መቐለ-ትግራይ፡ ኣከባብራ በዓል ኣሸንዳ ብስእሊ
መግለጺ ስእሊ, ጉድእቲ ኣካል ኣብ በዓል ኣሸንዳ ሃይማኖት ወ/ስላሴ፡ ኣሸንዳ ኣብ ሞተር ሳይክል ኾይና ኣኽቢራ መግለጺ ስእሊ, በዓል ኣሸንዳ ኣብ ክልል ኣምሓራ ሰቆጣ ሻደይ እናተብሃለ ዝኽበር እንትኾን፡ ሎሚ'ዉን ተኸቢሩ ዉዒሉመግለጺ ስእሊ, ኣሸንዳ በብዓመቱ 16 ነሓሰ ኣዋልድ ዘኽብረኦ ፍሉይ በዓል ጎራዙ'ዩመግለጺ ስእሊ, በዓል ኣሸንዳ እዚ ዓመት፡ ኣብ ባሎኒ መጻወቲ ከዕሶ ዝተኸበረ እንትኾን፡ ጽባሕን ድሕሪ ጽባሕን'ዉን ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ክኽበር'ዩመግለጺ ስእሊ, ኣሸንዳ ንምኽባር እትወጽእ ጓል ኣንስተይቲ፡ ማርዳ፣ ሕንቆ መስቀልን ካልእን ዝበሉ መጋየጺታት ትጥቀምመግለጺ ስእሊ, ኣሸንዳ ዝብላ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ጉዕዘን ንዝረኸብኦ ሰብኣይ "ሓዛለይ፡ ሓዛለይ ከይትሰዳለይ" ይብለኦመግለጺ ስእሊ, ኣሸንዳ እትብል ጓል ኣንስተይቲ፡ ካብ ኩሕሊ፣ ጠስምን መስቀልን ወጻእ ካልእ ዘመናዊ መመላኽዒ ክትጥቀም ኣይመዓድንመግለጺ ስእሊ, ደቂ ተባዕትዮ፡ ሓጺር ስረ ተዓጢቖም፡ በትሪ ሒዞም፡ ቖልዑ ንኣሸንዳ ዝኾነ ዓይነት ጸገም ከይበጽሐን እግሪ እግረን እናስዓቡ ይሕልዉመግለጺ ስእሊ, ኣሸንዳ፡ ኣዉራ ደቂ ኣንስትዮ ዝደምቃሉ፣ ጽባቕአን ጎሊሑ ዝወጽአሉ ፍሉይ በዓል'ዩመግለጺ ስእሊ, በዓል ኣሸንዳ ዘኽብራ ቖልዑ ኣሸንዳ ኮንጎ ጫማን ዓለባ ዓድን እየን ዝገብራ