ካብ ሞት ዝተንሰአት ኢንግሊዛዊት ጓል-ኣንስተይቲ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ንሽድሽተ ሰዓታት ህርመት ልባ ጠጠው ኢሉ ዝጸንሐ ብሪጣንያዊት ጓል-ኣንስተይቲ፡ ናብ ንቡር ኩነታት ከም ዝተመልሰት ተገሊጹ።
ሓካይም ከኣ ነቲ ተርእዮ "ፈጺሙ ዘይንቡር'ዩ " ክብሉ ገሊጾሞ።
ሓካይም፡ ነቲ ኩነት ኣብ ስጳኛ እቲ ዝነውሐ ህርመት ልቢ ጠጠው ዝበለሉ ክብሉ ገሊጾሞ።
እዛ ኣድረይ ሾማን ዝተባህለት ጓል-ኣንስተይቲ፡ ምስ ሰብኣያ ኣብ ጎቦታት ስጳኛ ክትሓኩር እንከላ፡ ሓደገኛ ትሑት ሙቐት-ሰብነት (ሃይፖተርምያ) ኣማዕቢላ።
ኣብ ከተማ ባርሰሎና እትነበር ጓል 34 ዓመት፡ ኣብ ጉዕዞ እንከላ ብሰንኪ ሕማቕ ኩነታት ኣየር ክትዛረብን ክትጎዓዝን ኣይከኣለትን፤ ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ድማ ውነኣ ኣጥፊኣ።
ሕክምናዊ ረድኤት እናተጸበየት ከኣ ኩነታታ ናብ ዝኸፈኣ ደረጃ በጺሑ።
በዓል-ቤታ'ውን ከም ዝሞተት እዩ ኣሚኑ። ንሱ፡ ውነኣ ምስ ኣጥፈአት ህርመት ልባን ትንፋሳን ክፍትሽ ከም ዝጀመረ፡ እንተኾነ ግን ዝኾነ ነገር ከም ዘይተሰመዖ ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እቶም ሕክምናዊ ረድኤት ዝህቡ ሓካይም ድሕሪ ክልተ ሰዓት ምስ መጽኡ፡ ሙቐት ኣካላታ ናብ 18 ዲግሪ ወሪዱ፡ ዝኾነ ምልክት ናይ ህይወት ኣይረኸቡን።
ይኹን እምበር እቲ ክቱር ዛሕሊ ዝነበሮ ዘሕመማ እምባ፡ መድሓኒታ ከም ዝነበረ እቶም ሓካይም ገሊጾም።
ንሳቶም፡ እቲ ትሑት ሙቐት-ሰብነት ዘኸትል (ሃይፖተርምያ) ዝተባህለ ሕማም ውነኣ ኣጥፊኣ እንከላ ኣካላታን ሓንጎላን ናብ ዝኸፍአ ኩነት ከየመርሕ ከም ዝተኸላኸለላ ሓቢሮም።
እቲ ከበቢ ንቡር ከነታት ኣየር እንተዝነብሮ ብሕማም ልቢ ምሞተት ክብሉ'ውን ገሊጾም።
እታ ግዳይ፡ ኣድረይ ሾማን፡ ናብ ውንኣ ንኽትምለስ፡ እቶም ሓካይም ምዕቡል ማሽን ገይሮም፡ ንደማ ካብ ኣካላታ ኣልጊሶም ከም ብሓድሽ ምስ ኦክስጅን ሓዊሶም ናብ ኣካላታ መሊሶምዎ።
ብድሕር'ዚ ሙቐት ሰብነታ ናብ 30 ዲግሪ ሲንቲግረድ ምስ በጽሐ ድማ፡ ንልባ ብማሽን ገይሮም (defibrillator) ኣተንሲኦሞ።
ንሳ፡ ድሕሪ 12 መዓልቲ እያ ካብ ሆስፒታል ሓውያ ወጺኣ። ብዛዕባ እቲ ዝነበረ ኩነት ምስ ተሓተት ድማ ዝኾነ ነገር ከም ዘይትዝክር ሓቢራ።
ኣድረይ ሾማን፡ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝሓወየትን፡ ኣብ ዝመጽእ ጽድያ እንደገና ምሕዃር ንኽትጅምር ተስፋ ከም ዘለዋን ገሊጻ።
ንሳ፡ ብህይወት ምህላዋ ከም ተኣምራት ከም እትርእዮ ድሕሪ ምግላጽ፡ ነቶም ዘድሓንዋ ሓካይም ኣመስጊና።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







