ንዘይትፈልጦ ሰብኣይ ብስም ስልጠና ክትምርዖ 'ዝተታለለት' ጓል ሆንግ ኮንግ

ምንጪ ስእሊ, iStock
21 ዓመት ዕድመ ዘለዋ ጓል ሆንግ ኮንግ፡ ኣብ ናይ 'ልምምድ' መርዓ እንከላ፡ ንሓደ ዘይትፈልጦ ሰብ ክትምርዖ ከም ዝተታለለት ገሊጻ።
ንሳ ኣካል ናይቲ ትወስዶ ዘላ ናይ 'ምዉዳድ መርዓ' ስልጠና፡ ከም መርዓት ኮይና ክትዋሳዕ ከም ዘለዋ ከም ዝተሓበራ ትገልጽ።
ኣብቲ ጽምብል ግና ሓቀኛ ናይ መርዓ ሰነድ ኢዮም ከቲሞም።
እቲ ዝፈጸመቶ፡ ሕጋዊ መርዓ ከም ዝኾነ ጸኒሓ ናብ ትቕመጠሉ ሆንግ ኮንግ ምስ ተመልሰት ኢዩ።
ፖሊስ ብወገኑ፡ እቲ ገበን ምፍጻሙ ዘርኢ እኹል መርትዖ ስለ ዘይረኸበ ክሕግዛ ከም ዘይከኣለ ኢዩ ዝሕብር። በዚ ድማ ጉዳያ ናብ ፈደረሽን ማሕበራት ንግዲ ሆንግ ኮንግ (FTU) ኣቕሪባ።
"እዚ ሓድሽ ዓይነት ቀጠፍጠፍ ኢዩ፤ ኣብ ዘመናዊት ሆንግ ኮንግ ይፍጸም ምህላዉ ድማ ክትኣምኖ ዘጸግም ኢዩ" ክብል ዳይረክተር FTU ቶንግ ካምግዩ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
እታ ስማ ዘይተጠቕሰ ጓል ሆንግ ኮንግ፡ ኣብ ግንቦት፡ ኣብ ፌስቡክ ናይ ሜክኣፕ ስልጠናን ልምምድን መወዓዉዒ ርእያ፤ ምስ ኣመልከተት ግና፡ ናብ ስልጠና 'ኣዋደድቲ መርዓ' ክትቕይር ኣእመንዋ።
ናይ ሓደ ሰሙን ናይ ልምምድ ግዜ ምስ ተዋህባ ከኣ፡ ነቲ ስልጠና ክትዉድእ እንተኸይና ኣብ ናይ ልምምድ መርዓ ከም መርዓት ክትሳተፍ ከም ዘድሊ ተሓበራ።
ን ፍቓድ መርዓ ኣብ ምምሕዳር እቲ ዞባ ድሕሪ ምምልካት ድማ ኣብ ሓምለ፡ ነቲ ሰነድ ከተመት።
ናብ ሆንግ ኮንግ ምስ ተመልሰት ግና ሓደ ካብ መቕርባ ኩሉ እቲ ዝተገበረ ቀጠፍጠፍ ምዃኑ ኣረጋጊጹላ።
በዚ ድማ ክሳብ ናይ ፍትሕ መስርሕ እትዉድእ፡ ምርዕዉቲ ኮይና ክትጸንሕ ኢያ።
ፖሊስ ሆንግ ኮንግ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ከባቢ 1000 ዶብ-ሰገር፡ ናይ ሸፈጥ መርዓ ጥርዓናት ከም ዝመጾ ይሕብር። ንደቂ ሆንግ ኮንግ ዝተመርዓዉ ቻይናዉያን ኣብ ከተማ ሆንግ ኮንግ ናይ ምንባር መሰል ኣለዎም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







