ጃዋር መሓመድ ናብ ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስ - ኦፌኮ - ከምዝተጸምበረ ተረጋጊጹ

መስራትን ኣካያዲ ስራሕን ኦሮሞ ሚድያ ኔትወርክ ጃዋር መሓመድ፡ ናብ ሰልፊ ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስ - ኦፌኮ - ከምዝተጸምበረ ኣቦመንበር'ቲ ሰልፊ ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ጀዋር ቅድም ክብል ናብ ፖለቲካ ክኣትው ድልየት ከምዘይብሉን ብደገ ኮይኑ ነቲ ለውጢ ክድግፍ ከምዝመርጽን ኣፍሊጡ ነይሩ።
ኣብ ቀረባ እዋን ድማ፤ ኣብ ውሳንኡ ለውጢ ከምዝገበረን ናብ ፖለቲካ ክኣተው ከምዝወሰነን ተዛሪቡ።
ናብቲ ፖለቲካ ንምእታው ከምዝወሰነ እንተፍለጠ'ኳ፤ ናበየናይ ፖለቲካዊ ውድብ ከምዝጽምበር ግን ኣብ ውሳነ ከምዘይበጽሐ'ዩ ገሊጹ ነይሩ።
ጃዋር ናብ ውድብ ኦፌኮ ከምዝተጸምበረ ዝተዛረበ ፕሮፌሰር መረራ፡ ጃዋር "ናብ ኦፌኮ ክጽምበር'የ ኢሉ ነጊሩና'ሎ" ኢሉ።
ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልታት ድማ ክልቲኦም ኣብ ቤት-ጽሕፈት ኦፌኮ ከምዝተራኸቡ ገሊጹ።
"ኣባላት ክንምልምል ከለና ንገብሮ ዝርርብ የለን፤ በዓሉ [ኣባልነት ዝደሊ ውልቀሰብ] ተጸምቢረለኹ ክብል ይኽእል'ዩ። ንሕና ድማ ኣብ ኣኼባና ናብ ውድብና ከምዝተጸምበረ ወግዓዊ ክንገብር ንኽእል ኢና" ክብል ኣረዲኡ።
ዝኾነ ኢትዮጵያዊ ኣባል ክኸውን እንተደልዩ ዝኽልከሎ መገዲ ከምዘይህሉ ዝተዛረበ ፕሮፌሰር መረራ "ገበን ዝፈጸመ እንተዘይኮይኑ" ተቐባልነት ከምዘለዎ ገሊጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







