መቐለ-ትግራይ፡ ኣከባብራ በዓል ኣሸንዳ ብስእሊ

ጉድእቲ ኣካል ኣብ በዓል ኣሸንዳ
መግለጺ ስእሊ, ጉድእቲ ኣካል ኣብ በዓል ኣሸንዳ ሃይማኖት ወ/ስላሴ፡ ኣሸንዳ ኣብ ሞተር ሳይክል ኾይና ኣኽቢራ
ሻደይ፡ ኣብ ሰቆጣ 16 ነሓሰ 2010
መግለጺ ስእሊ, በዓል ኣሸንዳ ኣብ ክልል ኣምሓራ ሰቆጣ ሻደይ እናተብሃለ ዝኽበር እንትኾን፡ ሎሚ'ዉን ተኸቢሩ ዉዒሉ
ቖልዑ ኣሸንዳን ሓደ ወላድን 15 ነሓሰ 2010
መግለጺ ስእሊ, ኣሸንዳ በብዓመቱ 16 ነሓሰ ኣዋልድ ዘኽብረኦ ፍሉይ በዓል ጎራዙ'ዩ
በዓል ኣሸንዳ መቐለ፡ 16 ነሓሰ 2016
መግለጺ ስእሊ, በዓል ኣሸንዳ እዚ ዓመት፡ ኣብ ባሎኒ መጻወቲ ከዕሶ ዝተኸበረ እንትኾን፡ ጽባሕን ድሕሪ ጽባሕን'ዉን ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ክኽበር'ዩ
ኣሸንዳ ንምኽባር እትወጽእ ጓል ኣንስተይቲ፡ ማርዳ፣ ሕንቆ መስቀልን ካልእን ዝበሉ መጋየጺታት ትጥቀም
መግለጺ ስእሊ, ኣሸንዳ ንምኽባር እትወጽእ ጓል ኣንስተይቲ፡ ማርዳ፣ ሕንቆ መስቀልን ካልእን ዝበሉ መጋየጺታት ትጥቀም
ቖልዑ ኣሸንዳ፡ 15 ነሓሰ 2010
መግለጺ ስእሊ, ኣሸንዳ ዝብላ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ጉዕዘን ንዝረኸብኦ ሰብኣይ "ሓዛለይ፡ ሓዛለይ ከይትሰዳለይ" ይብለኦ
ኸበሮ ዝሓዛ ቖልዑ ኣሸንዳ
መግለጺ ስእሊ, ኣሸንዳ እትብል ጓል ኣንስተይቲ፡ ካብ ኩሕሊ፣ ጠስምን መስቀልን ወጻእ ካልእ ዘመናዊ መመላኽዒ ክትጥቀም ኣይመዓድን
ሻደይ ኣብ ሰቆጣ
ቖልዑ ኣሸንዳ፡ 15 ነሓሰ 2010
መግለጺ ስእሊ, ደቂ ተባዕትዮ፡ ሓጺር ስረ ተዓጢቖም፡ በትሪ ሒዞም፡ ቖልዑ ንኣሸንዳ ዝኾነ ዓይነት ጸገም ከይበጽሐን እግሪ እግረን እናስዓቡ ይሕልዉ
ንኣሸንዳ ዝተዳለዋ ቖልዑ ኣሸንዳ፡ 15 ነሓሰ 2010
መግለጺ ስእሊ, ኣሸንዳ፡ ኣዉራ ደቂ ኣንስትዮ ዝደምቃሉ፣ ጽባቕአን ጎሊሑ ዝወጽአሉ ፍሉይ በዓል'ዩ
ኮንጎ ጫማ
መግለጺ ስእሊ, በዓል ኣሸንዳ ዘኽብራ ቖልዑ ኣሸንዳ ኮንጎ ጫማን ዓለባ ዓድን እየን ዝገብራ