‘ጀዋር ኣብ ትሕቲ መሬት እዩ ተኣሲሩ ዘሎ’- ጠበቓ

ምንጪ ስእሊ, STRINGER
ድሕሪ ቅትለት ስነጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ምስ ዝተላዕለ ዘይምርግጋእ ብዝተኣሳሰር ናብ ቀይዲ ናይ ዝኣተወ ኣቶ ጃዋር መሓመድ ጉዳይ ዝከታተል ዘሎ ቤትፍርዲ፡ ንፖሊስ ተወሳኺ 14 መዓልታት ኣፍቂዱ።
ጃዋር ንኻልኣይ ግዜ ናብ ቤትፍርዲ ዝቐረበ ኮይኑ፡ ፖሊስ ዝጀመሮ መርመራ ክዛዝም ተወሳኺ መዓልትታት ክወሃቦ ናብቲ ቤት ፍርዲ ሕቶ ኣቕሪቡ።
ነዚ ስዒቡ ጠበቓ ጃዋር፡ ዓሚሉ፡ ካብ ቤትማእሰርቲ ወጻኢ ኮይኑ ጉዳዩ ክከታተል ሓቲቱ እኳ እንተነበረ፡ እቲ ቤትፍርዲ ናይ ፖሊስ ሕቶ ተቐቢሉ ኣሎ።
ካብቶም ጠበቓታት ጀዋር ሓደ ዝኾነ፡ ኣቶ ቱሊ ባይሳ በዓል ጀዋር ኣብ ትሕቲ ምድሪ እዮም ተኣሲሮም ዝብል ከም ዘረጋገጸ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
እቲ ጠበቓ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ብኣካል ከይዱ ከምዝረኸቦምን፡ ኣብ ጸቢብ ጸልማት ትሕቲ መሬት ተኣሲሮም ከምዝረከቡ ሓቲቱ ከምዘረጋገጸ ወሲኹ ኣረዲኡ።
ብጸቢብ መስኮት ዝኣቱ ውሑድ ተፈጥሮኣዊ ብርሃን ጥራሕ ከምዝረኽቡን ነጊሮምኒ ክብል ተዛሪቡ።
ናይ ኤሌክትሪክ መብራህቲ እንተሃለወ'ኳ፡ ብሕጽረት ናይ ጸሓይ ብርሃን ከምዝተጠቕዑ እቲ ጠበቓ ወሲኹ ተዛሪቡ።
ካልእ ተሪፉ፡ ጀዋር ምግቢ ዘብጽሕሉ ኣባላት ስድርኡ መንነቶም ምፍላይ ከም ዘይክእል'ውን ተገሊጹ።
"ነቲ ኣባል እቲ ስድራ ካብ ርሕቐት ዓው ኢሉ ከምዘዛርቦምን፡ ብፍላይ ድማ፡ ካብ'ቲ ዝተኣሰረሉ ክፍሊ ናብ ብርሃን እንትወጽእ ዓይነይ ኣጽርዩ ክርኢ ኣይከኣለን" ከምዝበሎ'ውን እቲ ጠበቕኡ ኣረዲኡ።
ከም ሓበሬታ እቲ ጠበቓ፡ ኣቶ ጀዋር መሓመድን ኣቶ በቀለ ገርባን ኣብ ሓደ ክፍሊ፥ ኣቶ ሃምዛ ቦረና ኣቶ ሸምሰዲን ጠሃ ድማ ኣብ ካልእ ክፍሊ ብሓደ እዮም ተኣሲሮም ዝርከቡ።
ኣቶ ሸምሰዲን፡ በዓል ኣቶ ጀዋር ኣብ ቀይዲ ምስ ወዓሉ ብጽባሒቱ ኣብ ቀይዲ ዝወዓለ ኾይኑ ኣብቲ እዋን ካብ ሓይልታት ጸጥታ ከምዝሃረሞ ኣቶ ቱሊ ወሲኹ ሓቢሩ።
ብተደጋጋሚ ሕክምና ክረክብ እንተሓተተ'ኳ፡ ዛጊድ ከምዘይፈቐድሉ'ውን ተዛሪቡ።
እንተኾነ ኣብ ውሽጢ እቲ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ክሊኒክ ተወሲዱ ንእሸቶ ሕክምና ከምዝተገብረሉ ኣረዲኡ።
ኣቶ ሸምሰዲን፡ ኣብ ኣፍልቡ፣ ኣብ ጎኑን ኣብ እግሩን ጉድኣት ከምዝበጽሖ ብዓይነይ ሪአ ኢሉ-እቲ ጠበቓ።
ሓለውቲ ጀዋርከ ኣብ ምንታይ ኩነታት ይርከቡ?
ናይ ጀዋር ናይ ውልቁ ሓለውቲ፡ ብልምዲ ሶስተኛ ፖሊስ ጣብያ ኣብ ዝበሃል ቤት ማእሰርቲ እዮም ታአሲሮም ዘለዉ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሓደ ካብ ሓለውቲ ጀዋር ብኮሮናቫይረስ ተጠርጢሩ ምርመራ ከምዝተገብረሉ ተሰሚዑ ነይሩ።
ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ብኮሮናቫይረስ ተታሒዙ ከይኸውን ዝተጠርጠረ ውልቀሰብ፡ ተመርሚሩ ውጽኢት እናተጸበየ ከምዝርከብ ኣቶ ቱሉ ይዛረብ።
ንግዚኡ ግን፡ በቲ ቫይረስ ከም ዝተትሓዘ ዝተረጋገጸ ሰብ ከምዘየለ ካብቶም ዋርድያታት ሓቲቱ ከም ዝተረደአ እቲ ጠበቓ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ሎሚ መዓልቲ ሓሙስ፡ በዓል ሃምዛ ቦረና ዝርከብሉ መዝገብ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ነይሩ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







