ማሕበር ሰብሞያ ሕጊ ኦሮሞ፡ 'ሽልማት ኖቤል ሰላም ኣብዪ ኣሕመድ ክስረዝ' ሓቲቱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዓለምለኻዊ ማሕበር ሰብሞያ ሕጊ ኦሮሞ ዝተብሃለ ትካል፡ 'ሽልማት ኖቤል ሰላም ኣብዪ ኣሕመድ ክስረዝ' ንናይ ኖርወይ ኢንስቲትዩት ኖቤል ብደብዳበ ሓቲቱ።
እቲ ማሕበር ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ "ዘስካሕክሑ ገበናት" ይፍጽም ኣሎ ክብል ከሲስዎ።
"ኣብዪን ንሱ ዝመርሖ መንግስትን ኣብ'ታ ሃገር ንዘሎ ኩሉ ዓይነት ርግኣት ይዘርጎ እዩ ዘሎ። መቅተልቲ ፍሉጣት ሰባት ኣብ'ታ ሃገር እናወሰኸ ይመጽእ ኣሎ። ንዝተቓወሙ ምእሳር፣ ዘይሕጋዊ ቅትለት ምፍጻም፣ ኣብ ልዕሊ ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ስኑዕ ክስታት ምቕራብ ቀንዲ መፍለዪ ምምሕዳር ኣብዪ ኣሕመድ ኮይኑ'ሎ። መረጻ ድማ ንዘይፍለጥ እዋን ኣናዊሕዎ ኣሎ" ክብል እቲ ማሕበር ከሲሱ።
በዚ ምኽንያት ድማ፡ ኮሚቴ ሽልማት ኖቤል ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝሃቦ ሽልማት ኖቤል ክስርዝን "ነዚ ዘይብቑዕ መራሒ ነቲ ዝለዓለ ክብሪ ዘለዎ ናይ ሰላም ምልክት" ብምሽላሙ ጌግኡ ክእርምን ማሕበር ሰብሞያ ሕጊ ኦሮሞ ሓቲቱ።
እቲ ማሕበር ወሲኹ "ዋላ ሕጂ'ውን እንተኾነ ኢትዮጵያን ኤርትራን ነንሓድሕደን ኮነ ኣብ ውሽጠን ሰላም የብለንን" ኢሉ።
ኣብዪ ኣሕመድ ንምንታይ እዩ ኖቤል ሰላም ተሸሊሙ?
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ዝወሰዶም ለውጢታት፡ ብፍላይ ድማ ምስ ኤርትራ ዝፈጠሮ ዕርቀ ሰላም፡ ንሽልማት ኖቤል ሰላም ክዕወት ከምዝኽአሎ እዩ ኮሚቴ ሽልማት ኖቤል ኣብ'ቲ እዋን ገሊጹ።
ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ ካብ ዝወሰዶም ዓበይቲ ተበግሶታት ሓደ ንልዕሊ 20 ዓመታት ዝጸንሐ ኩነት 'ኣይ-ሰላም ኣይ-ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ' ከብቅዕ ምግባር እዩ።
እንተኾነ፡ ካብ ቀረባ እዋናት ጀሚሩ፡ እቲ ሰላም 'ምሉእ ኣይኮነን' ዝብል ነቐፌታታት ክቐርብ ጀሚሩ'ሎ።
ሽልማቱ ክስረዝ ተኽእሎ ኣሎ ዶ?
ቅድሚ ኣዋርሕ፡ ኮሚቴ ሽልማት ኖቤል፤ ንኣብዪ ኣሕመድ ዝሃቦ ሽልማት ዳግመ-ግምት ይገብረሉ ኣሎ ዝብል ርእይቶ ኣብ ገለ ሚድያታት ምስተውሃበ፡ ኢንስቲትዩት ሽልማት ኖቤል ኖርዌይ ምላሽ ሂቡ ነይሩ።
እቲ ኢንስቲትዩት ብ 9 ሰነ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ "እቲቲ ኮሚቴ ንውሳነኡ ዳግመ ግምት ኣይገበረን ከምኡ ክገብር'ውን ኣይሃቀነን" ዝብል ምላሽ ሂቡ ነይሩ።
ወሲኹ ድማ "እቲ ኮሚቴ ሓንሳብ ንዝሃቦ ሽልማት ኖቤል ሰላም ክስርዝ ኣይክእልን" ኢሉ እዩ።
ሽልማት ኖቤል ክወሃብ ካብ ዝጀመረሉ 1901 ኣትሒዙ ድማ "ዝተሰረዘ ዋላ ሓደ ሽልማት ኖቤል የለን" ክብል ገሊጹ እዩ።
አቲ ማሕበር ደኣ ንምንታይ ደብዳበ ጽሒፉ?
ኣባል ፈፃሚት ስራሕ ዓለምለኻዊ ማሕበር ሰብሞያ ሕጊ ኦሮሞ ዝኾነት ቀበኔ ወዳጆ "ከምዘይስረዝ ንፈልጥ ኢና። እንተኾነ ነዚ ሽልማት ዝሃቦ ኮሚቴ፡ ትፅቢቱ ከምዘይሰመረ ክፈልጥን፡ ፀቕጢ ክገብርን እዩ ዕላማና" ኢላ።
ንሳ ወሲኻ፡ ኣብ'ዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዝረኣይ ዘሎ ብመንግስቲ ዝፍጸም ጅምላዊ ማእሰርቲ ቅትለትን ዘይሕጋዊ ስጉምትታትን ነዚ ሕቶ ከቕርቡ መልዓሊ ከምዝኾኖም ተዛሪባ።ኣብ ጉዳይ ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣመልኪታ ክትዛረብ እንከላ ድማ "ክልቲኦም መራሕቲ ይበጻጽሑ እኳ እንተለዉ፡ እቲ ስምምዕነት ኣበይ ክምዝበጽሐ ብግልጺ ኣይፍለጥን። ኣብ ከባቢ ዶብ ዘሎ ናይ ህዝቢ ንህዝቢ ርክብን ቁጠባዊ ዝምድናን ብዝምልከት'ውን ኣብ ዕላምኡ በጺሑ እዩ ኢልና ኣይንኣምንን" ኢላ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







