ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ፡ ጸብጸብ ኣምነስቲ ‘ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት’ ገለ ሓቅነት ኣለዎ ኢሉ

ሰራዊት ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ወተሃደራት ኢትዮጵያ

ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ፡ ኣምነስቲ ኢንተርናሽል ኣብ ወርሒ ጉንበት ዘውጸኦ ‘ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘስካሕኽሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት’ ምፍጻሞም ዝጥምት ጸብጻብ ‘ሓቃውነቱ ኣጻርየ’ ድሕሪ ምባል፡ ትማሊ ምላሽ ሂቡ።

ኣምነስቲ ኣብ'ቲ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ዘውጸኦ ጸብጻብ፡ ብፍላይ ኣብ ክልላት ኦሮምያን ኣምሓራን ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝፈጸሙ ዘቃልዕ እዩ ነይሩ።

እቲ ዜና መዘራረቢ ዓለም ለኸ ሚድያታት ኮይኑ ዝቐነየ ኾይኑ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻእን እቲ ሕሱም ተግባር ተፈጺሙለን ዝተብሃላ ክልላትን፡ ‘ሕሶት’ዩ’ ክብላ ነቲ ጸብጻብ ነጺገንኦ ነይረን።

ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌዴራል ድማ፡ እቲ ኣብቲ ጸብጻብ ተፈጺሙ ዝተብሃለ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ምስ ካልኦት መዳርግቲ ኣካላት ኮይነ ኣጻርየ ረኺበዮ ብዛዕባ ዝበሎ ውጽኢት፡ ትማሊ መግለጺ ሂቡ ኣሎ።

“ጸብጻብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ መንግስቲ ሕጊ ንከኽብር ዝወስዶ ስጉምቲ ኩሉ ከም ምፍጻም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ገይርካ ናይ ምጽላም ዝንባለታት ዝተርኣዮ፣ መንጎኛነት ዝጎደሎ፣ መረዳእታት ናይ ምምዛን ጸገም ዘለዎን ኣብታ ሃገር ንዘሎ ወድዓዊ ኩነታት ዘየገናዘበን” ክብል ወቒሱ።

እቲ፡ ዓቓቢ ሕጊ ከምኡ እንተበለ’ኳ፡ እቲ ጸብጻብ ሙሉእ ንሙሉእ ሕሶት ከምዘይኮነ ግን ባዕሉ ኣብ መግለጺኡ ኣሚንሉ ኣሎ።

“ይኹን’ምበር፡ ኣብቲ ጸብጻብ ካብ መንጎ ዝተኻተቱ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ዝተወሰኑ፡ ብኽፋል እንተኾነ’ኳ ሓቃውነት ዘለዎም ኮይኖም ተረኺቦም” ኢሉ።

እቶም ሓቃዊ ኸይኖም ረኺበዮም ዝበሎም ኣየኖት ግህሰታት ከምዝኾኑ ግን ኣየብረሀን።

ብሓፈሻ ግን፡ ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ፡ እቲ ናይ ኣምነስቲ ጸብጻብ ኣብቲ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ተፈጺምዎ ዝበሎ ከባቢ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ምንባሮም ‘ኳ ኣብ ግምት ከምዘየእተወ ብምግላጽ ነቲ ጽብጻብ ይነጽጎ።

'ናይቲ ጸብጻብ ኣሰናዳእቲ ገለ ኢትዮጵያውያን' ድማ፡ ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ስልጣን ዝነበረ ሓይሊ ርክብ ዘለዎም እዮም ክብል'ውን ከሲሱ።

መንግስቲ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝፍጠሩ ሕድሕድ ጸጋማት ሳልሳይ ወገን ብፍላይ ድማ ‘ስልጣኖም ዝሰኣኑ' ንዝብሎም’ መራሕቲ ህወሓት ተሓተትቲ ክገብር ልሙድ እዩ።

እቲ ዓቃቢ ሕጊ፡ ነቲ ጸብጻብ፡ ምስ ኣብያተ ጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊ ክልላት ኦሮምያን ኣምሓራን፣ መርመርቲ ፖሊስን ካብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ሲቪል ማሕበረሰባትን ዝተውጸጸአ ጉጅለ ኾይኑ ከምዘጻረዮ ይገልጽ።

ዓቃቢ ሕጊ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ምስ ኣምነስቲ ንምዝርራብ ሕቶ ኣቕሪቡ ተቐባልነት ከምዘይረኸበ ድማ፡ ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ ይርከብ።

ጸብጻብ ኣምነስቲ እንታይ እዩ ዝብል?

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ኣብቲ ቅድሚ ኣዋርሕ ዘውጸኦ ሰፊሕ ጸብጻብ ፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያን ኣብ ክልል ኣምሓራን ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተፈጸመ እዩ ገሊጹ።

ኣብ ኦሮሚያ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ 2019 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ]፡ ጸጥታ ምኽባር ዝዓለመ ሓይሊ ዕማም ኣብ ዞባታት ምዕራብን ምብራቕን ጉጂ ኣጣይሹ፡

፡እቲ ካብ ሚልሻታት፣ ፖሊስ፣ ፍሉይ ሓይልን መከላኸሊ ሰራዊትን ዝተወጻጽአ ሓይሊ ዕማም፡ ኣብ ክልቲአን ዞባታት ዘሎ ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ [ኦኤልኤ] ዝነበረ ዕጡቕ ሓይሊ ናይ ምምካት ዕላማ ከም ዝነበሮ ኣምነስቲ ይሕብር።

ጥሪ 2019፡ ኣብ ዞባ ምብራቕ ጉጂ 39 ሰባት ከም ዝተቐተሉ ብዘካየድክዎ መርመራ ኣረጋጊጸ እየ ይብል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል።

ቀጺሉ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ኦሮምያ፡ ብኣባላት ምክልኻል ተኣሲሮም ዝነበሩ ሰባት ብጥይት ከም ዝቐተሉዎም ጸብጻብ ኣምነስቲ ይሕብር።

ብተወሳኺ ጅምላዊ ማእሰርቲ ከም ዝተፈጸመን፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ድማ ስቅያት ይፍጸም ከም ዝነበረን ዝገልጽ ኣምነስቲ፡ ገና ኣብ መስርሕ መርመራ እኳ እንተሃለወ ክስታት ግዱድ ጾታዊ ዓመጽ'ውን ከም ዝተፈጸመ ጸብጺቡ ኣሎ።

እቶም ኣባላት ምክልኻል ብኣቆጻጽራ ፈረንጂ 10ን 11ን ጥሪ ከምኡ'ውን መስከረም 2019፡ ናይ ርድኡና ምሕጽንታ'ኳ እንተቐረበሎም፡ ንሳቶም ግን "ጸማም እዝኒ ሂቦም" ይብል።

ኣብ ጥሪ 2019፡ ኣብ ሓደ መዓልቲ ኣብ ዘይመልእ ጊዜ 58 ሰባት ተቐቲሎም ብጅምላ ተቐቢሮም ክብል'ውን ይከስስ።

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ቅማንት ዝተጸመ ዝበሎ ግፍዒኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ጸጥታ ከተማ ጎንደር ረኺበዮ ብዝበሎ ሓበሬታ፡ ኣብ መስከረምን ጥቅምትን 2019 ኣብ ከባቢ መተማ ብዝተወለዐ ቀቢላዊ ግጭት 43 ሰባት ከም ዝተቐትሉን 12 ሰባት ከም ዝቖሰሉን ጠቒሱ፡፡

10 ጥሪ 2019፡ ኣብ ከተማ መተማ ዮሃንስ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኣሕሉቕ ጎበዝን ፋኖ ዝባሃሉ ጉጅለን፡ 'ቀበሌ ሦስት' ዝበሃል ብበዝሒ ኣባላት ቅማንት ዝነብሩሉ ከባቢ፡ ከቢቦም ብእምኒ፣ ጠበንጃን ቦንባን ንሰባት ከም ዘጥቅዑ ዝገልጽ ኣምነስቲ፡ ሰራዊት ምክልኻል ክሳብ ዝበጽሕ ን24 ሰዓታት እቲ መጥቃዕቲ ቀጺሉ ምንባሩ ሓቢሩ።

እቶም መናእሰይ ብፖሊስን ሚልሻን ተሓጊዞም እቲ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሙን፡ መከላኸሊ ሰራዊት ድማ ን24 ሰዓታት ዝኾነ ዓይነት ሓገዝ ከም ዘይገበሩን ይጠቅስ።

ብ11 ጥሪ 2019፡ ብዙሓት ኣባላት ማሕበረሰብ ቅማንት ኣብ ዝነብሩሉ መንደር ናይ ሳትላይት ምስሊ ተጠቒሙ ትኪ ከም ዝተርኣየን ብሰሜናዊ ምዕራብ እታ ከተማ ዘለዉ ክልተ ከባቢታት ተቓጺሎም ክኾኑ ከም ዝኽእሉን ኣምነስቲ ይገልጽ።

ካብ ከተማ ጎንደር ንኣንፈት ሰሜን ኣብ ዝርከባ ተወለድቲ ቅማንት ኣብ ዝበዝሑለን ከባቢታት ኣርባባ፣ ወለቃን ሳይናን ናይ ሕነ ምፍዳይ ዝመስል መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ’ውን ኣቃሊዑ እዩ።