ዝተተምየኑ ንዋት ኩሕሊ 'መርዛም' ባእታ ተረኺብዎም

ምንጪ ስእሊ, Local Government Association
ኣብ ዝተተምየነ ፍርያት መጸባበቒ ሜርኩሪ ዝተብሃል ሓደገኛ 'መርዚ' ድሕሪ ምርካቡ ሰባት ክጥንቀቑ መዘኻኸሪ ቀሪቡ።
ብኣማኢት ኣሽሓት ፓዉንድ ዘዉጽእ ዝተሰንዐ ፍርያት መመላኽዒ ከም ዝተታሕዘ ድማ ማሕበር ዞባዊ ምሕደራታት (LGA) ኣፍሊጡ።
እቶም ፍርያት 'ሓደገኛ ናይ ጥዕና ሳዕቤናት' ከኸትሉ ከም ዝኽእሉን ንተጠቀምትን ንትካላትን ከም ዘደናግሩን'ዉን ተሓቢሩ።
ገለ ካብቶም ኣብ ዕዳጋ ዝርከቡ ዝተሰንዑ መመላኽዒታት፡ ቅዳሓት ናይ ኣዝዮም ፍሉጣት ዝኾኑ MAC, Chanel ከምኡ'ዉን Benefit ይርከብዎም።
ኣብዞም መመላክዒታት ተረኺቦም ዘለዉ ከሚካላት ናይ ቆርበት ምሕራርን ነድርን ከስዕቡ ከም ዝኽእሉ ተሓቢሩ።
ብዘይካ'ዚ መርኩሪ ኣብ 'ስርዓተ መትኒ፡ ስርዓተ ምሕቃቕ፡ ስርዓተ ምክልኻል ካብ ሕማማት፡ ሳንቡእ፡ ኩሊት፡ ቆርበትን የዒንትን መርዛም ሳዕቤን' ከም ዘለዎ ኣጠንቂቑ።
ሜርኩሪን ልዕሊ ዓቐን ቆርበት ንምጽዕዳዉ ናይ ዘገልግል ሃይድሮኲኖን ዝተብሃለ ቀመም ዘለዎም መመላኽዕታት ከም ዝተረኸቡ ከም ኣብነት ይጠቅስ።
ብዘይካ'ዚ ዝተፈላለያ ትካላት ግዳይ ዕዳጋ ናይ ዝተሰንዐ መመላኽዒታት ከም ዝኾኑ'ዉን ይሕብር።
ቅድሚ ሕጂ ፖሊስ ኣብ ዝተተምየኑ መመላኽዒታት ሽንቲ ናይ ሰብን ናይ ኣናጹን ኣርሰኒክ ዝተብሃለ ባእታ ከም ዝረኸበ ኣጠንቂቑ ኔሩ።
ኣቦ መንበር ማሕበር ዞባዊ ምሕደራታት ሳይሞን በከር "ዓደግቲ ኩሉ ግዜ መመላኽዒታት ክገዝኡ ከለዉ ክጥንቀቑ" የዘኻኽር።
"ክሓስር ከሎ ዝተተምየነን ሓደገኛን ናይ ምዃን ተኽእሎኡ" ልዑል ከም ዝኸነ ወሲኹ ሓቢሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







