ሰሙን ኣፍሪቃ ብስእሊ፡ 22-28 ሰነ 2018

ቢቢሲ ዝሓረዮም ብሉጻት ስእሊታት ኣፍሪቃ እዚ ሰሙን ነዚኦም ይመስሉ።

ኣብ ሶማሊያ ዝተመዛበለት ህጻን፡ ኣብ መዕቖቢ ስደተኛታት ባድባዶ ኣይ ዲ ፒ ዝወሃብ ትምህርቲ እናተኸታተለት

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኣብዚ ሰሙን ዕለተ ሰኑይ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ሶማሊያ ኣብ ዝርከብ መዕቖቢ ትምህርቲ እንትወሃብ "ኽምስ" እናበለት ዘርኢ ምስሊ
25 ሰነ 2018 ካብ ሞንጎ እቶም ትምህርቲ ዝወሃቦም ዝነበሩ ህጻናት ኣብ ቅድሚ ጸሊም ሰሌዳ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ስደተኛታት ዝዓቑቡሎም ቦታታት ብምኻድ ከባቢ 600 ህጻናት ኣብ ሞቓድሾ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ምሂሮም
23 ሰነ 2018፡ ኬኒያዉያን መጻምዲ መገዲ ባቡር ኣብ ዝህነጸሉ ከባቢ እናደነሱ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ኬኒያ ካብ ናይሮቢ ናብ ኔይቫሻ ዝዝርጋሕ ዘሎ ፕሮጀክት ባቡር ንምዕዛብ ኣብ ዝመጽአሉ እዋን ኬኒያዉያን መጻምዲ እንትስዕስዑ
ነዊሕ ድልድል መገዲ ባቡር ኬኒያ እንታይ ከምዝመስል ሓንቲ መኪና መሽን እናዉረደት ዘርኢ ምስሊ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ነዊሕ ድልድል መገዲ ባቡር ኬኒያ እንታይ ከምዝመስል ሓንቲ መኪና መሽን እናዉረደት ዘርኢ ምስሊ
ዝሓለፈ ሰሉስ ሄሊ ኪፕተር ኣብ ብሄራዊ ፓርክ ናይሮቢ እናበረረት

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሄሊ ኪፕተር ኾይኑ ሓሪሽ ዓሊሙ ንምዉቓዕ ዝተዳለወ ሃዳናይ። እዚ እቲ ሓሪሽ ካብ ብሄራዊ ፓርክ ናይሮቢ ናብ ደቡብ ምብራቓዊ ክፋል እታ ሃገር ንክዛወር ዝዓለመ'ዩ
ኣብ ሞተር ሳይክል ዝሰርሑ ኬኒያዉያን ግጥም ዋንጫ ዓለም እናተኸታተሉ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ፡ ኬኒያዉያን ኣብ ሓንቲ መኪና ኣብ ዝተዘርግሐ መርኣዪ ምስሊ ናይጀርያን ኣርጀንቲናን ዝነበረን ግጥም ዋንጫ ዓለም እናርኣዩ
ቪክቶር ሞሰስ ጋንትኡ ናይጀሪያ ማዕረ እትገብራ ሸቶ ምስ ኣቑጸረ ተሕጓሱ እንትገልጽ ፡26 ሰነ 2018

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ቪክቶር ሞሰስ ጋንትኡ ናይጀሪያ ማዕረ እትገብራ ሸቶ ምስ ኣቑጸረ ተሕጓሱ እንትገልጽ
ኣብ ላጎስ፡ ደጋፊ ጋንታ ናይጀርያ እናነብዐ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኾይኑ ግና እዚ ደጋፊ ላጎስ፡ ኣርጀንቲና ክልተ ሸቶ ኣቑጺራ እንትትዕወት ናይ መብዛሕትኦም ኣፍሪቃዉያን ደገፍቲ ኩዕሶ እግሪ ሓዘን ገሊጹ
ሰዉነቶም ቀለም ዝተለኸዩ ደገፍቲ ሰኔጋል ኣብ ሩሲያ ሓሙስ 28 ሰነ 2018

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ሰኔጋል እታ ናይ መወዳእታ ተስፋ ዝተገበረላ ኣፍሪቃዊት ጋንታ'ያ ነይራ። ኣብ ሩሲያ ዝነበሩ ደገፍታ ቅድሚ ናይጀሪያ ምስ ኮሎምቢያ ዝነበራ ጸወታ ምጅማሩ ሰላምታ እናሃቡ
ደገፍቲ ሰኔጋል ብዓብዪ መርኣዪ ምስሊ ምስ ኮሎምቢያ ዝነበራ ግጥም እናተኸታተሉ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሰኔጋል ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ደገፍቲ እታ ጋንታ እቲ ጸወታ ክከታተሉ'ኳ እንተጸንሑ ሸቶ ተቖጺሩ ሰኔጋል ካብቲ ምድብ ምስንባታ ምስኣረጋገጸት ግና ልቦም ብሓዘን ተሰይሩ
ደገፍቲ ሞሮኮ፡ ምስ ስፔን ዝነበረ ጸወታ ቅድሚ ምጅማሩ ኣብ ስታዲየም ሰኑይ 25 ሰነ 2018

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ደገፍቲ ሞሮኮ፡ ምስ ስፔን ዝነበረ ጸወታ ቅድሚ ምጅማሩ ኣብ ስታዲየም ሩሲያ
ኣቡጃ፡ ሰንበት ሰኔጋል ምስ ጃፓን ዝነበራ ግጥም ዝርእዩ ዘለዉ ኣፍቀርቲ ኩዕሶ እግሪ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ኣይቬሪኮስት ኣብ ዋንጫ ዓለም እትሳተፈሉ ዕድል ክተሳኽዕ ኣይክኣለትን። ኣፍቀርቲ ስፖርት ግና እቲ ገዕጥማት ብመስኮት ቴሌቪዥን ይከታተሉዎ'ዮም ዘለዉ።
ኣብ ማእኸል መገዲ ኩዕሶ ዝጻወቱ መናእሰይ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ፡ ርእሰ ከተማ ላይቤሪያ ሞንሮቪያ፡ እቲ መገዲ ናጻ ብምንባሩ መናእሰይ ኩዕሶ እናተጻወቱ
ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ እኩባት ከራባት ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ኔልሰን ማንዴላ ኣብ ዝርከብሉ መደብር ተረኺባ።

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, መበል 100 ዓመት ጀመርቲ ምንቅስቓስ ኣንጻር ኣፓርታይድ ንምብዓል ትዳሎ ኣብ ዘላ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ እኩባት ከራባት ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ኔልሰን ማንዴላ ኣብ ዝርከብሉ መደብር ተረኺባ።
ሰዓብቲ "ማማን ኦላንጊ" ተባሂላ እትፍለጥ ሰባኺት ኤልዛቡጥ ዎሾ፡ ዝሓለፈ ቐዳም ኣብ ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ኣብ ዝነበረ ስነ ስርዓት ቐብራ ተረኺቦም

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ሰዓብቲ "ማማን ኦላንጊ" ተባሂላ እትፍለጥ ሰባኺት ኤልዛቡጥ ዎሾ፡ ዝሓለፈ ቐዳም ኣብ ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ኣብ ዝነበረ ስነ ስርዓት ቐብራ ተረኺቦም
ሰዓብቲ "ማማን ኦላንጊ" ተባሂላ እትፍለጥ ሰባኺት ኤልዛቡጥ ዎሾ፡ ዝሓለፈ ቐዳም ኣብ ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ኣብ ዝነበረ ስነ ስርዓት ቐብራ ተረኺቦም

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት፡ ኣብ ኪንሻሳ ሓዘን ሃብታም መስራቲት ቤተ ክርስቲያን ፔንተኮስታል ንምክፋል ጻዕዳ ኽዳን ተኸዲኖም
ኣልጀሪያዊት ክዋተር መሃኒ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኣልጀሪያዊት ተጻዋቲት ኩዕሶ መርበብ ገምገም ባሕሪ ዝሓለፈ ሓሙስ ምስ ስፔን ኣብ ዝነበረ ጸወታ ኣብ ከተማ ስፔን ካምብሪልስ
ግብጻዉያን ኣብ ባሕሪ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ኣብ መወዳእታ ግብጻዉያን፡ መጠን ዋዒ እታ ሃገር 40 ዲግሪ ሴልሽየስ ብምብጽሑ ፈረስ ሒዞም ነብሶም ንምዝሓል ኣብ ጥቓ ካይሮ ናብ ዝርከብ ገምገም ባሕሪ

ስእሊ፡ ካብ ኤኤፍፒ፣ ኢፒኤን ሮይተርስን