"ሓለውተይ ምሳይ ክጸንሑ እዮም" ጀዋር መሓመድ

ጃዋር ሞሐመድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ብመንግስቲ ተመዲቦም ንጃዋር መሓመድ ክሕልው ዝጸንሑ ኣባላት ፌዴራል ፖሊስ፡ ብውልቀኦም ምስኡ ክጸንሑ ወሲኖም።

ኣብ ቀረባ ኣባል ፌደራሊስት ኮንግረስ የኦሮሞ (ኢፌኮ) ዝኾነ ኣክቲቪስት ጃዋር መሓመድ ካብቲ ቅድም ክብል 'ፈተነ ቅትለትተኣኒቡኒ ነይሩ' ዝበሎ ንዘድሐንዎ ሓለውቱ፡ መንግስቲ ሓለዋ ጃዋር ክለዓል ምውሳኑ ስዒቡ፡ ነቲ ትካል ለቒቖም ምስኡ ክጸንሑ ከምዝወሰኑ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ቴሌቪዥን ጣብያ ኦሮምያ፡ ንፖሊስ ፌዴራል ጠቒሱ ንጃዋር ሞሓመድ ዝህቦ ዝነበረ ሓለዋ ከምዘልዐለ ምግላጹ ከዘረራርብ ቀንዩ።

ነዚ ስዒቡ ድማ፡ ጃዋር ንደገፍቱ፡ "ሰላም እዩ። ተዘራሪብና ኣብ ስምምዕ በጺሕና ኢና። ኣይትጨነቑ" ዝብል መልእኽቲ ብፌስቡክ ኣመሓላሊፉ።

ጃዋር፡ እቶም ናቱ ሓዊሱ፡ ገለ ሓለውቲ ንስልጠና ከምዝድለዩ፡ ምስ ኮሚሽነር፡ ኮሚሽን ፌዴራል ፖሊስ፡ ኣይተ እንደሻው ጣሰው ከምዝተዘራረቡ ገሊጹ።

እዚ ካብ ምዃኑ ኣቐዲሙ ምስቶም ሓለውቱ ዝተዘራረበ ጃዋር፡ "ናብ ፌዴራል ፖሊስ ክምለሱ ከምዘይደልዩን፡ ሓለውተይ ምሳይ ክጸንሑ ከምዝደልዩን ነጊሮምኒ" ክብል ንቢቢሲ ኣረዲኡ።

ብምዃኑ ድማ፡ ኣብ ኢዶም ዝነበረ ንብረትን ዕጥቅን ኣረኪቦም ምስኡ ከምዝጸንሑ ወሲኹ ኣረጋጊጹ።

እቶም ሓለዋ ክገብርሉ ዝጸንሑ ኣባላት ፌዴራል ፖሊስ ኣርባዕተ እንትኾኑ፡ ናይ ፖሊስ ኣባልነቶም ገዲፎም ብውልቀኦም ንጃዋር ክሕልዉ እዮም።

ንፌዴራል ፖሊስ ዝነቐፈ ጃዋር ሞሓመድ፡ "ኣነስ ደሓን ኣብ ጎነይ ብዙሕ ሰብ እዩ ዘሎኒ። እቲ ስጉምቲ ግን ልክዕ ኣይኮነን" ክብል ተዛሪቡ።

"ንጃዋር ክጎድኡ ክብሉ፤ ካልኦት ንሓደጋ ከየሳጥሕዎም ጥራይ" ብማለት ብውልቀ ሓለውቱ ጸጥትኡ ውሕስ ከምዝኾነ ተዛሪቡ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ፍርቂ ለይቲ፡ ሃንደበት ሓለውቲ ጃዋር ንክለዓሉ ብዝተገብረ ፈተነ፡ ጃዋር ንዚ ስጉምቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዕላዊ ምግባሩ ስዒቡ፡ ብዝተፈጥረ ጎንጺ ካብ 80 ንላዕሊ ሰባት ዝተቐትሉ እንትኾን፡ ጃዋር ካብቲ ተኣኒቡኒ ነይሩ ዝበሎ መጥቃዕቲ ግዳይ ከይኮነ ተሪፉ እዩ።