ንሰበይቱን ጓሉን ንዝሙት ዝሸጠ ሰብኣይ

ይፈትወኪ እየ ኣደይ

ምንጪ ስእሊ, NEBULA MP

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቀዳመ ሰናብቲ፡ አዕሩኽቲ ኣቡኣ ከይተረፈ ይጋሰሱዋ ምንባሮም ጓል 12 ዓመት ቖልዓ ንኣማኸርቲ ስነ-አእምሮ ኣዘንትያ።

ወላዲኣ ንአዕሩኽቱ ኣብ ገዛ መስተ ይእንግዶም እሞ፡ ምስ ሰተዩ ኣብ ቅድሚ ስድረኣ ይስሕቁላን ይተናኽፉዋን ምንባሮም ትዛረብ። ንሓንሳብ ገለ ካብቶም ሰብኡት ምስ ወላዲታ ናብ ዓሳው ዓራት ይኸዱ ምንባሮም ትዛረብ።

ሓደ መዓልቲ ወላዲኣ ምስ ሓደ ሰብኣይ ደፊኡ ናብ ሓደ ክፍሊ አእትዩ ብደገ ይዓጽዋ እሞ እቲ ሰብኣይ ከም ዝተጋሰሳ ተዘንቱ።

ቑልዕነታ ቀልጢፉ ናብ ዘባህርር ዕጫ ተቐይሩ። ወላዲኣ ገንዘብ እናተቐበለ ንጓሉ ንዝተፈላለዩ ሰባት አሕሊፉ ይህባ ነበረ። ኣማኸርቲ ስነ-አእምሮ እታ ጓል ብውሕዱ ብ30 ሰባት ከምዝተዓመጸት ይኣምኑ።

ካብ መምህራና ምላቚ ሓበሬታ ዝረኸቡ ኣባላት ሓለዋ ቖልዑን ሕጻናትን፡ ብ20 መስከረም ካብ ቤት ትምህርቲ ናብ ሓደ መዕቆቢ ወሲዶማ። እቶም ሓለዋ ቖልዑን ሕጻናትን ሰበስልጣን ጾታዊ ግህሰት ከምዘጋጠማ ብሕክምናዊ መርመራ ከምዘረጋገጹ ሓቢሮም።

ምስዚ ጉዳይ ብዝተኣሳሰር ከኣ ኣቡኣን ኣርባዕተ ሰብኡትን ብጾታዊ ዓመጽን ብተግባረ ጽዩፍ ጾታዊ ስእሊ(ፖርኖግራፊ) ትሕቲ ዕድመ ቖልዓ ተኣሲሮም ኣለው። ይኹን እምበር ኩሎም ነቲ ክሲ ነጺጎምዎ ኣለው።

ፖሊስ ንኻልኦት ሓሙሽተ ነታ ቖልዓ ዝተጋሰሱዋ አዕሩኽ ኣቡኣ ይሃድኑ ኣለው። መርመርቲ ፖሊስ ነታ ቖልዓ ተጋሲሶሙዋ ክኾኑ ናይ ዝኽእሉ 25 ጥርጡራት ዝርዝር ኣስማት ሒዞም ኣለው።

ጾታዊ መጥቃዕቲ ህንዲ ዘንጸባርቕ ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, AFP

እታ ቖልዓ "ገጾም ከለልዮም ኣይክእልን እየ ኩሉ ነገር ጽልግልግ ዝበለ እዩ ነይሩ" ትብል።

እቶም ስድራ ኣብ ደቡባዊ ህንዲ፡ ጥዑይ ኣየርን ማይን ኣብ ዘለዎ ብተፈጥሮኣዊ ትዕድልቱ ኣብ ዝወቀበ ብተዛማዲ ኣብ እንዳ ርኹባት ቦታ እዮም ዝነበሩ ነይሮም። ይኹን እምበር እታ ቖልዓ እቲ ጽቡቕ ዕድል ከየስተማቐረቶ ሓሊፉዋ።

ብ20 መስከረም እታ ቖልዓ ኣብ እትነብረሉ ከባቢ ዝነብሩ ሓደ ኽልተ መምህራን፡ ኣብ ስድራኣን ባዕላን ዝጠርጠሩዎ ነገር ስለዝነበሮም "እዛ ቖልዓ ገለ ጸገም ክህልዋ ይኽእል እዩ'ሞ ኣዛሩቡዋ" ክብሉ ምኽሪ ሂቦም።

ብድሕሪኡ ምምሕዳር እቲ ቤት ትምህርቲ ንኣማኸርቲ ስነ አእሙሮ ደቀንስትዮ ቖልዑ ሓቢሩ። እተን ኣማኸርቲ ከኣ ንጽባሒቱ መጺአን ኣዘራሪበናኣ።

ወላዲታ ንቡር ናይ ወለዲ ኣኼባ ዝካየድ ዘሎ መሲሉዋ ኣብ ሓደ ኣብቲ ላዕሊ ዝነበረ ክፍልታት እንከላ፡ እተን ኣማኸርቲ፡ ነታ ቖልዓ ኣብቲ ናይ መማህራን ክፍሊ ብኣካል ረኺበን ብዛዕባ ህይወትክን ህይወት ስድራኽን ንገርና ኢለንኣ - ንኣርባዕተ ሰዓት ዝኣክል ከኣ ተዘራሪበን።

እታ ጓል፡ ወላዲኣ ስራሕ ኣልቦ ብምዃኑ ከቢድ ግዜ የሕልፉ ከምዘለውን፤ ከም ስድራ ድማ ገዛ ክራይ እንተዘይከፊልና ካብቲ ገዛ ክንስጎጎ ንኽእል ኢና ክትብል እናበኸየት ተዛሪባ።

ኲልፍ ኣቢላ ድማ "ኣብ ገዛና ገለ ጸገም ኣሎ። ኣቦይ ንኣደይ ይግህሳ ኣሎ" ክትብል ሓቢራ።

እታ ጓል፡ ሓንቲ ግዜ ንኣዲኣ ክራኸባ ብዝመጸ ሰብኣይ ጾታዊ መጥቃዕቲ ከምዘጋጠማ'ውን ነጊራ። ዋላ እኳ ኣዲኣ ነቲ ሰብኣይ እንተገሰጸቶ፡ ንሳ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ምስከደት ናብ ኣዲኣ ብዙሓት ሰብኡት ከምዝመጽኡዋ ትገልጽ።

ብቐጻሊ ብዙሓት ሰብኡት መስተ ክሰትዩ ኣምሲዮም ንገዝኦም ብምምጻእ ንኣዲኣ ከምዝጋሰስዋ ትገልጽ።

እቶም ናይ ስነ-ኣእምሮ ክኢላታት ድማ፡ ነታ ጓል ንጥንስን ሕማማት መከላኸሊ ዝኸውን እንታይ ከምትፈልጥ ሓቲቶምዋ።

እታ ጓል ትቕብል ኣቢላ ድማ "ኣይፋል፤ ኮንዶም ኢና ንጥቀም" ክትብል መሊሳ።

ብድሕሪ እዚ ድማ ናይቲ ዘስካሕክሕ ዛንታ ቑልዕነታ ኣዘንትያ።

ኣብ ህንዲ ውሽጢ 15 ደቃይቕ፡ ሓደ ቖልዓ ጾታዊ መጥቃዕቲ ከምዝበጽሖ ጸብጻባት የመልክቱ

ምንጪ ስእሊ, AFP

"ስብኡት ኣብ ገዛና ብምምጻእ፡ ንኣደይ ናብ ዓራት ይወስድዋ። ከምዚ ዓይነት ልሙድ ተግባር ይመስለኒ ነይሩ። ካብኡ ድማ ኣቦይ ምስ ጓኖት ናብ ዓራት ደፊኡኒ" ክትብል ሓቢራ።

ሓሓንሳብ፡ ወላዲኣ ጥራሕ ነብሳ ተሳኢላ፡ ነቲ ስእሊ ናብቶም ሰብኡት ክትልእኸሎም ይሕብራ ከምዝነበረት'ውን ትገልጽ።

ኣብ ዝሐለፈ ዓመት፡ ወርሓዊ ጽግያት ከይመጽኣ ምስ ሓለፈ፡ ስድረኣ ዝጠነሰት መሲልዎም ከምዝተረበሹን፤ ብኡንብኡ ድማ ናብ ሓኪም ከምዝወሰድዋን ትገልጽ።

እታ ናይ ስነ-ኣእምሮ ክኢላ ግን፡ እዛ ጓል ግዳይ ጸታዊ መጥቃዕቲ ከምዝኾነት ፈሊጣ። ንሓለዋ ቖልዑ ዝከታተሉ ሓለፍቲ ብምጽዋዕ ድማ ናብ ካልእ መዕቆቢ ቆልዑት ወሲዶማ።

ኣዲኣ "ንጓለይ ናበይ ትወስድዋ ኣለኹም" ክትብል እኳ እንተጨደረት፡ ጓላ ግን ድሮ ናብቲ መዕቆቢ ቆልዑት ክትከይድ ተበጊሳ። ንዝሓለፈ ክልተ ወርሒ ድማ ምስ ካልኦት ግዳያት ጾታዊ መጥቃዕቲ ሰባት ክትነብር ጀሚራ።

ህንዲ፡ ኣብ ህጻናት ብዝፍጸም ጾታዊ ግህሰት ዘሕፍር መዝገብ'ዩ ዘለዋ። መብዛሕትኡ እቲ ጾታዊ ግህሰት ብመቕርብ እቶም ግዳያት እዮም ዝፍጸሙ።

ኣብ 2017 ዝተረኸበ ጸብጻብ፡ ኣብ ህንዲ ኣስታት 10221 ቖልዑ ጾታዊ ግህሰት ከምዝበጽሖም የመልክት። ኣብ ቀረባ እዋን'ውን እቲ ጾታዊ መጥቃዕቲ እናወሰኸ ይኸይድ ምህላው ይግለጽ።