ናብ 18 ሆስፒታላት ከይዱ ሕክምናዊ ሓገዝ ዝሓተተ ሰብኣይ ዝቕበሎ ስኢኑ ህይወቱ ሓሊፋ

ህንዲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ሃገረ ህንዲ፡ ሓደ ናይ ምስትንፋስ ጸገም ዘጋጠሞ ውልቀ ሰብ ናብ 18 ሆስፒታላት ብኣካል ብምኻድን፡ ናብ 32 ድማ ብምድዋል ሕክምናዊ ሓገዝ ክገብርሉ ድሕሪ ምሕታት፡ ኣብታ መወዳእታ ዝተቐበለቶ ሆስፒታል ምስ ኣተወ ህይወቱ ከምዝሓለፈት ተገሊጹ።

እዚ ወዲ 52 ዓመት ህንዳዊ፡ ብዘይካ እቲ ናይ ምስትንፋስ ጸገም፡ ረስኒ ሰብነቱ እውን ልዑል ምንባሩ እዩ ተገሊጹ።

እዚ ውልቀ ሰብ፡ ንኣሰታት 36 ሰዓታት ናብ ዝተፈላለያ ሆስፒታላት ብኣካል ብምኻድን ብምድዋልን ኣብ ሕክምና ኣደቂሶም ሕክምናዊ ክንክን ክገብርሉ ደጋጊሙ እዩ ዝምሕጸን ነይሩ።

ኣብ መወዳእታ ግን ሓንቲ ሆስፒታል ንምሕጽንትኡ ብምስማዕ ክድቅስ እኳ እንተፈቐደትሉ፡ ገና ንቡር ሕክምና ከይተጀመሮ ከምዝሞተ ወዲ ሓፍቱ ንጋዜጣ ኢንድያን ታይምስ ሓቢሩ።

እዚ ወዲ 52 ዓመት ህንዳዊ፡ ሕማሙ ኮሮናቫይረስ ከይኸውን ቅምሶ ተወሲድዎ ስለዝነበረ፡ ቤተሰቡ ነቲ ውጽኢት ኣብ ምጽባይ እዮም ዝርከቡ።

"ኣኮይ ብኮሮናቫይረስ ድዩ ሞይቱ ዋላ ኮሮናቫይረስ እዩ ሒዙኒ ብዝብል ፍርሒ ዋላ ሓንቲ ዝፈለጥናዮ ነገር የለን፡ ውጽኢት ኢና ንጽበ ዘለና" ይብል ወዲ ሓፍቱ ንመዋቲ።

ህንዳዊት ከተማ ባንጋሎር፡ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ናይ ዝልከፉ ዘለዉ ሰባት ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ብናህሪ ይውስኽ ስለዘሎ፡ ስማ ኣብ ዜናታት ብተደጋጋሚ ክልዓል ይስማዕ እዩ።

እዛ ከም ከተማታት ደልሂ፡ ሙማባይን ቸንያን ንዝርገሐ ኮሮናይረስ ብጽቡቕ ክትቆጻጸሮ ዘይከኣለት ዓባይ ከተማ ባንጋሎር፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ሰናብቲ ጥራይ፡ ልዕሊ 1000 ሓደሽቲ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ስለዝረኸበት ነበርታ ኣብ ስክፍታን ፍርሕን ተሸሚሞም ይርከቡ።

ኮሮና