ህንዲ፡ ስለምንታይ ዚያዳ ደቂ ኣንስትዮ ብኮቪድ-19 ይሞታ ኣለዋ?

መርመራ ኮቪድ-19

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ተመራመርቲ፡ ደቂ ኣንስትዮ መርመራ ኮሮናቫይረስ ንምግባር ዘንጊዐን ከይኾና ይሰግኡ

ዓለምለኻዊ መረዳእታ ከም ዘመላኽቶ፡ ክሳብ ሕጂ ብምኽንያት ኮቪድ-19 ካብ ዝሞቱ ሰባት፡ እቶም ዝበዝሑ ደቂ ተባዕትዮ'ዮም።

ንኣብነት፡ ኣብ ጥልያን፣ ቻይናን ኣሜሪካን፡ ዝበዝሑ በዚ ሕማም ዝተጠቕዑን ዝሞቱን ደቂ ተባዕትዮ'ዮም።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ብሉምበርግ፡ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ኣብ ጾታ ዘለዎም መጠን መልከፍቲ እተጽንዕ ተመራማሪት ሳብራ ክሊን፡ "ወዲ ተባዕታይ ምዃን፡ ብልክዕ እቲ ዕድመ ምድፋእ ንኮሮናቫይረስ ተቓላዒ ይገብር' ትብል።

ኣብ ህንዲ ግን፡ ካልእ ሕንቅልሕንቅሊተይ እዩ ዘሎ።

ጉጅለ ተመራመርቲ ህንድን ኣሜሪካን ዘካየዱዎ መጽናዕቲ፡ ዋላ'ኳ ደቂ ተባዕትዮ ብዝለዓለ መጠን ነዚ ሕማም ተቓላዕቲ እንተኾኑ፡ ደቂ ኣንስትዮ ግን ካብቲ ወዲ ተባዕታይ ንላዕሊ ናይ ምሟት ተኽእሎ ኣለወን ይብል።

እዚ መጽናዕቲ፡ ኣብ ህንዲ ክሳብ ግንቦት 20 ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት መሰረት ብምግባር እዩ ተኻይዱ።

3.3 ሚኢታዊት ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዛ ደቂ ኣንስትዮ ክሞታ እንከለዋ፡ ብዝሒ በዚ ቫይረስ ዝሞቱ ደቂ ተባዕትዮ 2.9 ሚኢታዊት ከም ዝኾነ እቲ መጽናዕቲ ይሕብር።

ኣብ ክሊ ዕድመ 40-49 ካብ ዘለው ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን፤ እተን 3.2 ሚኢታዊት ደቂ ኣንስትዮ እንትሞታ፡ ናይ ደቂ ተባዕትዮ 2.1 ሚኢታዊት ኮይኑ ተመዝጊቡ።

ኣብ ክሊ ዕድመ 5-19 ዓመት ካብ ዘለው ሰባት ድማ፡ ደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ እየን ሞይተን።

ኮሮናቫይረስ ኣብ ህንዲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፕሮፌሰር ስነ ህዝቢ ዩኒቨርሲቲ ሃርቫርድ ሳብራማኒያን፡ "ካብዚ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዘጋጥም ዘሎ ሞት፡ ክንደየናይ'ዩ ምስ ተፈጥሮኣዊ ኩነታት ዝተኣሳሰር፡ ክንደየናይ ሚኢታዊትከ ምስ ማሕበራዊ ጉዳያት ዝብል ንጹር ኣይኮነን። ግን ድማ፡ ኣብ ህንዲ እቲ ስርዓተ ጾታ ወሳኒ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል'ዩ" ይብል።

እዚ ኣብ ህንዲ ዘጋጥም ዘሎ ሞት ደቂ ኣንስትዮ፡ ካብቲ ኣብ ካልእ ዓለም ዝተራእየ ዝተፈለየ እዩ።

ፕሮፌሰር ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ብሎምበርግ ኩኒሂሮ ማትሹሽታ፡ ብባህሪኡ ደቂ ተባዕትዮ ንኸም ናይ ልብን ባንቧ ደምን ጸቕጢ ደምን ዝበሉ ሕማማት ናይ ምቅላዕ ተኽእሎኦም ዝለዓለ እዩ ይብል።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ደቂ ተባዕት'ዮም ካብ ደቂ ኣንስትዮ ንላዕሊ ሽጋራ ዘትክኹ። ገለ መጽናዕታት ድማ፡ ደቂ ተባዕትዮ፡ በብግዝኡ ኢድካ ናይ ምሕጻብ ልምዶም ትሕት ዝበለ እዩ።

በዚ ምክንያት፡ ንሳቶም'ዮም ዚያዳ ንኮሮናቫይረስ ተቓላዕቲ ክኾኑ ዝግብኦም።

ብተወሳኺ፡ ደቂ ኣንስትዮ ከም ኦስትሮጅን ዝበለ ሆርሞን ዘለወን ስለ ዝኾና፡ ዝሓሸ ሕማማት ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ኣለወን ኢሎም ተመራመርቲ ይኣምኑ።

"እዚ ከምኢ እናሃለ፡ ሕጂ ኣብ ህንዲ ቑጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝሞታ ደቂ ኣንስትዮ ልዒሉ ክርኣይ እንከሎ፡ ዝተፈለየ ነገር እዩ" ኢሉ ፕሮፌሰር ማትሹሽታ።

ኣብ ህንዲ ልዕሊ 13 ሽሕ ሰባት ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ህንዲ ልዕሊ 13 ሽሕ ሰባት ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ሞይቶም

ኣብ ህንዲ፡ እተን ብዕድመ ዝደፍኣ ደቂ ኣንስትዮ እየን።

እዚ ሕማም፡ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ቐልጢፉ ስለ ዘጥቕዕ፡ ነዚ'ዶ ይኸውን ብብዝሒ ንሳተን ዝሞታ ዘለዋ?

መብዛሕትኡ ግዘ፡ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ሓሚመን ናብ ሓኪም ኣብ ምዃድ ይዝንግዓ እየን። ዝበዝሕ ግዝአን ካብ ገዛ ስለ ዘይወጽኣ ድማ፡ ኩነታት ጥዕንአን ቖላሕታ ኣይግበረሉን።

ስለዚ፡ ደቂ ኣንስትዮ ህንዲ መርመራ ኮሮናቫይረስ ንክገብራ ኮነ ሕክምና ንክረኽባ ይዝንግዓ ድየን ዘለዋ?

ብ1918 ተኸሲቱ ዝነበረ ለበዳ 'ስፓኒሽ ፍሉ'፡ ኣብ ህንዲ ናይ ገዛ ሰራሕተኛታት ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ ብብዝሒ ክጥቅዓ እንከለዋ፤ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ንላዕሊ'ውን ደቂ ኣንስትዮ እየን ሞይተን።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ንዘሎ ድማ፡ ተመራመርቲ "ኣብ ህንዲ ዘሎ ኩነታት ብቐረባ ክንከታተሎ" እዩ ዝግባእ ኣብ ዝብል ይሰማምዑ።

ኮሮና
ኮሮና