ጃዋር ኢትዮጵያዊ ድዩ?

ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ (ኦፌኮ) ኣብ ቀረባ ብኣባልነት ዝመዝገቦ ጃዋር መሓመድ፤ ኢትዮጵያዊ ምዃኑ ዘረጋግጽ መርትዖ ከቕርብ ተሓቲቱ።
እቲ ውድብ ድማ ጃዋር መሓመድ ኢትዮጵያዊ ከምዝኾነ ንቢቢሲ ኣረዲኡ።
ኣባል ፈጻሚ ስራሕን ሓላፊ ቤት-ጽሕፈትን ውድብ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ዝኾነ ኣይተ ሙሉነህ ገምታ፤ ቦርድ ሃገራዊ መረጻ ኢትዮጵያ፡ ክልተ ሰለስተ ግዘ ጃዋር መሓመድ ኢትዮጵያዊ ምዃኑ ኣረጋጊጹ ክጽሕፈሉ፤ ደብዳበ ከምዝጸሐፈሉ ኣዘኻኺሩ።
እንተኾነ፡ እቲ ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት፡ "ጃዋር መሓመድ ኢትዮጵያዊ ካብ ምዃን ዝዓግቶ ሕጊ የለን" እዩ ዝብል።
ብመሰረት ሕጊ እታ ሃገር ሓደ ወጻእተኛ ክመርጽ ኮነ ክምረጽ፤ ክወዳደር ከምዘይብሉ ዝፍለጥ እዩ።
ንነዊሕ ዓመታት ኣሜሪካዊ ኮይኑ ዝጸንሐ ጃዋር መሓመድ፡ ኣባል ፌዴራሊስት ኮንግረስ ኮይኑ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ እናገበረ ምጽንሑ ዝዝከር እዩ።
ቦርድ መረጻ ነቲ ውድብ ብዛዕባ ኢትዮጵያውነት ጃዋር፡ ብመረዳእታ ኣረጋጊጹ ክጽሕፈሉ ንካልአይ ግዘ እዩ ደብዳበ ጽሒፉ ዘሎ።
ኣይተ ሙሉነህ ገምታ ፤ " ቅድም ክብል ኮነ ስዒቡ ዝተጽሓፈ ደብዳበ ትሕዝትኡ ሓደ ዓይነት እዩ። 'ጃዋር ናይዛ ሃገር ዜግነት ረኺቡ ድዩ ኣይረኸበን' ዝብል እዩ። እቲ ቦርድ እዚ ኢሉ እንትጽሕፍ፤ ብዜግነት ኢትዮጵያዊ ዘይኮነ ሰብ ኣብ መረጻ ክሳተፍ ከምዘይኽእል ጠቒሱ እዩ ከምኡ ኢሉ እዩ ሓቲቱ" ኢሉ።
እቲ ውድብ ካብቲ ቦርድ ዝቐረበሉ ሕቶ መሰረት ገይሩ፤ ንጃዋር ምላሽ ክህበሉ ብደብዳበ ሓቲቱ እዩ።
ጃዋር ድማ፡ ንቦርድ መረጻ ዝኾን ምላሽ " ኣዋጅ ቁጽሪ ዜግነት 378/1996" ጠቒሱ ነቲ ውድብ መልሲ ከምዝጸሓፈ ኣይተ ሙሉነህ ይዛረብ።
"እዚ ምላሽ ነቲ ቦርድ ንምሃብ ኣብ ምድላው ኢና ዘለና። ክሳብ ጥሪ 29 እዮም 'መልሲ ሃብሉ' ኢሎምና። ቅድሚ እዚ ዕለት፤ እቲ ዓንቀጽ ጠቒስና መልሲ ክንህቦም ኢና" ኢሉ ኣይተ ሙሉነህ።
ናይ ኢትዯጵያ ኣዋጅ ዜግነት ቁጽሪ 378/1996 ዓንቀጽ 22፡ ዜግነት ኢትዮጵያ መሊስካ ዝርከበሉ መንገዲ ከምዚ ክብል እዩ ዘብርህ።
ኣቐዲሙ ኢትዮጵያዊ ዝነበረ ሰብ ብሕጊ ናይ ካሊእ ዓዲ ዜግነት ወሲዱ እንተጸኒሑ፡
ሀ/ ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሱ ብዕሊ ምንባር ዝጀመረ
ለ/ ሒዝዎ ዝጸንሐ ናይ ካሊእ ሃገር ዜግነት እንተገዲፉ
ሐ/ዜግነቱ ክምለሰሉ ናብቲ በዓል ስልጣን እንተኣመልኪቱ
ኢትዮጵያዊ ዜግነቱ መሊሱ ይረክብ እዩ ዝብል።
ጃዋር፤ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ ይነብር ከምዘሎን፤ ካልአዋይ ዜግነቱ ከምዝመለሰን ከምኡ ድማ፡ ኢትዮጵያዊ ዜግነቱ መሊሱ ክረክብ ሕቶ ከምዘቕረበን ኣይተ ሙሉነህ ገምታ ኣረዲኡ።
"ካብዚ ንላዕሊ ሕጊ ዝሓቶ ከይዲ የለን። ስለዝኾነ ድማ፡ ጃዋር ኢትዮጵያዊ እዩ" ።
ጃዋር መሓመድ፡ ቅድም ክብል ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፤ ጉዳይ ፓስፖርቱ ኣብ ምንታይ ከምዝበጽሐ ንዝቐረበሉ ሕቶ እንትምልስ፡"ፓስፖርተይ መሊሰ እየ። ብወገነይ ትጽቢት ዝግረለይ ኩሉ ወዲአ እየ። ዝኾነ ዝዓግተኒ ነገር የለን" ኢሉ ነይሩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







