ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ቅትለት ሙዚቀኛ ሃጫሉ ሁንዴሳ ብናጻ ወገን ክጻረ ጸዊዑ

ሙዚቀኛ ሃጫሉ ሁንዴሳ

ምንጪ ስእሊ, Amnesty International

ተጣባቒ ጉጅለ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ቅትለት ሙዚቀኛ ሃጫሉ ሁንዴሳ ብህጹጽን፡ ዘይሻራውን ናጻን ወገን ክጻረ ጸዊዑ።

ቅትልት ሙዚቀኛ ሃጫሉ ሁንዴሳ ኣብ ሓያለ ከባቢታት እታ ሃገር ተቃውሞ ከምዘለዓዓለ ተጣባቒ ጉጅለ ሰብኣዊ መሰላት ገሊጹ።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ “ሃጫሉ ሁንዴሳ ፍትሒ ክረክብ ኣለዎ” ብምባል፡ ደርፍታት ሃጫሉ ካብ 2015 ጀሚሩ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዝንበረ ሕቶ ፖሎቲካዊ ለውጢ ንመንእሰያት ይጥርንፎም ምንባሩ ኣብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ምክትል ዳይረክተር ምብራቕ፡ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዓበይቲ ቀላያትን ሳራ ጃክሰን ገሊጻ።

እቲ ትካል ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መንግስቲ ነቲ ዓፊንዎ ዘሎ ኣገልግሎት ኢንርነት ክኸፍቶን፡ ህዝቢ እኹል ሓበሬታ ረኺቡ ብናጻ ሓዘኑ ክገልጽ ከፍቅድ ተማሕጺኑ።

ውሩይ ኢትዮጵያዊ ስነ-ጥበባዊ ቋንቋ ኦሮሞ፡ ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ሰኑይ ምሸት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብጥይት ምስተቐትለ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ክልል ኦሮምያ ተቓውሞታት ተወሊዖም።

ዛጊት ድማ፡ ኣብ ከተማ ኣዳማ ሓሙሽተ ሰባት ብጥይት ከምዝተቐትሉ ተረጋጊጹ'ሎ። ካልኦት ክልተ ድማ ኣብ ከተማ ጭሮ ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።

እቲ ውሩይ ሙዚቀኛ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ወረዳ 4፡ 'ገላን ኮንዶሚንየም' ኣብ ዝተባህለ ቦታ ከም ዝተቐትለ፡ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት ፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ምስ ቅትለት እቲ ደራፋይ ተታሒዙ "ገለ ጥርጡራት" ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተው ተገሊጹ።

ብኻልእ ወገን፡ ጃዋር መሓመድ ዝርከቦም 35 ውልቀሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ምህላዎም ፈደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ሓቢሩ።

ፈደራል ፖሊስ ኮሚሽንን፡ ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ኦሮሚያን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺታት፡ ሓለውቲ ጃዋር ሒዞሞ ዝነበሩ ብረታትን ናይ ርክብ ሬድዮታትን ተታሒዙ ከምዘሎ ጠቒሶም።