምግባር ስልጣን ከምዘይብሉ የረድእ።

“መንግስቲ ፌዴራል ሃገራዊ መረጻ ምንውሑ፡ ኣይተስማማዕኹን ምባሉ፡ እቲ ክልል ዘካይዶ መረጻ ዘይሕጋዊ እዩ ወይከኣ ሕገ መንግስቲ ዝጥሕስ እዩ ማለት ኣይኮነን” ኢሉ።

እቲ ፌዴራላዊ ስርዓት፡ ክልላት ባዕለን ንባዕለን ናይ ምምሕዳር ስልጣን ከመዘለዎን ድማ ኣስሚርሉ።

ብካልኣይ ብርኪ ድማ፡ ዝጸንሐ ሕገ መንግስታውን ፖሊቲካውን ፍሕፍሕ ምርኣይ ጠቓሚ ከምዝኾነ የረድእ።

“እቲ መረጻ፡ ‘ሕገ መንግስታዊ ኣይኮነን’ ኢልካ ብዓይኒ ሕጊ ጥራሕ ካብ ምርኣይ፡ ካብቲ ዝሓደረ ክልቲኦም ዘሰጉምዎ ዘሎ ፖለቲካዊ ራእይ እዩ ክረአ ዝግባእ” ዝብል ምላሽ ሂቡ።

ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብዪ ኣሕመድ ነቲ ናይ ሰፈር መረጻ ክበል ዘናአሶ መረጻ ጠጠው ንምባል፡ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክወስድ ከመዘይደሊ እንተተዛረበ’ኳ፡ ነቲ መረጻ አፍልጦ ዘይምሃብ ከይዱ ከይዱ ናብኡ ከይወስዶም ስግኣታት ኣሎ።

“ፌዴራል መንግስቲ ክሳብ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ምውሳድ እንተበጺሑ፡ እቲ ኣብዪ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ጀሚሩ ኣብ መንጎኦም እናሰፍሐ ዝመጽአ ወጥሪ ዘዕርግ እዩ ክኸውን” ይብል ኣወል።

ህወሓት ኣብቲ ዝሓለፈ ዳርጋ 30 ዓመታት ኣብታ ሃገር ኣብ ሕማቑን ጽቡቑን ዓብዪ እጃም ዝተጻወተ ምዃኑ፡ በቲ ጸረ -ዴሞክራስያዊ ተግባራቱ ድማ ዝውቀስ ምዃኑ እቲ ዶክተር አዘኻኺሩ።

እቲ ብህወሓት ዓብላለይነት ዝፍለጥ ገዛኢ ውድብ ኢህወዴግ ዝፈረሰሉ መገዲ፡ ሱር ናይቲ ጸገም ከምዝኾነ እቲ ምሁር የመልክት።

“ኣብዪ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ ንህወሓት ኣጓንዩወዎ እዩ፤ ሓድሽ ውድብ ብልጽግና መስሪቱ። ህወሓት ነቲ ሓድሽ ውድብ፤ ኣይኣመነሉን፤ ክጽምበር ኣይደለየን። ስለዚ እቲ ሕዚ ዝረአ ዘሎ ወጥሪ ካብዚ ዝጸንሐ ኣፈላለይ ስነ-ሓሳብ እዩ ክረአ ዘለዎ።” ይብል።

ኣብታ ሃገር ከምቲ መደብ ተታሒዝሉ ዝነበረ፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ መረጻ ተኻይዱ እንተዝኸውን፡ ብልጽግና ክስዕር ኣይኽእልን ኢሎም ምስ ዝኣመኑ ሰባት ከምዝኾነ ዶክተር ኣዎል ኣንጸባሪቑ።

ኣወል ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Awol Kassim Allo

“ሃገር ክትብተን ትኽእል እያ”

ነዚ ክልላዊ መረጻ ስዒቡ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ትካላት ፌዴራል ተጠቒሙ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ እንተወሲዱ፡ እቲ ጎንጺ ናብ ዘይምለስ ብርኪ ክበጽሕ ምዃኑ እቲ ምሁር ይኣመን።

ኣስዒቡ ድማ፡ “ኣብ ትግራይ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ እንተተፈቲኑ ግን፡ እታ ሃገር ንሓላላ ክትብተን ትኽእል እያ” ኢሉ።

“ትግራይ ክንደይ ዝኣክል ኣገዳሲት ስለዝኾነት እዩ፡ ኣብ ልዕሊኣ ስጉምቲ ምውሳድ፡ ክሳብ ሃገር ምፍራስ ዘብጽሕ?” ዝብል ሕቶ ካብ ቢቢሲ ቀሪብሉ ነይሩ።

“ኣብዚ እዋን፡ ውድብ ብልጽግናን እቲ ቀዳማይ ሚኒሰተርን ዘይቆጻጸርዋ ክልል ንሳ ጥራሕ እያ” ዝብል ምላሽ ዝሃበ፡ ዶክተር ኣወል፡ እታ ክልል ሕገ-መንግስታዊ መሰላ ተረጋግጽ ከምዘላ የረድእ።

ብሱረ’ውን፡ ኣንጻራዊ ናጽነት ዘለዎን፡ ኣብታ ሃገር ካብ ዘለዉ ክልላት ራብዓይቲ ዓባይ ክልል ምዃና ኣረዲኡ።

ኣብ እዋን ኢህወዴግ ኮነ ሕዚ፡ እቲ ማእኸላይ መንግስቲ ኣባላት እቲ ፌዴሬሽን ዝኾና ክልላት ናይ ምዕብላል ምልካዊ ዝንበለ ከምዘሎ ጠቒሱ።

“ሕዚ ንሪኦ ዘለና ግን፡ ትግራይ፡ ነቲ ናይ ፌዴራል ትእዛዝ ምንጻጋ ምስ ምትግባር’ቲ ሕገ መንግስቲ ዝሳነ’ምበር ዝጥሕስ ኣይኮነን” ኢሉ።

ኣብዪ ይውደስ እንዶ ኣይነበረን?

ኣብዪ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ፡ ውሳነታት ዕርያ-ኢህወዴግ ብቕልጣፈ እዩ ኣፈጺምዎም።

ነዚ ድማ ብፍላይ ምስ ኤርትራ ሰላም ንምምጻእ፡ ዝወሰዶ ተበግሶ፡ ዓለማዊ ሽልማት ረኺብሉ እዩ።

ዶክተር ኣዎል ግን፡ “እቲ ተበግሶ ዕርያ ካብ ልቢ ኣይነበረን፡ ካብ ሃገር ውሽጢ ኾነ ካብ ዓለም ለኸ ኣካላት ድጋፍ ንምርካብ ዝተገብረ 'ምበር ሓቃዊ ኣይኮነን። ስልጣኑ ንምድልዳል ዝተጠቐመሉ መይላ እዩ” ክብል ኣናኢስዎ።

“ብፍላይ ካብ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ተወላዲ ኦሮሞ ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ምስተቐትለ፡ ዳርጋ ንኹሎም ቀንዲ ተቓወምቱ ካብ ገጽ ፖለቲካ ክጠፍኡ ገይርዎም ኣሎ። ሕዚ ንኢትዮጵያ ከፍውስ ዝኽእል ሰብ ንሱ ጥራሕ ከምዝኾነ እዩ ክረአ ዝደሊ ዘሎ” ኢሉ።

ቀጺሉ ድማ፡ ንኣብዪ ምስ ውልቀ መላኽቲ መራሕቲ ኣመሳሲልዎ።

“ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብዪ ልክዕ ኣፍሪቃ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ነጻ ምስ ወጽኣት፡ ኣብ 1960ታት ዝነበሩ ውልቀ-መለኽቲ መራሕቲ እዩ ዝመስል ዘሎ” ክብል ደምዲሙ።